ድለ

2023.10.18 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሎሴቶ ንጉስ ሌትሲየ 2023.10.18 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሎሴቶ ንጉስ ሌትሲየ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሎሴቶ ንጉስ ሌትሲየ

“እቲ ዝተኻየደ ልባዊ ምይይጥ - ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ንግስትነት ሎሴቶን ዘሎ ሰናይ ዝምድናን ኣብታ ሃገር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣበርክቶ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ጥቅምቲ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ንናይ ሎሴቶ ንጉስ ግርማውነቶም ሌትሲየ ሳልሳይን ኣሰነይቶምን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ካብ ቅዱሰንቶም ስም ተሰናበቱ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ካርዲናል ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍልጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ዕለት 18 ጥቅምቲ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣወቱ ንናይ ሃገረ ሎሴቶ ንጉስ ግርማውነቶም ለትሲየ ሳልሳይ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ወጻኢ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየተሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን ኣብቲ ዳሕረዋይ ርክብ ብዛዕባ ዝምድና ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ሎሴቶን ህልው ኩነታት ሃገራውን ኣህጉራውን ጉዳያት ከም እተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይቲ ክሌኣዊ ርክብ ትሕዝቶ

“እቲ ዝተኻየደ ልባዊ ምይይጥ - ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ንግስትነት ሎሴቶን ዘሎ ሰናይ ዝምድናን ኣብታ ሃገር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣበርክቶ” ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ዘተኮረ ከም ዝነበረን ኣብ መወዳእታ “ኣህጉራዊ ባህርይን ናይ ሓባር ረብሓ ዘለዎም ጉዳያት ብፍላይ ኣብ ዩክሬይንን ቅድስቲ መሬትን ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ከምኡ እውን ፖለቲካውን ምህዳራውን ውሕስነት ጸጥታን ኩነታት ደቡባዊ ዞባ ኣፍሪቃን ኣብ ዝምልከቱ ነጥብታት ዝተወከሰ ምይይጥ ምክያዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት

ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንግርማውነቶም ለትሲየ ሳልሳይ ምስሊ ቡራኬ ዝህብ ንእሽቶ ቅዱስ ሓወልቲ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ናይ 2023 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳጳሳዊ መልኽቲ ሰላም፡ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነትን ከምኡ እውን ኣብ እዋን ብርቱዕ ለብዒ ኮቪድ ኣብ እዋን ተወሸብን ተፈናተትን ቅዱሰንቶም ንበይኖም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እግዚኣብሔር ካብቲ መዓት ንኸናግፈና ዝሰርዕዎ ጸሎት ብስእሊ ዘተሰነደ መጽሓፍን ገጸ በረኸት ከም ዘቕረቡሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

19 Oct 2023, 16:08