ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ንጉስ ባሕረይን ሓመድ ቢን ዒሳ ኣል ካሊፋ ተራኺቦም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 ጥቅምቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ንዘካየዱ ንንጉስ ባሕረይን ግርማውነቶም ሓማድ ቢን ዒሳ ኣል ካሊፋ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ፍራንቸስኮ ሰኑይ ዕለት 16 ጥቅምቲ ንንጉስ ባሕረይን ግርምውነቶም ሓማድ ቢን ዒሳ ኣል ካሊፋን ኣሰነይቶምን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ኣብቲ 35 ደቓይቕ ዝወሰደ ክሌኣዊ ርክብ ገጸ በረኸት ናይ ምውዋጥ ስነ ዝርዓት ከም እተፈጸመ ዝሓበረ ናይ ቅስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባሕረይን ዘካየድዎ ወግዓዊ ዑደት
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዕለት 3 – 6 ሕዳር ብናይ ባሕረይን ንጉስን ኣብ ባሕረይን ብእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝተገብረሎም ወግዓዊ ዕድመ መሰረት “ሰላም ኣብ ምድሪ ንኹሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይ” ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ባሕረይን ዑደት ኣካይዶም ከም ዝነበሩን ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ከም እተዘከረን ቅዱስነቶም ካብቲ ናይ ባሕረይን ዑደት ኣብ ምምላሶም ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ኣብዛ ብምግምማዕን ግጭትን እትሳቐ ዓለም ዘተን ሕውነትን” ኣገዳሲ እዩ ቢሎም፡ እቲ ዘካየድዎ ጉዕዞ “ዘተ ርክብን ምጉዓዝን” ዝብል ኮይኑ፡ ዘተ ብሓቂ ናይ ሰላም እስትንፋስ ምዃኑን፡ ኣእምሮን ልብን ንርክብ ዝኸፍትን መናድቕ ዓመጽን ምፍልላይን ዘፍርስ እዩ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ የዘኻኽር።