ድለ

FILE PHOTO: Fleeing Sudanese seek refuge in Chad FILE PHOTO: Fleeing Sudanese seek refuge in Chad  (ZOHRA BENSEMRA)

ር. ሊ. ጳ. ነቶም አብታ ብውግእ ትዓኑ ዘላ ሱዳን ዘለው ሰባት ሰብአዊ ረድኤት ኪግበረሎም ጻውዒዖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንመራሕቲ ሃገረ ሱዳን ነቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ሰብአዊ ረድኤት ንክረኽቡ መንገድታት ክከፍቱሎምን ከምኡውን ብሓገዝ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ንውግእ ሓድሕድ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ክጽዕሩ ልባዊ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ዘጋጠመ ኸቢድ ሰብአዊ ቅልውላው ኣቓልቦ ብምግባር፣ እና ነከየ ይኸይድ ከም ዘሎ ዘርኢ ምንም ምልክታት ከም ዘይብሉ ገሊጾም  ።

ትማሊ ሰንብት ድሕሪ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር አብ ዘስምዕዎ ቃል ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ግዳያት እንተላይ ነቶም ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ካብ ሃገሮምን ደምቤኦምን እተመዛበሉን ስደተኛታትን ሱዳን ዘኪሮም ።

"እቲ ስቓይ ናይቶም ፍቑራት ዝኾኑ ህዝቢ ሱዳን ይስምዓኒ አሎ፣ ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ መራሕቲ፣ ናይ ሰብአዊ ረድኤት መንገድታት ንኸፍቅዱን ከምኡ ውን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብዝገበረሎም ኣበርክቶ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ክዓዩን ልባዊ ምሕጽንታ የቕርበሎም አሎኹ። በጃኹም  ነዞም ኣብ ከምዚ ዝመሰለ ጭንቂ ዝርከቡ ዝለእዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣይንረስዓዮም!" ክብሉ ቅዱስነቶም ቃል ምሕጽንታ ለገሱ።

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራ ብዛዕባ ስደተኛታት ዝሓሊ ማሕበር እዚ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት-ሓድሕድ ኣብ ሚያዝያ 2023 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ንሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ካብ ደምቤኦም ከም ዝመዛበሉ ከም ዝገበሮም ዘቕረቦ ጸብጻብ የመላኽት ። ናይቲ ብዛዕባ ጉዳይ ስደተኛታት ዝግደስ ማሕበር ውድብ ሕቡራት ሃገራት አመሓዳሪ ናይ ወጻኢ ርክባት ዝዀነት ዶሚኒክ ሃይድ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ናብታ ሃገር ከይዳ ከም ዝተዓዘበቶ ስቓይ ደቅሰብ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣጠንቀቐት፣ ከምዚ ድማ በለት - "ካብ ኣዒንቲ ዓለምን ኣርእስትታት ዜናን ተኸዊሉ እኳን እንተኾነ፣ እቲ ኣብ ሱዳን ዝግበር ዝግበር ዝሎ ግጭት ብብርቱዕ ቁጥዓ ይቕጽል ኣሎ። ብሰንኪ እቲ ዘየቋርጽ ውግእ ቍጽሪ እቶም ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ህዝቢ እና እናወሰኸ ይኸይድ ስለ ዘሎ ኣብ ምላእ እታ ሃገር ክትግምቶ ዘይከኣል ሰብአዊ ቅልውላው አጋጢሙ ኣሎ።" ትብል።

13 Nov 2023, 19:18