ድለ

Laudate Deum - ሰብሕዎ ለእግዚኣብሔር፥ ር.ሊ.ጳ. ንቅልውላው ከባቢ ኣየር ኣናኢስካ ምርኣይ ይ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ "ኣምላኽ ምስ ኩሎም ፍጡራቱ ኣተሓሒዙና እዩ”

ቅልውላው ከባቢ ኣየር ንምግጣም ክሳብ ሕጂ ዝተገብረ ጻዕሪ እኹል ኣይኮነን። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ኣብታ “Laudate Deum - ሰብሕዎ ለእግዚኣብሔር” ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 4 ጥቅምቲ ኣብ  ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ወግዓዊ ዝኾነት ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘቕረብዎ ክኸውን እንከሎ፡ እዛ 65 ገጻት ዝሓዘት “ንኹሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይ” ብፍላይ ድማ ፖለቲከይናታት ንሰባትን ኣካባብን ዝያዳ ጻዕሪ ንኽገብሩ ንምትብባዕ ከም ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስያን መራሒ ብዘለዎም ግብረ ገባዊ ስልጣን መሰረት ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብኣዚዩ ንጹር ልሳን ነቲ ቅልውላው ከባቢ ኣየር ኣናኢስካ ምርኣይ ልሙድ ይኸውን ምህላዉን እዚ ቅልውላው እዚ ድማ ኣብታ ሓዋርያዊት ምዕዳኖም “ብሰብ ዝፍጸም ምዃኑ ይገልጹ (ፍቕዲ 11)። ኣብዚ መዳይ እዚ እውን ኣብ ዝተወሰኑ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከይተረፈ ነቲ ቅልውላው ዘነኣእስ ዘይምኽንያታዊ ርእይቶታት” ከም ዝርከብ (ፍቕዲ 14) የመላኽቱ። ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ማሕበራውን ምህዳራውን ጉዳያት እትምልከት ንምክልኻል ናይ ሓባር ቤትና እተተባብዕ “Laudato sì – ስቡህ ኣንተ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ፡ ነዛ ሓዳሽ ሓዋርይዊ ምዕዳን ንኽልግሱ ሓደ ምኽንያት ከም ዝኾነ ይፍለጥ። ቅዱስነቶም ንሓያሎ ሓቅታት ከባቢ ኣየር ይጠቕሱ፥ ንሱ ኸኣ ቅልጡፍ ምውሳኽ ዋዒ መሬት፡ ምምካኽ በረድ መሬት ብከላ ማያት ባሕሪ ዝብል ክኸውን እንከሎ፣ እዚ ድማ ምስቲ ናይ ደቂ ሰባት ተግባር ዝተኣሳሰረ ምዃኑ “ውሑድ ምኢታዊ” ክኢሊታት ናይ ስነ ምህዳርን ስነ ከባቢ ኣየርን የረጋግጹ። እቲ ዘሕዝን ግን ይብሉ ቅዱሰንቶም “ዓበይቲ ቁጠባዊ ሓይልታት” ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብዙሕ ተገዳስነት ዘየርእዩ ምዃኖም እዩ። “ብዝሓጸረ ግዜ ብዝወሓደ ወጻኢታት ዝለዓለ መኽሰብ” ኣብ ዝብል ተግባር እዮም ዘተኩሩ (ፍቕዲ 13)።


ሰብ ንህላዌኡ ኣብ ሓደጋ የእትው

ከም ሳዕቤን ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኹሉ ሰብ “ነቲ ኣብ ልዕሊ ፍጥረት ዘሎና ሓላፍነት” ዳግማይ ክሕሰበሉ ይዕድሙ (ፍቕዲ 24)። ከባቢ ክምዝምዝ ጥራሕ የብሉን ደሓር ከኣ ሰባት ንባዕሎም እውን ኣካል ናይቲ ከባቢ ስለ ዝኾኑ (ፍቕዲ 26) ክከናኸንዎ ይግብኦም። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ሎሚ ዘለዉ ሰባት ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ የእትዉ - “ሓይልናን እንፈጥሮ ምዕባለን ኣንጻር ገዛእ ርእስና ዘቕነዐ ምዃኑ” ምስትውዓል ከም ዘድሊ ቅዱሰንቶም የተሓሳስቡ (ፍቕዲ 28)።

እቲ ምላሽ - ሰናይ ፖለቲካ

እቲ መፍትሒ ግን ኣበይ ኣሎ ? ንፍራንቸስኮ ሰብ ክቡር ይኹን ብዘየገድስ ኣብ ብሕታዊ ኣነባብራ ብዙሓት ውልቀ-ሰባት ለውጢ ቕድሚ ክገብሩ ኣለዎም ዝብል ግዴታ እውን ከይተረፈ ብዛዕባ ፖለቲካ እዮም ዝዛረቡ (69)። ብዓይኒ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዕለ ሃገራዊ ምትሕግጋዝ ብሓጺሩ: ብዙሕነታዊ ምትሕግጋዝ ኣገዳሲ እዩ። እንተኾነ ግን ብዛዕባ መጻኢ ዝምልከት ውሳነታት ክሳብ ክንድዚ ካብ ላዕሊ ኣክንዲ ዝመጽእ ካብ ታሕቲ ክመጽእ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ። “ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ተወፋይነት ዘለዎም ሰባት ንሓድሕዶም ዝራኸቡሉን ዝደጋገፉሉን መሰረታዊ ጠለባት ዘለዎም ኣብ መወዳእታ ኣብ ሚዛን ሓይሊ ጸቕጢ ክገብሩ ይኽእሉ። እዚ ምስ ቅልውላው ከባቢ ኣየር ዝምልከት ክኸውን ተስፋ ክግበር ኣለዎ።" (38) ፍራንቸስኮ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ኣገዳስነት ብዙሕነታዊ ስነ መላዊ ክርባት እውን የመላኽቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝተፈለየ ምዕራፍ (ካብ ፍቕዲ 44-52) ነቲ ዝሓለፉ ናይ ከባቢ ኣየር ጉዳይ ዝምልከቱ ዋዕላታት ይግምግሙ። ኣብ 2015 ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ COP21 ይንእድ፣ ቅድሚ እቲ “Laudato sì - ስቡሕ ኣንተ” ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእክቲ ምልጋሶም  ዝተኻየደ ዋዕላ። ኩሎም ናይ ፓሪስ ውሳኔታት ግና ነተን ግዝኣታት ቀያዲ ኣይነበረን፡ ግዴታታት ኣብ ዘይምፍጻም መቕጻዕቲ ክህሉ እውን ዝብል ከም ዘይኮነ የዘኻኽሩ። እዚ ድማ ጉድለታት እቶም ውሳኔታት ምዃኑ ብምጥቃስ እዩ። ድሕሪኡ ዝመጹ ዛዕባ ብከላ ከባቢ ኣየር ዝምልከቱ ዋዕላታት ዝያዳ ዝደኸሙ እዮም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዱባይ ዝካየድ COP28 ናብ ሓቀኛ ጸዓት ምስግጋር ከምርሕ ልባዊ ተስፋ ኣለዎም፣ እዚ ስጉምትታት ብቐዳምነት ውጽኢታዊ ክኸውን ኣለዎ፣ ካልኣይ ግዴታ ክኸውን ኣለዎ፣ ሳልሳይ ድማ ንምስዓቡን ትግባሬኡን ቀሊል ክኸውን ኣለዎ (59)። እቶም ኣብ ዱባይ ዝነጥፉ ሰባት “ብዛዕባ ኩነታዊ ረብሓታት ገለ ሃገራት ወይ ዓበይቲ ትካላት ዘይኮነስ ብዛዕባ ናይ ሓባር ረብሓን መጻኢ ደቆምን ክሓስቡ እዩ ዘለዎም። በዚ መንገዲ እዚ ድማ ነቲ ክቡር ባህሪ ፖለቲካ እምበር ነቲ ዘሕፍር መልክዑ ኣይግለጹ” (ፍቕዲ 60)።

ፍራንቸስኮ ንሓደስቲ መልክዓት ተቓውሞታት ቅልውላው ስነ ምህድር ከም ሕጋዊ ይምልከትዎ

“ኣብ መወዳእታ ነቲ ዛዕባ ቅልውላው ስነ ምህዳር ዝቃወም ሕቶ ዝወሃቦ ዘይሓላፍነታዊ ላግጺ ደው ነብሎ”

ካልእ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣዚዩ ኣገድሳሲ ዝኾነ ነጥቢ ድማ፡ ብዛዕባ ናይ ሓባር ገዛና ሓልዮት ምሽቃጥ ክቋረጽ ኣለዎ ዝብል እዩ። “ኣብ መወዳእታ ነዚ ኣርእስቲ ከም ስነ-ምህዳር፣ ሓምላይን ማሕርሮኣዊ ፍቕር - ሮማንሲያውነት ነገር ጥራይ ገይሩ ዝስእል ዘይሓላፍነታዊ ላግጺ ኩሉ ደው ነብሎ”፤ ፍራንቸስኮ ድሕሪ ከምዚ ዓይነት ላግጺ "ቁጠባዊ ረብሓ" ከምዘሎ ይጥርጥሩ፡ እንተኾነ ግን ኣብቲ ሓሳብ ብዕምቆት ኣይኣትዉን። ብዝኾነ: ቅልውላው ንኹሉ ዝጸሉ ስለዝኾነ ናይ ኩሉ ሰብ ተሳትፎ ይሓትት። ስለዚ ፍራንቸስኮ ሓደስቲ መልክዓት ተቓውሞ ከባቢ ኣየር ሕጋውነት ከም ዘለዎም ገይሮም ይምልከትዎ። ብመሰረት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዞም ኣብ ጎድኒ ዋዕላታት ከባቢ ኣየር እውን ዝረኣዩ ጉጅለታት «ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ንዘሎ ባዶነት ይመልኡ፣ እዚ ድማ እወታውን ጥዕዩ "ጸቕጢ" ክገብር ይግባእ፣ ምኽንያቱ መጻኢ ናቶም ኣብ ግምት ምእታው ናይ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት መጻኢ ዝምልከት እውን። ምኽንያት ሓድሽ ወለዶ ኣብ ሓደጋ ኣትዮም ኣለዉ”። (58)

ኣምላኽ ምስ ኩሎም ፍጡራቱ ኣተሓሒዙና እዩ”

ቀጺሎም ንገዛእ ርእሱ ኣመንቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ናይ ሓባር ቤትና ንምሕላው ክዓዩ ውሑዳት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ስነ-ሞጎታት የቕርቡ (62-65)። ልዕሊ ኩሉ እዚ: “ኣምላኽ ምስ ኩሎም ፍጡራቱ ኣተሓሒዙና እዩ” – ሕጂ’ውን ኩሉ ምስ ካልእ ኩሉ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ኣብ ስቡሕ ኣንተ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝማዕበለ ሓሳብ የዘኻኽሩ፡ ቅዱስነቶም ኣብ “ሰብሕዎ ለእግዚኣብሔር” ሓዋርያዊ ምዕዳን ብዛዕባ እቲ ንደቂ ሰባት ብዘይ ምሕረት ንምድሪ ናይ ምምዝማዝ መሰል ኣለዎ ዝብል “ኣኽሊል ፍጥረት” ዝተዓደለ ተባሂሉ ባህላዊ ኣዘራርባ ዘጠራጥር ምዃኑ ይገልጹ።

ዘውዲ ፍጥረት? ዝያዳ ትሕትና በጃኹም

ሓቂ እዩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ኣይሁድ-ክርስትያናዊ ኣረኣእያ ዓለም “ፍሉይን ማእከላይን ዋጋ ወዲ ሰብ ኣብ ማእከል እቲ መስተንክር ቅንይት ኩሎም ህያዋን ፍጡራት” ከምዘጉልሕ ይጽሕፉ። ሎሚ ግን ብሓቂ ሓደ ሰብ ብዛዕባ "ሰብኣውያን መንግስታት" ጥራይ ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ። “እዚ ማለት ህይወት ወዲ ሰብ ብዘይ ካልኦት ህያዋን ፍጡራት ክርድኣና ወይ ክቕጽል ከምዘይኽእል ክንፈልጥ ኣለና።”(67) “ኩሉ ዝኽእልን ደረት ኣልቦን ሰብ” ባዕሉ ክህሉ ኣይክእልን እዩ  እንክብሉ ቅዱሰንቶም ይጽሕፉ። ሎሚ ሰባት ንነብሶም “ብዝያዳ ትሕትናን ኩለመዳያውን መንገዲ” ክርድኡ ኣለዎም።

06 Oct 2023, 13:09