ር. ሊ. ጳ.፦ ነቶም ናይ ዘመና መንገደይናታት ጸግዒ ንኩኖም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ትማሊ ሓሙስ ምሸት ዕለት 19 ጥቅምቲ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምእንቲ ምድሓን ኩሎም ስደተይናታትን፡ ነቝሳሎም ንምፍዋስን፡ ከምኡውን ሓድነትን ሰላምን ዘለዋ ዝሓሸት ዓለም ንምህናጽ ብዝብል ሓሳብ መደብ ጸሎት ዋዜማ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴሮስ መሪሖም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብቲ ካብ ካመሩንን ዩክረይንን ከምኡ ውን ካብ ኤል ሳልቫዶር ዝመጹ ስደተኛታት ዝተሳተፍዎ፣ ብናይ ቅድስቲ መንበር አገልግሎት ኵለንትናዊ ሰብአዊ ዕቤት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት እሰተናደወ “መደብ ጸሎት ምእንቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን” ተሳቲፎም አስተንትኖ ቃል አምላኽ አስሚዖም።
እዚ መደብ ጸሎት እዚ አብ ቅድሚ እቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮ ዝርከብ “ዘይተፈልጡ መላእኽቲ” ዝተሰምየ ሓወልቲ ኢይ ተኻዪዱ። እዚ ሓወልቲ እዚ ነቶም ካብ እተፈላለየ ባህላውን ዓሌታውን ድሕረ-ባይታን ከምኡ ውን ካብ እተፈላለየ ታሪኻዊ እዋናት ንዝመጹ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ዝውክል በነሓስን ካይላን እተሰርሐ ማዕረ ቁመት ወድሰብ ዘለዎ ቅርጺ ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝተኻየደ ሓጺር መደብ ጸሎት ዋዜማን ናይ ጽሞና ግዜን ድሕሪ ፈጺሞም አስተንትምኖ ቃል አምላኽ አስሚዖም፣ ንዝኽሪ ዅሎም እቶም ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ዓለም አብ መንገዲ ህይወቶም ዝሰአኑ ስደተይናታት ድማ ናይ ሕሊና ጸሎት አዕሪጎም።
ቅዱስ አቦና ነቲ ብዛዕባ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝዛረብ ክፍሊ፣ እንካብ ወንጌል ሉቃስ አብቲ መደብ ጸሎት ዝተነበ ምርኩስ ብምግባር፣ እዚ ምስላ እዚ ካብ ዕጹው ዓለም ናብ ርሑው ዓለም፣ ከምኡ ውን ኻብታ ኣብ ውግእ ዘላ ዓለም ናብ ሰላማዊት ዝኾነት ዓለም ብኸመይ ከም እንሰጋገር ይሕብረና ክብሉ አስተምሃሩ ።
ሓደገኛ መገድታት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ልክዕ ከምቲ ብጥንቲ ነቶም ኻብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ንዚጐዓዙ ዝነበሩ ገያሾ ዜጋጥሞም ዝነበረ ሓደጋታት፣ ከምኡ ከአ ሎሚ ብተጻባእቲ ነቶም ብምድረ በዳን፡ ዱርን፡ ባሕርን ዚጐዓዙ ስደተይናታት ዜጋጥሞም ዘሎ ሓደገኛ ጕዕዞ እዩ።
ብዙሓት ስደተይናታት ከም እተዘምቱን እተቐንጠጡን ከም እተዓመጹን፣ መብዛሕትኡ ግዜ በቶም ጨካናት ዘይሕጋውያን አሰጋገርቲ ሰባት ኸም እተታለሉን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አስፊሖም ገለጹ ።
ሎሚውን እንተኾነ ንስደተኛታትን ተመዛበልትን ዜጋጥሞም ዘሎ ሓደጋታት ጭውያን፡ ምዝመዛን፡ ስቓይን፡ ከምኡውን ዓመጻን ይወርደዶም ከም ዘሎ ቅዱስነቶም አምሪሮም ተዛረቡ ።
እቲ ዜሕዝን ግና ኣብዚ ግዜና እውን እንተ ዀነ ሰባት ካብ ውግእን ግብረ ሽበራን ብኸመይ ይሃድሙ ኸም ዘለዉ ብዓይንና እንሪኦ ዘሎና ሓቂ ኢዩ ክብሉ ቅዱስነቶም መስኪሮም።
ርሕሩሕ ልቢ
አስዒቦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ብዓመጽቲ ተቐጥቂጡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወዲቑ ዝነበረ ሰብአይ፣ ሓደ ሳምራዊ ብኣኡ ዝሓልፍ ዝነበረ ምስ ዝረኣዮ ዝገበሮ ርሕራሔ ብምዝካር “ነዚ ምስኪን ምስ ረአዮ ደንገጸሉ” ድሕሪ ቢሎም - "ድንጋጸ ኣብ ልብና ዘሎ ኣሰር ኣምላኽ እዩ" በሉ።
ካብታ ህሞት እቲኣ ኣትሒዙ ኸኣ እቲ ተጎዲኡ ዝነበረ ሰብኣይ ሳላ እቲ ዝሓገዞ "ወጻእተኛ" ኺሓዊ ጀመረ።
"ፍረ ናይዚ ተግባር ጽቡቕ ደገፍ ምርካብ ጥራይ ኣይኰነን ዝንበረ፣ እቲ ውጽኢቱ ኸስ ሕውነት ኢዩ ፈጢሩ።"
ህይወት ሰባት ንምድሓንን አቝሳሎም ንምፍዋስን ተጸዊዕና
"ንሕና ውን ከምቲ ሕያዋይ ሳምራዊ አብዚ ግዜና ንዘለዉ መንገደይናታት ጐረባብትን ጸግዕን ክንኮኖም ህይወቶም ከነድሕን አቝሳሎም ከነሕዊ ከምኡውን ስቓዮም ከነህድእ ተጸዊዕና ኢና። እቲ ዜሕዝን ግና ንብዙሓ ደንጒናዮም ኢና፣ ስለዚ ድማ አብ መቓብሮም ኮይና ንበኪ ጥራይ አሎና፣ ክንደይ እኳ ብዘይ መቓብር ዝተረፉ አለዉ። ጐይታ ግና ገጽ ነፍሲ ወከፎም ይፈልጦ ኢዩ፣ ፈጺሙ ውን አይክርስዖምን ኢዩ" በለ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝወሰዶ ስጕምቲ፣ ኻብ ተራ ግብረ ሰናይ ንላዕሊ ከም ዝዀነን፣ ነቲ ዝገበሮ ኣገልግሎቱ ዝገልጹ ኣርባዕተ ግስታት ከም ዘለዎ አመልከቱ ፣ እዚ ኸኣ ሃንጎፋይ ኢልካ ምቕባል፡ ምዕቛብ፡ ምትብባዕ፡ ምውህሃድ እዩ ።
ነቲ ሰብኣይ ተቐላጢፉ ዝገበረሉ ህጹጽ ረድኤት እኳ እንተ ነበረ፣ ቀጺሉ ግና ምሉእ ብምሉእ ክሳበእ ዝሓዊ ናብቲ ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ሓላፍነት ዝሓትትን ተልእኾ ኢዩ ተሰጋጊሩ።
ወሲኹ ድማ እዚ ነዊህ ግዜ ዝወስድ አገልግሎት እዚ ናይ ምትሕብባር አጋጣሚ ናብ "ዝያዳ ሓባራዊ፡ ዝያዳ ምልኩዕ፡ ከምኡውን ዝያዳ ሰላማዊ ሕብረተሰብ" ናብ ምሕናጽ ከም ዝመርሕ ኣመልከቱ።
ውሑስ መገድታት ምህናጽ
ቅዱስነቶም አስዒቦም ካልእ ኵላትና ኽንወስዶ እንኽእል ስጕምቲ ኸኣ "ሎሚ ዘለዉ መንገደይናታት ግዳይ ሸፋቱ ምእንቲ ኸይኰኑ ውሑስ መገዲ ንምህናጽ ምጽዓር" ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገሊጾም፣ "ንተስፋን ትምኒትን ስደተኛታት ንምምዝማዝ" ነቲ ገበናዊ መርበባት ንምቅዋም ዝያዳ ጻዕሪ ኸም ዘድሊ ድማ አስመሩሉ።
ውሕስነት ዘለዎ መገድታት ንምፍጣር "ስሩዕ መትረባት ስደተኛታት ንምስፋሕ" ጻዕሪ ኽግበር ከም ዘድሊ ምስናይዚ እውን "ሚዛን ሕዝብን ስነቁጠባዊ ፖሊሲታት ምስ ፖሊሲታት ስደተይናታት አብ ዘተ ክወርዱ” ከም ዘለዎም ተማሕጸኑ።
እንተዀነ ግን ነቶም ብቐሊሉ ክጥቅዑ ዝኽሉ ተነቀፍቲ ክፍልታት ማህበረሰብ ክትጥንቀቐሎም ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕልሑ፣ ይኹን እምበር ነቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ክውስኽ ዝኽእል ዋሕዚ ስደተይናታት ንምቍጽጻር ዘኽእል ሓባራውን ሓላፍነታውን ሜላታት ንምፍጣር ጻዕሪ ከም ዘድሊ አመልከቱ።
"ሎሚ 'ዘራፊ ዘይኮነ ወይ ሓላፍ መንገዲ ዘይኮነ እኳ ደአ ንባዕሉ ዝተጐድአ ወይ ከአ ጉዱኣት ኣብ መንኵቡ ዝተሰከመ ' ኣብ አፍደጌና ዝኵሕኵሕ ንዘሎ ስደተይናን ተመዛባልን ክንከፍቶን ክንቀርቦን ንጐይታ ጸጋ ክህበና ንልምኖ።" ብምባል አስተንትኖኦም ዛዘሙ።