ድለ

ር. ሊ. ጳ. አብ መኽፈቲ ሲኖዶስ፦ መንፈስ ቅዱስ ናብ ስኒትን ምክብባርን ዘለዎ ጽን ምባል ይመርሓና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ትማሊ ሮቡዕ ዕለት 04 ጥቅምቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብወግዒ እተኸፍተ ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነት፣ አብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት አብ ዘስምዕዎ መደረ ቀንዲ ቀላሲ አካል ናይ ሲኖዶስ መንፈስ ቅዱስ ደአ እምበር ካልእ አካል ከም ዘይኰነ ኣዘኻኸሩ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ መደረኦም “ቀንዲ ቀላሲ አካል ናይ ሲኖዶስ ንሕና አይኮናን፣ የግዳስ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ!” እንክብሉ መንፈስ ቅዱስ ዝቆጻጸሮን ዝቕልሶን እንተደአ ኮይኑ ብሉጽን ሰናይ ዝኾነ ሲኖዶስ ኢዩ፣ ከምኡ እንተ ዘይኮይኑ ግና “ሲኖዶስ አይኮነን!” ብምባል ብአጽንዖት ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ነዚ ሓይል ዝኾነ መዘኻኸሪ፣ አብቲ ትማሊ ዕለት 04 ጥቀምቲ 2023 አብ ሃገረ ቫቲካን ብወግዒ እተጀመረ፣ ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት አብ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ዘስምዕዎ ቃለ ማዕዳን ኢዩ ዝነበረ።

እዚ ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት፣ አብ ምዱብ ክፍለ ግዜ ማለት አብ ናይ ሓደ ዓመት ፍልልይ ዘለዎም ክልተ እዋናት ክካየድ ኢዩ፣ እቲ ቀዳምይ ክፍለ ግዜ ካብ ዕለት 04 – 29 ጥቅምቲ 2023፣ እቲ ካልኣይ ክፍለ ግዜ ድማ አብ ወርሒ ጥቅምቲ 2024 ክካየድ ኢዩ።

ቅዱስ አቦና አብ መደረኦም ነቶም ተጋባእቲ ሲድኖዶስ ጳጳስት ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ቃል ድሕሪ ምቕዳምን፣ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ 6ይ ድሕሪ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ንጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ንምስልሳል፣ ንጉዳያት ሲኖዶስ ጳጳስት ዝከታተል ጠቕላሊ ቤት ጽሕፈት ንምቛም ዝገርዎ ተበግሶ ብምዝካር፣ ስለቲ ኹሉ እተገብረ ዕማማቶም ብምምስጋን ጀመርዎ። ቤተክርስቲያን ነዚ ዓይነት ማዕላ ንምግባር ወትሩ ስንድውቲ ጥራይ ዘይኮነትንስ የግዳስ ነቶም አብ መላዕ ዓለም ዘለዉ ጳጳሳትን፣ ህዝቢ አምላኽን ብዛዕባ ሲኖዳውነት ምዝታይ፣ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ አገዳኢ እናኾነ ይኸይድ ምህላው ተገንዚባቶ ከም ዘለላ አመከቱ።

“ቀሊል እኳ እንተዘይኮነ፣ ብሓቂ ግን ሰናይ ነገር ኢዩ፣ እኳ ደአ ዘበለጸ ሰናይ ኢዩ!” ድማ በሉ።

እቲ ቀንዲ ቀላሲ ቤተ-ክርስትያን ዝኾነ ብኢድና ሒዙ ኢዩ ዘታትየና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ፍርንቸስኮ ነቶም ተጋባእቲ መንፈስ ቅዱስ “ከም አደ” ዝኾነ “ንቤተክርስቲያን ንቅድሚት ገጹ ዝመርሓ፣ ቀንዲ ቀላሲ አካል ናይ ህይወታ ኢዩ” ክብሉ አዘኻኸርዎም።

“መንፈስ ቅዱስ ብኢድና ሒዙ የታትየናን፣ የጸናንዓናትን ኢዩ።” ድማ በሉ።

ሲኖዶስ 2023
ሲኖዶስ 2023   (Vatican Media)

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ስኒትን ቅኒትን ወትሩ ክከሓድ ብዘይከአል መንገዲ ንመለሳታት (ደቀቕቲ ፍልልያት) ቦታ ከም ዝገድፍ ብአጽንዖት ገሊጾም፣ ናብ ስኒትን ውህደትን ገጾም ክጽዕሩ ውን ጻውዒቶም አቕረቡሎም።

 ስለዚ ይብሉ ቅዱስነቶም ነዚ ሲኖዶስ ብልክዕ ብዘይ ዝኾነ ፍልልያት ተመሳሲልና እንተ ዛዚምናዮ፣ “ብዘይ ዝኾነ መለሳ ምስ ዝኸውን” ሲኖዶስ አይተገብረን ማለት ኢዩ ድማ በልዎም።

'ብመንፈስ ቅዱስ ደኣ እምበር ብኣና ዝኸውን አይኮነን'

“ንፍሉይነት” ብምጥቃስ ቅዱስ አቦና “አብ ቤተክርስቲን አካልን ክፍልን ኮይኑ ክተአታቶ አለዎ” ቢሎም ድሕሪ ምግላጽ፣ “እዚ ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ክኸውን ዘለዎ ደአ እምበር ብኣና ዝኸውን አይኮነን” በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ሲኖዶስ “ሕዝባዊ ባይቶ አይኮነን፣ ወይ ውን ብዛዕባ ጉስነትታዊ ሓልዮት ቤተክርስቲያን ዝግበር አኼባ ውን አይኮነን” እንክብሉ ብዛዕባ እቲ ጊጉይ ዝኾነ አገላልጻ ሲኖዶስ አጠንቐቁ።

በዚ ኸምዚ ድማ አስዒቦም ቅዱስነቶም ነቲ መራኸቢ ብዙሓን ዝገብርዎ ዘልዉ ሰናይ ዝኾነ አገልግሎት ብምጥቃስ ድሕሪ አመስጊኖም፣ እተኾነ ግን ገለገለ እዋናት አብ ርሱን ጉዳይት ጥራይ ከም ዜተኵሩ ብምግላጽ ጓሂኦም ገለጹ፣ ብኣንጻሩ እኳ ደአ ነቲ ቤትክርስትያን ብተገዳስነት ትዓየሉ ዘላ “ንምስማዕን ጽን ምባልን ቀዳምነት ምሃብ” ዝብል ቀንዲ ሓሳብ ንምምሕልላፍ ክሰርሑ ተማሕጸንዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አስዒቦም መንፈስ ቅዱስ ንምእመናን አብ ጐደና እምነቶም ከም ዘጽንዖም ብምግላጽ “ነፍስወከፍ ሰብ ሓሳባቱ ብነጻነት ክገልጽ ክኽእል አለዎ፣” ውን በሉ።

'ማእከልነት ክርስቶስ - ሲኖዶስ ዝስዕቦ መስመር '

ኣብቲ አብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ጳውሎስ 6ይ እተሰምየ ናይ ጉባኤ አዳራሽ እተገብረ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፣ ቅድሚ’ዚ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፣ እዚ መደብ እዚ ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ናይ ተወካሊ አቦ መንበር ዝኾኑ፣ ግብጻዊ ካቶሊክዊ ፓትርያርክ ብጹዕ ወቅዱስ አቡነ ኢብራሂም ኣይዛክ ሰድራክ ዘአሌክሳንድርያ ብዘቅረብዎ መደረ ኢዩ ተጀሚሩ። ብጹዕነቶም አብ ዘስምዕዎ መደረ አብዚ ዘመን እዚ ውን እንተኾነ፣ ጐይታ ንፍቕሩ ይገልጽ ከም ምዃኑ መጠን ቤተክርስቲያን ድማ በዚ ተለዓዒላ አብ ጉባኤ ሲኖዶስ ትርከብ ምህላዋን ገሊጾም።

አስዒቦም  ድማ ብጹዕነቶም እዚ ሲኖዶስ እዚ “ካብ ህዝቢ አምላኽ ማለት ካብ ነፍስ ወከፍ እተጠምቀ ሰብ ምኽሪ ንምሕታትን ንምዝታይን ዝዓለም ከም ምዃኑ፣ ነፍሲ ወከፎም ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም ህያብ ዘለዎም ከም ምዃኖም፣ ነዚ ድማ ብህያውን ሓቀይናን ጭቡጥን ብዝኾነ መንገዲ ንምክያዱ” መስርሕ ናይዚ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነት እተገብረ ካብ ምጅማሩ አትሒዙ ቀሊል አይነበረን፡” ክብሉ መስከሩ።

ዓለም ካባና “ምስክርነት ናይቲ ሕይወትን ተስፋን ዝኾነ ዝተንስእ ክርስቶስ ትጽበ አላ” እንክብሉ ድማ መደረኦም ቀጸሉ።

“ስለዚ እምበር ‘ማእከልነት ክርስቶስ’ ክንስዕቦ ዘሎና መራሒ መስመር ናይዚ ሲኖዶስ ክኸውን አለዎ። ኢየሱስ አልፋን ኦሜጋን ናይ ዘተታትና ክኸውን አለዎ፣ ንኽትዓትና ዘብርህ ብርሃንን፣ አብ ኩሉ ጻዕርታትናን ስራሓትናን ድማ ናይ መወዳእታ ከታሚ ክኸውን አለዎ። በዚ ኸምዚ ድማ እዚ ሲኖዶስ እዚ ምእንቲ አብ ዕላማታቱ ክዕወት ጸሎተይ ኢዩ።” እንክብሉ ነቲ ናይ መኽፈቲ መደረኦም አስምዑ።

መክፈቲ መስዋዕተ ቅዳሴን፣ ሓዋርያዊ ምዕዳን “ሰብሕዎ ለግዚአብሔርን”

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ረቡዕ ንግሆ ዕለት 04 ጥቅምቲ 2023 ነቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝዓረገ መኽፈቲ መስዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም፣ ነቶም አባኡ እተሳተፉ ምእመናን አብ ዘስምዕዎ ስብከት ቃል አምላኽ ድማ "ብተኣማንነትን ብሓጐስን" ምስ መንፈስ ቅዱስ ክጕዓዙ ጻውዒት ኣቕረበሎም።

ኣብ ርእሲ እዚውን አብቲ ዕለት እቲ ማለት ዕለት 4 ጥቅምቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በዓለ ስመ-ጠበቓኦም  ክብረ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲሲ ክንዲ ዝነበረ፣ ቅዱስነቶም ናይታ ብ2015 ዝኣወጅዋ ብዛዕባ ኣከባቢያዊ ክንክን እትዛረብ “ስቡህ አንተ” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም መብርሂ እትኸውን ካልኣይ ክፋል አዊጆም።

እዛ ሓዳስ እተአወጀት ሓዋርያዊት ምዕዳን “ሎዳተ ዴዩም” (ሰብሕዎ ለእግዚአብሔር) ብዝብል ስያሜ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ አብ ዘመና ዘሎ ኣከባብያዊ ዅነታትን፣ እንታይ ክግበር ከም ዘለዎን ዝገልጽ መልእኽቲ አሕቲሞም።

05 Oct 2023, 16:18