ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ እተን ኣብ ውግእ ዘለዋ ሃገራት 'ሰላም' ሰላም ክገብራ ጻውዒት አቕሪቦም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቶም አብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሕዝብታት ብውግእን ሳዕቤናቱን ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት አቓልቦኦም ክገብሩን ክጽልዩሎምን ዳግም ብምትባዕ - "ነታ ባጃ ትኸውን ዘላ ዩክረይን ኣይንረስዓያ ብዛዕባ ህዝብታት ፍልስጥኤምን እስራኤልን ከኣ ንዘክር - ጐይታ ሰላምሙ ይልአኸልና፣" እንክብሉ አብ መወዳእታ ናይቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ምሕጽንታ አቕሪቦም።
ቅዱስነቶም አብቲ ዘስምዕዎ ቃል “ብዙሕ ስቓይ አሎ” ይብሉ።
"ብዙሕ መከራ ኣሎ።"
"ቈልዑ ይሳቐዩ ኣለዉ፣ እቶም ሕሙማት ይሳቐዩ ኣለዉ፣ ብዙሓት መንእሰያት ከኣ ይሞቱ ኣለዉ" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መልእኽቶም ቀጸሉ ። "ውግእ ወትሩ ስዕረት እዩ ። ውግእ ወትሩ ስዕረት ምዃኑ በጃኹም ኣይንረስዕ"። ድማ በሉ።
ሰላም ንምርካብ ብተደጋጋሚ ይልምኑ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ልዕሊ 18 ወርሒ ውግእ ካብ ዝጅመር ኣትሒዞም ኣብ ዩክረይን አብ ብዓመጻ ዝስቓዩ ዘለዉን፣ ካብ መረበቶምን ተመዛቢሎም ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባትን ክትዝክርዎምን ክትጽልዩሎምን አለኩም ደአ እምበር ዕሽሽ ብምባል አይትሕለፍዎም ክብሉ ተማሕጺኖም። ቅዱስ አቦና ሰላም ንኽመጽእን ከምኡ ውን እቲ ኣብ መላእ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ግጭታት ፍታሕ ንኽረክብን ውዕላት ክግበር ቀጻሊ ምሕጽንታ የቕርቡ አለዉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ኣትሒዞም ኣብ መንጎ ጕጅለ ሓማስን እስራኤልን ብርቱዕ ውግእ ካብ ዝጅምር፣ ነቲ ውግእ ደው ንምባልን እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘልዉ ናጻ ክወጹን ከምኡውን ናይ ግብረ - ሰናይ ሰብአዊ ረድኤት ናብ ጋዛ ንምእታው ተኽእሎታት ክፍጠር ዝብል ጻውዒት ካብ ምድግጋም አየቋረጹን ክብል ዜን ቫቲካን የመላኽት ።