ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግቢ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 ጥቅምቲ ተዘኪሩ ዝውዕል ዓመታዊ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግቢ ምኽንያት ብምግባር ናብ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ዋና ኣመሓዳሪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ነቲ “ንማንም ድሕሪት ኣይትሕደግ” ዝብል ናይ ለምዘበል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግቢ መርሕ ቃል ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግቢ 2023 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዓለምና ብድኽነትን ተስፋ ምቑራጽን ንብዙሓት ኣሓትናን ኣሕዋትናን ብዘሳቕዩ ጽንኩር ክውንነታት ከም እትልለ ሓቢሮም፡ እቲ ዝስማዕ ናይ ጭንቀትን ተስፋ ምቑራጽን ኣውያት ካብ ዘይምግዳስና ከበራብረናን ሕልናና ክንምርምር ክድርኸና ይግባእ ከምዝበሉን እቲ ማእለያ ንዘይብሉ ህዝቢ ዓለም ዝጸሉ ዘሎ ኩነታት ጥምየትን ሕጽረት መግቢን ውጽኢት ናይቲ ንብዙሓት ዝሕርግ ዘይፍትሓዊ ምውህላል ዘይምዕሩይነትን በደላትን ምዃኑ ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ኣምላኽ ንዝዓደሎ ሰብኣዊ ክብሪ ምሕሳር
እዚ ዘይምዕሩይነት እዚ ካብ መግቢ ወጻኢ ኣብ ካልእ መዳይ እውን ዝዝርጋሕ ኮይኑ ናብ ኩሉ መሰረታዊ ጸጋታት ዝበጽሕን ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሰብኣዊ ክብሪ ዘሕስር ብምዃኑ እዚ ከሕፍረናን ንማሕበረሰብ ዓለም ናብ ሰናይ ተግባር ዘነቓቕሕ ክኸውን ከም ዘለዎ የተሓሳስቡ።
ማይ ሕይወት እዩ፡ ማይ መግቢ እዩ፡ ማንም ድሕሪት ዘይምሕዳግ
ነዚ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግቢ “ማይ ህይወት እዩ፡ ማይ መግቢ እዩ፡ ንዝኾነ ሰብ ንድሕሪ ኣይትደግ” ዝብል መርሕ ቃል ኣማእኪሎም፡ እዚ ጸጋ እዚ ንኹሉ ኣብ መሬት ንዘሎ ህያዋን ፍጡራት መተካእታ ዘይብሉ ክቡር ዋጋ ምዃኑ ኣጉሊሖም፡ በዚ ድማ ኩሉ ሰብ ነዚ ኣገዳሲ ሃብቲ ብምርካብ ኣገዳሲ ድሌታት ንምምላእ ብቐጻልነት ምድንፋዕን ግቡእ ሰብኣዊ ምዕባለ፡ ንዝኾነ ሰብ ድሕሪት ከይሓደግና ብጥበብን ብጥንቃቐን ብዘላቕነትን ንምውጣንን ንምትግባርን ከቢድ ህጹጽነት ይገጥመና ከም ዘሎ ወሲኾም የመላኽቱ።
ማይ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል እዩ
ቅዱስነቶም ቀጺሎም ማይ ህይወት እዩ። ምኽንያቱ ህልውና ስለ ዘረጋግጽ። እዚ ከምዚ ኢሉ ኣናሃለወ እዚ ሃብቲዚ ሕጂ እውን ብብዝሕን ጽሬትን ርኡይ ብድሆታት ይጋጥም ኣሎ። ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብሕማም ይሳቐዩ ወይ ድማ ብሰንኪ ስእነት ወይ ሕጽረት ጽሩይ ማይ ህይወቶም ይስእኑ ቢሎም፥ ብለውጢ ከባቢ ኣየር ምኽንያት ሰፊሕ ዞባታት መኻን ይኸውን ከምዘሎን ኣብ ምሕዳርን ህዝብን ሰፊሕ ጉድኣት የስዕብ ከም ዘሎ ኣውን ወሲኾም ብምምልካት፡ ብፍላይ ብዘይ ፍቓድ ምሕደራ ሃብቲ ማይ ምዝባዕን ብከላን ንድኻታት ዝጎድእ ሸለል ክንብሎ ዘይንኽል ዘሕፍር በደል ዝፈጥርን እዩ። ኣብ ክድኡስ፥ “ውሑስ ዝስተ ማይ ምርካብ መሰረታውን ኣድማሳውን ሰብኣዊ መሰል እዩ። ምኽንያቱ ንህላወ ደቂ ሰባት ኣገዳስን ንኻልኦት ሰብኣዊ መሰላት ንምትግባር ቅድመ ኩነት ስለ ዝኾነን (ስቡሕ ኣንተ ቍ. 3 ረኣ)።” ማይ ከም ተራ ሸቐጥ፡ ንልውውጥ ወይ ንገምጋም ዝኸውን ንዋት ተገይሩ ክርአ ከም ዘይብሉ ቅዱሰንቶ ደጊግሞ የተሓሳስቡ።
ማይ መግቢ እዩ
ቅዱስነቶም ቀጺሎም ማይ ንውሕስነት መግቢ ንምዕዋት ኣዚዩ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ፡ ከም መሳርሒ ምፍራይን ንሕርሻ መተካእታ ዘይብሉ ባእታን ስለ ዘገልግል እንክብሉ ነዚ ሓሳብ እዚ የስተንትኑ። ኣብ ሕርሻዊ መትረባት ክሳራታት ንምክልኻል ማይ ዘይብክሉ ጸረ ባልዕን ህይወታውን ዘይህይወታውን ድዅዒ ንምጥቃምን ጽዑቕ ሕጽረት ኣብ መንጎ ማሕበረሰባትን ህዝብታትን ጠንቂ ጎነጽ ንኸይከውን ንህላወ ሃብቲ ማይ ዝሕሉ ስጉምትታት ንምድጋፍ ውጽኢታዊ መደባት ኣድላዪ ምዃኑ ኣብ መልኽቶም ኣመላኺቶም፥ ኣብ መንጎ ሃልኪን ዘሎ ሃብትን ዘላቒ ሚዛን ንምሕላው ኣብ ስነ ህይወት ኣሉታዊ ጽልዋን ኣብ ከባቢ ዘይምለስ ወይ ክእለ ዘይከኣል ጉድኣትን ንምውጋድ ስነ ፍልጠት ምህዞ እደ ጥበብ ስነ ኣሃዛዊ እደ ጥበብ ክጥቀሙ ይጽውዑ። ብተወሳኺ ዓለም ለኸ ማሕበራት መንግስታትን በርገሳውያን ማሕበራትን ተኣኪቦም ማይ ናይ ሓባር ጸጋ ንምግባር ብዝያዳ ብፍትሓዊ መገዲ ክዕደል ብዘላቕነትን ርትዓዊ ኣገባብን ክመሓድሩን ሓሳባት ከፍርዩን ይጽውዑ።
ንሓድሕዳ ዝተኣሳሰረት ዓለም
ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግቢ፥ ይብሉ ቅዱስነቶም ባህሊ ብኽነት ካብ ኩሉ ብሓላፍነታውን እሙንን ምትሕብባር ክምከት ከም ዘለዎ እውን መዘኻኸሪ ክኸውን ይግባእ፡ ዓለምና ኣዝያ ንሓድሕዳ ዝተኣሳሰረት ብምዃና ኣብ ብቀጽርታት ንማሐብረሰበን ወይ ንውልቀን ጥራጥይ ዝሓስባን ወገናዊ ረብሓታት ዝስዕባ ሃገራት ከትምቀል ከምዘይትኽል ይሕብረና፡ ስለዚ ከም ዓውሎማዊ ማሕበረሰብ ክንሓስብን ክንዋሳእን ተጸዊዕና ኣለና። ኣብ ልዕሊ ምውናን ሃብቲ ብውሑዳት ምትሕግጋዝ ኣጽኒዕናን ቀዳምነት ንህይወት ንሃብ እንክብሉ መልኽቶም ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።