ድለ

2023.10.09 Sinodo dei Vescovi - Santa Messa 2023.10.09 Sinodo dei Vescovi - Santa Messa  (Vatican Media)

ካርዲናል ራይ ኣብ ቅዳሴ፦ ሲኖዶሳዊ አግካይዳ አብ ዓለምና ንዘሎ ቕልውላዋት መልሲ ክንህበሎም ይሕግዘና

ማሮናዊ ካቶሊካዊ ፓትርያርክ ዘኣንጾክያ ዝዀኑ ብጹዕ ወቅዱስ ካርዲናል በቻራ ቡትሮስ ራይ ኣባላት ሲኖዶስ አብ ዝተሳተፍዎ ናይ ዕለቱ መሥዋዕተ ቅዳሴ አብዘቕረብዎ ስብከት ቃል አምላኽ፣ ክርስትያን ምእመናን ነቲ ንዓለምና ዜጋጥማ ዘሎ እተፈላለዩ ጕዳያት መልሲ ሂሞም ምእንቲ ክኸሉ ሲኖዶሳዊ ናብራ ክለማዱ ተማሕጸኖም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

አባላት ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ትማሊ ሰኑይ ዕለት 09 ጥቅምቲ ነቲ 4ይ ዙር ሓፈሻዊ ጉባኤኦም ቅድሚ ምጅማሮም አብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብሓባር መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም።

ናይ ግሪኽ ሜካዊት ቤተክርስቲያን ፓትሪያርክ ዘአንጾኪያ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ዮሴፍ አብሲ፣ ነቲ አብ መንበረ ታቦት ናይ መንበረ ጴጥሮስ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም።

ናይ ማሮናውያን ቤተክርስቲያን ፓትርያርክ ዘአንጾኪያ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቤቻራ ቡጥሩስ ራይ፣ ናይ ዕለቱ ስብከት ቃል አምላኽ አብ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ እንከስምዑ፣ ነቲ ኢየሱስ ንደቀመዛሙርቱ ንዋና ግራት ንግራቱ ዓየይቲ ክልእከሉ ንኽጽልዩ ዘቕረበሎም ጻውዒት አስተንቲኖም።

ናይቲ ምሕርቲ ኩነት መከራ

እቶም ፓትርያርክ አብ ስብከቶም አብቲ እዋን እቲ ኢየሱስ ነቲ ዝስዕቦ ዝነበረ ብዙሕ ሕዝቢ ስለ ዝራሕርሓሉ፣ ነቶም ደቀመዛሙርቱ "እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፣ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም፣ ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ምእንቲ ኺልእከሉ ለምንዎ፣" ክብሎም ተረኽበ ብምባል አስተንትኖኦም ቀጸሉ።

ካርዲናል ራይ ከም ዝገለጽዎ ቃላት ኢየሱስ ነዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታት ናይ ቤተ-ክርስትያንን ማሕበረሰብና ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታትን ንኽንርድኦ ናይ መጀመርታ ነጥቢ ከም ዝዀነ አስፊሖም አስተምሃሩ።

ፈለማ ብዛዕባ ብዝሒ ናይቲ ምሕርቲ ዝኾነ እኽሊ እንከስተንትኑ ብጹዕነቶም፣ እቲ ብዙሕ እኽሊ ነቶም እተፈላለዩ ጉዳያትን ቅልውላዋትን ዓለምና ከም ዘመልክት እሞ፣ ካብ ቤተ ክርስቲያን መላእ ማሕበረሰብ ክርስትናን ኣቓልቦ ከም ዝሓትት አስፊሖም ገለጹ።

እዚ ጕዳያት እዚ ኣብ መንጎ ቐጻሊ ውግኣትን ግጭታትን ዓለምና ፍትሕን ሰላም ንምስፋን ዚግበር ጻዕሪ፣ ንለውጢ ኩነታት አየር ዓለምናን ኣከባብን ንምቍጻር፣ ነቲ ዚምዝመዝ ዘሎ ሥርዓተ ቍጠባ ንምብዳህ፣ ስደትን ምምዝባላትን ንዝወርዶም  ሰላማውያን ሰብት ምሕጋዝ፣ ከምኡውን ነቲ ብእተፈላለየ ዓይነት ማህሰይቲን ዓመጻን ዝወረዶም በሰላታት ንምፍዋስ ዜጠቓልል ምዃኑ ብፁዕትነቶም ገሊጾም።

ካርዲናል ራይ ኣስዕብ ኣቢሎም እቲ ምህርቲ ክብሪ ደቅሰባት ምድንፋዕ፣ ኣብ መንጐ እተፈላለያ አብያተ ክርስቲያን ሕብረትን ሓድነትን ምሕናጽ፣ ከምኡ ውን አብ መንጐ እተፈላለዩ እምነታት ርክባትን ዘተን ምዕባይ፣ ነቶም እተገለሉን እተነጸሉን ክፍልታት ሕብረተሰብ ምክንኻን፣ ከምኡውን ኣብዚ ግዜና ኣብ ማሕበረሰብ ዘጋጥሙ ንዘለዉ ብድሆታት ምክፋል ዘጠቓልል ምዃኑ ገሊጾም።

ብመንፈስ ዚምርሑ ዓየይቲ

እዞም ማሮናዊ ፓትርያርክ ዘኣንጾክያ አስዒቦም ድማ ብዛዕባ እቶም ነቲ ዓጺድ ክእክቡ እተጸውዑ ዓየይቲ ብምስትንታን ስብከቶም ቀጸሉ።

ካርዲናል ራይ ከም ዝገለጸዎ እቲ ናይ ሲኖዶስ መዛተዪ ሰነድ (ኢንስትሩመንቱም ላቦሪስ ) ከም ዝጠቕሶም እዞም ዓየይቲ እዚኣቶም ነፍሲ ወከፍ ብክርስቶስ እተላእኩን ብመንፈስ ቅዱስ ዚምርሑን ሰባት ኢዮም። መንፈስ ኣምላኽ ከአ እቲ ናይ ሓቂ "ቀንዲ ቀላሲ አካል ናይቲ ንቤተ-ክርስትያን ሕድሪ እተዋህባ ተልእኾን ከምኡ ውን ንጕዕዞ እዚ ሲኖዶስ እዚ ዝቕልስ አካልን ኢዩ።"

ነፍሲ ወከፍ በዓል-ዕዮ ሲኖዶሳዊ መንገዲ ንኽጕዓዝ ካብ መንፈስ ቅዱስ መምርሕን ስልጠናን ክረክብ ኣለዎ ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ስልጠና "ናይ ሕብረትን ተልእኾን ከምኡ ውን ተሳትፎን ብዝበለጸ ድማ ንሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ዘማእከለ መንፈስ ሲኖዳውነት ምምስራት ዘጠቓልል ኢዩ" በሉ።

ቍስሊ ኻልኦት ንምፍዋስ ዘለና ተልእኾ

ኣብ መደምደምታ ብፁዕ ካርዲናል ራይ ንክርስትያን ምእመናን ከምቲ ጐታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበሮ ርሕራሔ ነቲ ኣብዛ ዓለምና ዘሎ መከራን ስቓይን ከምኡ ውን ንደቂሰባት ዘጋጥሞም ዘሎ ኵነታትን ብድንጋጸን ርሕራሔን ክንቅበሎ ከም ዘሎና ጻውዒቶም ኣቕረቡ።

ስቓይ ናይቶም ድኻታት፡ እተነጸሉ፡ ስደተኛታትኛት፡ ግዳያት ውግእ ዝዀኑ ንጹሃት ሰባትን ከምኡውን ግዳም ሓደር ዝዀኑ ሰባትን ንልቢ ክርስቶስ ብድንጋጸ ከም ዝሰብሮ፣ ንዓና ውን ከምዚ ዝመሰለ ናይ ድንጋጼን ርሕራሔን ስምዒት ከለዓዕለልና ይግባእ ክብሉ ምሕጽንታኦም አቕረቡ።

አብ መወዳእታ ብፁዕ ካርዲናል ራይ "ጐይታ ንነፍሲ ወከፍና ነዚ በሰላ እዚ ኸነሕውየሉን፣ ነታ ሓባራዊ ቤትና ብሰላምን ብህድኣትን እንነብረላ ዝሓሸት ዓለም ንኽንገብራ ክንሰርሕ መሪጹና ኣሎ" ብምባል ስብከቶም ዛዘሙ።

10 Oct 2023, 16:53