ር. ሊ. ጳ. አብ ጋዛ ግብረ ሰናይ ክግበርን እቶም ጅሆ ተታሒአኦም ዘለዉ ናጻ ክወጹ ተማሕጺኖም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር አብ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘሎ ኩነታት ዘለዎም ሻቕሎትን ሓዘንን ገለጹ ።
"ኣዝየ እጭነቕን እጕህን አሎኹ። ምስ ኵሎም እቶም ዝሳቐዩን ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉን ዝቘሰሉን ግዳያት ከምኡውን ምስ ስድራቤቶም ኮይነ እጽልን አብ ጐድኖም ከም ዘሎኹን እገልጽን።"በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ "ኣብ ጋዛ ዘሎ ኸቢድ ሰብአዊ ቅልውላው " ኣጸቢቑ ከም ዘተሓሳሰቦ አመልከቱ ኣብዚ ቐረባ መዓልትታት ኣንግሊካዊ ቤተ-ሕክምናን ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተክርትያን በቲ ዝካይድ ዘሎ ደብዳባት ብምእናዎም ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጺም።
ናይ ግብረ - ሰናይን ረድኤትን ክኸውን ዝኽእል ናጻ ዝኾነ መንገድታት ክኽፈትን ከምኡ ውን እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሰባ ናጻ ክወጹን ዘቕረብክዎ መጸዋዕታ አሓድሶ አሎኹ ። " ድማ በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "ብዛዕባ ኩሉ ውግእ፣ ማለት ኩሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ዝዀነ ይኹን ውግእ - ከምኡ ብዛዕባ እቶም በጃ ዝኾኑ ሕዝቢ ዩክረይን እውን እና ሓሰብኩ እሻቐል አሉኹ" ብምባል ዝተሰምዖም ጓሂ ገሊጾም ። ውግእ ወትሩ ግዜ ስዕረት እዩ ጥፍኣት ደቂ ሰብ ከአ ኢዩ ዘስዕብ ። በጃኹም ኣቱም ኣሕዋት ደው አብልዎ! በጃኹም ውግእ ኣቋርጹ!" ክብሉ ምሕጽንታ አቕረቡ።
ድሕርዚ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓርቢ 27 ጥቅምቲ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ንስሓን ክግበር ከም ዝአወጁ አዘኻኸዉ ። አብቲ ዕለት እቲ ልክዕ ሰዓት 6 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምእንቲ ሰላም መላእ ዓለም ናይ ሓደ ሰዓት መደብ ጸሎት ክካየድ ኢዩ ።