ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ቦዝኒያን ሄርዘጎቪናን ርእሰ ብሔር ደኒስ ቤቺሮቪች ተራኺቦም
ዕለት 21 ጥቅምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብበዓልቲ ቤቶምን ብኣባላት መንግስቶምን ንዝተሰነዩ ንናይ ቦዝኒያን ሄርዘጎቪናን ጉባእያዊ ርእሰ ብሔርነት ደኒስ ቤቺሮቪች ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ካብ ቅዱስነቶም ምስ ተሰናበቱ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ክሌኣዊ ዘተ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍልጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ጥቅምቲ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ንናይ ቦዝንያን ሄርዘጎቪናን ጉባእያዊ ርእሰ ብሔርነት ደኒስ ቤቺሮቪችን ተቀቢሎም ከም ዘዘራረቡን ኣስዒቦም ርእሰ ብሔር ቤቺሮቪች ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን
ክሌኣዊ ዝምድናታት
ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ፥ ዝምድና ቅድስቲ መንበርን ቦዝኒያን ሄርዘጎቪናን ሰናይ ምዃኑን ከምኡ እውን ኣብ ገለ ገለ ክፉታት ሕቶታት ኣብ ዝምድና ቤት ክርስቲያንን መግንስትን ከም ዝዘተዩን ቀጺሎም ርእሰ ብሔር ቤቺሮቪች ዛዕባ ውሽጣዊ ኩነታት ሃገሮም ኣመልኪቶም፥ መሰረት ሰላምን ምርግጋእን ማሕበራዊ ማዕርነት ኩሎም ቅዋመ ህዝብታትን ኣብ መንጎ ኩሎም ፖለቲካዊ ተዋሳእቲ ዝግበር ዘተን ምዃኑ ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ኣህጉራዊ ጉዳያት
ኣህጉራዊ ጉዳያት ብዝምልከት እውን ሓሳብ ከም እተለዋወጡን፡ “ብፍላይ ሳዕቤን ኩናት ዩክሬይንን ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝካየድ ዘሎ ግጭትን ምስፋሕ ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ምዕራባዊ ባልካን ዘጠቓለለ ከምኡ እውን ምዕባለ ቦዝንያን ሄርዘጎቪናን ኣብ ጎደና ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ከም እተመያየጡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።