ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ 'ዘይቲ' ነፍሰይ የኻዕብት ድየ?

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት አብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር አብ ዘስምዕዎ አስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ምሳሌ ናይተን ዓሰርተ ደናግል ኣስተንቲኖም፣ ነቲ ናይ ነፍሲ 'ዘይቲ' ብምኽዕባት ከምኡውን መዓልታዊ ነቲ ብሓቂ ዘገድስን ናብ ጐይታን ካልኦትን ከም እንቐርብ ዝገብረናን ነገራት ግዜ ብምውፋይ ክንዳሎ ከም ዘሎና ኣስተምሃሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንጐይታን ንኻልኦት ንኣሕዋትን ኣሓትን ዝተዳለዉ  ምእንቲ ክኾኑ ምእመናን መዓልታዊ 'ዘይቲ ነፍሲ' ኽምገቡ ከም ዘለዎም ምሕጽንታ ኣቕሪበሎም።

ኣብቲ ትማሊ ሰንበት አብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝለገስዎ አስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ አብ ናይ ዕለቱ ንባብ ቃል ቅዱስ ወንጌል ምርኵስ ብምግባር እንካብ ክፍሊ ወንጌል ማቴዎስ ዝተወስደ ነቲ ብዛዕባ እተን ዓሰርተ ደናግል፣ ነቲ መርዓዊ ክቕበላ ዝወጻ ዘዘንቱ ምሳሌ አስተምሂሮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ ንባብ ወንጌል እዚ ብዛዕባ ትርጕም ህይወት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዚገልጽ ምሳሌ እዩ በሉ ።

እተን ዓሰርተ ደናግልን መብራህተንን

እተን መርዓዊ ክቕበላ ዝጸባበያ ዝነበራ ዓሰርተ ደናግል ሓሙሽተ ንመብራህቲ ዚኸውን እኹል ዘይቲ ሒዘን ኪመጻ ኸለዋ፣ ናይተን ዝተረፋ ሓሙሽተ ደናግል ዘይተን ግና ከሎ ተወድአን። እተን መርዓዊ ኺመጽእ እንከሎ እተዳልየን ዝጸንሓ ሓሙሽተ ለባማት ደናግል ዓስበን ተቐበላ ክብሉ አስተምህሮኦም ቀጸሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አስዒቦም ኵለን እዘን ደናግል እዚኣተን፣ ነቲ መርዓዊ ሓንጐፋይ ኢለን ንምቕባል “መብራህተን ሂዘን ክቕበላኦ ከም ተጸባበያ” እሙነገር እኳ እንተ ኾነ፣ ኣብ መንጎ እተን ጥበበኛታትን እንተን ዓያሱን ዘሎ ፍልልይ ምስ "ምድላው" እተተሓሓዘ ምዃኑ ገለጹ።

እተን ጥበበኛታት "ዘይቲ ምስ መብራህተን ወሰዳ" ማለት "ብርሃን ዜመንጩ ዘይርአ ነገር" ተማልአ፣ እተን ዓያሹ ግና ከማኡ አይገበራን ነባራ ክብሉ ቕዱስ ኣቦና ፍልልያተን ገለጹ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "እቲ ፍልልይ እዚ እዩ፦ ዘይቲ እንታይ እዩ? መለለዪ ናይቲ ዘይቲኸ እንታይ እዩ? ኣብ ውሽጢ መብራህቲ እዩ ዘሎ፣ ብዘይ ብእኡ መብራህቲ ኣይበርህን እዩ ይኹን እምበር ንሱ ሕቡእ ነገር እዩ፣" በሉ።

ምምጋብ ውሽጣዊ ህይወት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣገዳስነት እዚ ምሳሌ እዚ እንከስተንትኑ፣ ምእመናን ኣብ ህይወቶም ከስተውዕሉሉ ከም ዘለዎ ተማሕጺኖም ።

መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ደጋዊ ትርኢትና ኸም እንግደስ፣ ንትርኢትና ጽቡቕ ጌርና ኸም እንከናኸን ከምኡውን ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ጽቡቕ ጦብላሕታ ከነሕድር ከም እንጽዕር ብምግንዛብ "ንገዛእ ርእስና ውን ንመርምር ከመይ ህይወትና እውን ተመሳሳሊ ሓደጋ ኸም ዘለዋ ክንግንዘብ አለና" ድማ በለ።

ኢየሱስ ከም ዝብለና ግና  "ጥበብ ናይ ህይወት ኣብ ገለ ስዉር ቦታ ኢያ ዘላ፣ ማለት አብቲ ነቲ ዘይርአ ኩነት ህይወትና ኣብ ምክንኻን፣ እዚ ድማ ውሳጣዊ ልብኻ ምምክንኻን ኢዩ ዘመልክተልና" በሉ።

ኢየሱስ ናይ ህይወት ጥበብ ኣብ ሓደ ነገር ከም ዘሎ ማለት ነቲ ዘይርአ ኩነት ህይወትና አብ ምኽንኻን ልዕሊ ዅሉ ግና ንልብና አብ ምክንኻን ምዃኑ እዩ ዚገልጽ ዘሎ" ክብሉ አስተምሃሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዛ ጥበብ እዚኣ "ናይ ውሽጣዊ ህይወት መጋቢነት" ኢሎም ጸውዕዋ፣ እዛ ጥበብ እዚኣ ብኸመይ ደው ኢልካ ንልብኻ ጽን ከም እትብላን፣ ንሓሳባትካን ስምዒታትካን ብኸመይ ከም እትሕልዎን ከምኡ ውን ስቕ ንምባልን ንምስማዕን ቦታ ዘለካ ምዃን ኢያ ይብሉ።

'ንዘይቲ ነፍስና' ብምስትውዓል ንዓቅብ

ኣብ ርእሲ እዚውን 'ነቲ ምስ ናይ ኢድ-ስልኪ እነሕልፎ ግዜ ብምቁራጽ፣ አብ ቅድሚ ጠመተ አምላኽ ኮይና ነቲ ኣብ ዓይኒ ኻልኦት ኣሕዋትና አሓትን ከምኡ ውን ኣብ ልብናን ዘሎ ብርሃን ንጠምት፣' ክብሉ ምሕጽንታ አቕረቡ።

ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ ኵሉ ሰብ "ኣብ መጻወድያ ናይ ብዙሕ ነተራት ትሑዝ ከይከውን" ብምጥንቃቕ፣ የግዳስ "ንጐይታ ግዜ ብምውፋይ ቃሉ ምስማዕ" ከም ዝሕተት ገለጹ።

እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘስተንተንዎ ቃል ወንጌል ነቲ "ዘይቲ ውሽጣዊ ህይወትና" ወይ "ንዘይቲ ነፍስና" ዕሽሽ ከይንብሎ ዘጠንቕቐና ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ወትሩ ድልዉ ምዃን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኢዩ ዘርእየና ።

ዕለት ዕለት ንእተወሰነ ግዜ ምስንዳው

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ አስተንትኖኦም ውሽጣዊ ህይወት ኪመሓየሽ ብዘይ ቀጻልን ብጽንዓትን በብመዓልቱ ብዝግበር ምስንዳው እንተ ዘይኮይኑ ዘይክእል ምዃኑ ገለጹ ።

በዚ ምኽንያት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ተአኪቦም ዝነበሩ ምእመና ብኸመይ ይዳለዉ ኸም ዘለዉ ገዛእ ርእሶም ንኪሓቱ ተማሕጸንዎም።

"ስለዚ ንገዛእ ርእስና ከምዚ ዝስዕብ ኢልና ክንሓትት ይግብኣና - ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ህይወተይ ብዛዕባ እንታይ ኢየ ዝዳሎ ዘሎኹ? ምናልባት ነቲ ዘዋህለልክዎ ገንዘብ ከቐምጦ እጽዕር ስለ ዘለኹ ብዛዕባ ቤት ወይ ብዛዕባ ሓዳስ ማኪና እሓስብ ከይህሉ ፣እዚ ውን ... ጽቡቕ ነገር እዩ ። ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ብምባል አስተንትኖኦም ቀጸሉ - "ንልብና ንምክንኻን፡ ንጸሎት፡ ንኻልኦት ንምግልጋል ከምኡውን ነቲ ዕረፍቲ ህይወት ዝዀነ ጐይታ ግዜ ንምውፋይ ከ ንሓስብ ዲና?"

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ቅዱስ አቦና ነፍሲ ወከፍና ንዅነታት "ዘይቲ ህይወትና" ንውሽጥና ክንምርምሮ ኸም ዘሎናን "እምግቦን እሕልዎን ድየ?" ቢልና ንርእስና ክንሓት ተመሓጽኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቅድስቲ ድንግል ማርያም አዴና ዘይቲ ውሽጣዊ ህይወትና ኣኽቢርና ንኽንርእዮ ትሓግዘና ቢሎም ድሕሪ ምጽላይ አስተንትኖኦም ዛዘሙ።

13 Nov 2023, 19:14