ድለ

2023.09.27 Udienza Generale 2023.09.27 Udienza Generale  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ብሓሙሽተ ካርዲናላት ዝቐረበ ሕቶታት ምላሽ ሃበሉ

ናይ ዓንቀጸ እምነት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ብሓሙሽተ ካርዲናላት ዝቐረበ "ዱብያ" (ሕቶታት፣ ቃል ብቓሉ "ጥርጣረታት") ዝሃብዎም መልሲ አሕቲሙ። እቶም ዝቐረቡ ሕቶታት ከአ ብዛዕባ ትርጓሜ መለኮታዊ ግልጸት፣ ብዛዕባ ንመውስቦ ሓደአዊ ጾታ ቡራኬ ምሃብ፣ ሲኖዶሳውነት ከም ቅዋማዊ መልክዒ ቤተክርስትያን ምዃኑ፣ ሕቶ መዓርገ ክህነት ንደቂ ኣንስትዮ፣ ከምኡውን ብዛዕባ አብ ምስጢረ ንስሓ ፍትሓት ንምርካብ ሓጢአትካ ምንዝዛ አድላዩ ኩነት ብዛዕባ ምዃኑ ዝብሉ ኢዮም።

ዜና ቫቲካን

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ብክልተ ብጹዓን ካርዲናላት ዋልተር ብራንትሙለርን፡ ረይሞንድ ሊዮ በርክን ምስ ሰለስተ ደገፍቶም ብጹዓን ካርዲናላት ብዃን ሳንዶቫል ኢኒገዝን፡ ሮበርት ሳራ ከምኡውን ጆሴፍ ዜን ዜ-ኪን እተላከ ሓሙሽተ ዱብያ እተሰምየ [ሕቶታት] ምላሽ ሂሞምሉ።

እቲ ብቋንቋ ጣልያንኛን ዘቅረብዎ ሕቶራትን ምስቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብቋንቋ ስጳንኛ ዝሃብዎም መልስን ትማሊ ሰኑይ 2 ጥቅምቲ አብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ዓንቀጽ እምነት ዝግደስ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ተሓቲሙ።

ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዝቐረበሎም ሕቶታት ዝሃብዎ መልሲ ግዚያዊ ትርጉም ነቕርበልኩም

መልሲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ብገለገለ ካርዲናላት ዝቐረበሎም ዱብያ እተሰምየ ሕቶታት

ፍቑራት ኣሕዋት

ከም ዝፍለጥ ወትሩ ነቲ ብቐጥታ ዝቐርበለይ ሕቶታት ምላሽ ክህበሉ ምስትውዓል ዘድልዮ እኳ እንተመሰለኒ፣ ከምኡ ውን ንኹሉ መልሲ ክዋሃቦ ዝከአል እኳ እንተ ዘይኮነ፣ ኣብዚ መዳይ እዚ ግን ነቲ አብ ቀረባ ክካይድ ተወሲኑ ዘሎ ሲኖዶስ ምኽንያት ብምግባር መልሲ ክህበሉ ወሲነ።

1. ጥርጣሬ ብዛዕባ መለኮታዊ ግልጸት ኣብዚ እዋን እዚ አብ ዝርአ ዘሎ ባህላውን ስነ-ሰብኣውን ለውጥታት ተመርኲስካ መለኮታዊ ግልጸት ዳግም ኽትርጐም ኣለዎ ንዝብል ሓሳብ።

ደድሕሪ እቲ ዘይተዓረየ ወይ ዘይተቐየረ ገለ ኣቡናት ዝሃብዎ ሓሳባት ብዛዕባ መለኮታዊ ግልጸት ነዚ አብ ግዜና ዘሎ ባህላዊ ለውጥታት መሰረት ብምግባርን ከምኡ ውን እዚ ለውጥታት እዚ ዘምጾም ሓደስቲ ሰብኣዊ ኣረኣእያን መሰረት ብምግባር  ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዳግም ትርጓሜ ክወሃቦ ዚግብኣ እንተ ዀይኑን ንሓትት አለና። ወይ ከኣ ብአንጻሩ ብመሰረት እቲ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን "ተኣዝዞ እምነት" እንክብል ዘቖሞ አቕዋም፣ ነቲ ዋና ግልጸት ዝኾነ ኣምላኽ ኪወሃብ ዘለዎ ተአዝዞ  (ቃል አምላኽ 5) ዚገልጽ መለኮታዊ ግልጸት ንዘለኣለም ቀያድን ዘይልወጥን ዚጋጮን እንተ ዀይኑ፣ እቲ ንድሕነት ኵሎም ኣህዛብ እተገልጸ "ንዘለኣለም ምሉእን ህያውን" ኮይኑ ክነብርን "ንውሉድ ወለዶ ድማ ክመሓላለፍ" (7)፣ እምነት "ሓንሳእን ንሓዋሩን ስለ እተመሓላለፈት " (8) እቲ ኣብ ምርዳእ ናይቲ ሓቂ ዚርአ ዕቤትን ምእብልናን ከኣ ኣብቲ እተገልጸ ሓቂ አብ ኩነትን አብ ቃላትን ለውጢ ኸም ዘየመልክት (8) ስልጣነ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ድማ ልዕሊ ቓል ኣምላኽ ከም ዘይኰነ  ግናኸ ነቲ እተዋህበን እተገልጸን ጥራይ እዩ ዘስተምህር (10)።

ቅዱስነቶም ነቲ ናይ መጀመርታ ሕቶ ዝሃብዎ መልሲ

(ሀ) መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብቲ ነታ "ዳግም ምትርጓም" እትብል ቃል ዝወሃባ ትርጕም እዩ ዚምርኰስ። "ዝሓሸ ትርጕም" ዝብል መልእኽቲ ከም ዘለዋ እንተ ተረዲእናያ ቅኑዕ መግለጺ ዘለዎ ይኸውን። በዚ መዳይ እዚ ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝምስክሮ ብዕዮ ናይቶም ሊቃውንቲ ቅዱስ መጽሓፍ - ስነ መለኮትን ዝብል ውን ምወሰኽኩሉ "ፍርዲ ቤተ ክርስትያን አብ ብጽሕና ገጹ ክምዕብል ይኽእል እዩ " (ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዶግማቲክ ቅዋም ቃል አምላኽ 12)።

(ለ) ስለዚ መለኮታዊ ግልጽት ዘይልወጥን ወትሩ ቀያድን ምዃኑ ሓቂ እኳ እንተዀነ፣ ቤተ-ክርስትያን ግን ትሕትቲ ኽትከውንን ነቲ ክግመት ዘይትኽእል ሃብታ ብፍጹም ከይደኸመት ኣብ ምርዳኡ ክትዓቢ ኸም ዝግብአ ክትግንዘብ ኣለዋ።

(ሐ) ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ስልጣነ ትምህርታ ዘረጋገጸቶ ነገራት ዘለዋ ምርዳእ እውን እናዓበየት ክኸይድ አለዋ ።

(መ) ባህላዊ ለውጥታትን ኣብ ታሪኽ ዘጋጥሙ ዘለው ሓደስቲ ብድሆታትን ንመለኮታዊ ግልጸት ኣይቅይሮን እዩ፣ የግዳስ እዚ ለውጥታት እዚ ንገሊኡ መዳያት እቲ ካብ ግምትና ንላዕሊ ዝኾነ ሃብቲ ትምህርቱ ብዝሓሸ መገዲ ንኽንገልጾ ኺድርኸና ይኽእል እዩ።

(ሰ) እዚ ከአ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘምናት ስልጣነ ትምህርቲ ቤተክርስቲያን ብዛዕባ ዘነጸሮም ሓሳባት ብዝሓሸ መገዲ ናብ ምግላጾም ኪመርሕ ይኽእል እዩ፣ አረ እኳ ደአ ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ እውን እንተ ረአና ከምዚ ዝመሰለ አጋጣሚታት ንረክብ ኢና።

(ረ) በቲ ሓደ ሸነኽ ከአ ስልጣነ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ልዕሊ ቃል ኣምላኽ ከም ዘይኮነ ዝከሓድ ኣይኰነን፣ ኰይኑ ግና ክልቲኡ ማለት ቅዱሳት ጽሑፋትን ምስክርነት ናይ ቅዱስ ትውፊትን ካብ ባህላዊ ዅነታት ፈሊኻ ነቲ ነባሪ ዝኾነ ሕመረት ንምርካብ ትርጓሜ ከም ዜድልዮም ዚከሓድ ውን ኣይኰነን ። ንኣብነት ኣብ ቅዱስ መጽሓፋዊ ጥቕስታት (ከም ኣብነት ዘጸኣት 21፡ 20-21) ከምኡውን ኣብ ገለገለ ንባርነት ዕሽሽ ዝበል ምትእትታው ናይ ስልጣነ ትምህርት ቤተክርስቲያንን (ሰር.ሊ.ጳጳሳት ኒኮላስ ሓምሻይ ስቱር መልእኽቲ ዱም ዲቨርሰስ፣ 1452) ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ምስቲ አብ ዘልአለም ዚግለጽ ክብረት ወድሰብ ዘለዎ ጥቡቕ ርክብ ኣብ ግምት ብምእታው አቃሊልካ ዝርአ ጕዳይ ኣይኰነን ። እዞም ጥቕስታት እዚአቶም ትርጓሜ የድልዮ እዩ ። ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ (1 ቈረንቶስ 11 3-10፣ 1 ጢሞቴዎስ 2 11-14) ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ሎሚ ከም ኩነት ኪድገም ዘይከኣል ካልእ ጥቕስታት ቅዱስ መጽሓፍን ምስክርነት ቅዱስ ትውፊትን እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን።

(ሸ) እቲ ክቕየር ዘይክእል ነገር "ንድሕነት ኵሎም" (ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዶግማቲክ ቅዋም ደይ ቨርቡም 7) ተባሂሉ እተገልጸ ምዃኑ ምርዳእ ኣገዳሲ ኢዩ። ስለዚ ቤተ-ክርስትያን ኣብ መንጎ እቲ ንድሕነት ኣድላዪ ዝዀነ ነገራትን ምስዚ ሸቶ እዚ ብቐጥታ ዝተሓሓዝ ካልኣይ ደረጃ ወይ ካብኡ ንታሕቲ ዝዀነ ነገራትን አብ ምልላይ ብቐጻሊ ከተስተውዕል ኣለዋ። ኣብዚ መዳይ እዚ ነቲ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኲይኖ "ናብ ዝርዝራዊ ጕዳያት ዝያዳ ብዝወረድናሉ መጠን መብዛሕትኡ ግዜ ጕድለታት ክንረክብ ዝከአል ኢዩ" (ሱማ ቲኦሎጂያ I/II q. 94, art. 4) ብምባል ዝሃቦ መረጋገጺ ምዝካር አገዳሲ ኢዩ።

ቀ) ኣብ መወዳእታ ንሓንቲ ንጽል ግልጸት ሓቂ  ኻብቲ ኣብ ብምሉኡ መለኮታዊ ግልጸት ዚርከብ ሃብታምን ስሙርን ኩነቱ ፈሊኻ ንበይና ክንርድኣ ዘይከአል ኢዩ። እቲ "ስርዓተ ደረጃ ሓቅታት" ንነፍሲ ወከፉ ምስ ማእከላይ ሓቅታትን ምስ ብምሉኡ ትምህርትታት ቤተ-ክርስትያንን ግቡእ ምትእስሳር ምፍጣር እውን የመልክት። እዚ ኸኣ ኣብ መወዳእትኡ ሓደ ዓይነት ዓንቀጸ - እምነት ናብ ምቕራብ ክመርሖም ይኽእል ኢዩ፣ እንተዀነ ግን ከምዚ ይብል - "ነቶም ብዅሉ እተሓለወ ሓደ ዓይነት ዓንቀጸ- እምነት ክረኽቡ ዝደልዩን ንገለ ዝርርብን ትርጓሜን ቦታ ዘይሓድጉን፣ እዚ ናብ ዘይተደልየ  ምድንጋር ዝመርሕን ክመስሎም ይኽእል ኢዩ ። ከም ሓቁ ግን ከምዚ ዝኣመሰለ እተፈላለየ መዳያት ናይቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሃብቲ ወንጌል ንምግላጽን ንምምዕባልን የገልግል ኢዩ።” (ኢቫንጀሊ ጎድዩም 40) ንፍሲ ወከፍ ስነ መለኮታዊ ማዕበል ሓደገኛ እኳ እንተዀነ ግን ዕድል ክኸውን ዝኽእል ኣጋጣሚታት እውን ኣለዎ።

2. ጥርጣሬ ብዛዕባ አስፋሕፊሑ ዘሎ ንመውስቦ ሓደአዊ ጾታ ቡራኬ ናይ ምሃብ ልምዲ ምስ መለኮታዊ ግልጸትን ስልጣነ ትምህርቲ ቤተክርስቲያን ዚሰማማዕ ምዃኑ ዝብምልከት (መዝገበ ሃይማኖት 2357)

ብመሰረት እቲ ቤተ-ክርስትያን እተስተምህሮ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዚርከብ መለኮታዊ ግልጸት "ብውሕሉል መገዲ ምስማዑ፣ ብጥንቃቐ ምሕላዉ ከምኡ ውን ብስምረት መለኮታዊ መዝነትን ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስን ብተኣማንነት ምግላጹ" (ቃል አምላኽ 10) "ብመጀመርታ " ኣምላኽ ንደቅሰብ ብመልክዕ ኣምላኽ ብመልክዑ ፈጠሮም፣ ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም፣ ክፈርዩን ክበዝሑን ክባዝሑን ድማ ባረኾም  (ዘፍጥረት 1 27-28) ስለዚ ኸኣ ሓዋርያ ጳውሎስ ጾታዊ ፍልልይ ምኽሓድ ንፈጣሪ ምኽሓድ ዘምጽኦ ሳዕቤን ምዃኑ አስተምሃረ (ሮሜ 1 24-32)። ከምዚ ኢልና ንሓትት ለና - ቤተ-ክርስትያን ካብዚ “አቅዋም” እዚ ከተላግስ፣ ካብቲ ኣብ ቨሪታቲስ ስፕለንዶር 103 ዝርከብ ትምህርቲ ተዛሚዱ ካብ እተገልጸ ዓንቀጸ-እምነት ብምርሓቕ፣ ንሓደ ብገዛእ ርእሱ ሓጢአት ዝኾነ ኩነት ከም "ጽቡቕ ነገር" ልክዕ ከም ዝዀነ ንአብነት መውስቦ ናይ ሓደአዊ ጾታ ካብቲ ዝተገልጸ ሓቂ ከይተፈለኻ ክትቅበሎ ትኽእልዶ?

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኻልኣይ ሕቶ ዝሃብዎ መልሲ

(ሀ) ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ መውስቦ ንጹር ርድኢት ኢዩ ዘልዋ፣ እዚ ኸኣ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ጥራይ ዝገብር ጽኑዕ ከምኡውን ዘይፍታሕ ከምኡ ከአ ብባህርያዊ መንገዲ ውሉድ ንምውላድ ክፉት ዝኾነ ሕብረት ኢዩ። እዚ ሕብረት እዚ ጥራይ እዩ "መርዓ ወይ መውስቦ" ኺብሃል ዚከኣል። ካልኦት ዓይነታት ሕብረት ከኣ "ብኸፊልን ብአምስሳላውን" (ኣሞሪስ ላቲቲያ 292) መንገዲ ጥራይ ኢዮም ክግለጹ ዝከአሉ፣ ስለዚ ምሉእ ብምሉእ "መርዓ ወይ መውስቦ" ተባሂሎም ክጽውዑ ኣይከአልን ኢዩ።

(ለ) ናይ አስማት ወይ ናይ ቃላት ጕዳይ ጥራይ ዘይኰነስ መውስቦ ኢልና እንጽውዖ ሓቂ ኣብ ካልእ ነገራት ዘይርከብ ፍሉይ ስም ዝሓትት ፍሉይ ቅዋም ኣለዎ፣ ስሙ ውን ንኻልእ ክወሃብ ዝከአል ውን አይኮነን። ብዘይ ጥርጥር "ብሉጽን ጸብለል ዝበለን" ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ።

(ሐ) በዚ ምኽንያት እዚ ቤተ-ክርስትያን ምስዚ እምነት እዚ ዚጋጮን ሓዳር ዘይኰነ ኩነት ወይ አግባብ ከም መርዓ ተፈላጥነት ክረክብ ዝፍትን ኩሉ ዓይነት ስርዓታትን ምስጢራት መሰል ዝኾኑ አግባባትን ተወግድ እያ።

(መ) ይኹን እምበር ኣብቲ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ነቲ ከም ጓሶት መጠን ክህልወና ዘለዎ ፍቕሪ ከነጥፍኦ የብልናን፣ እዚ ድማ ንኹሉ ውሳኔታትናን ዝንባሌታትናን ከማእዝኖ አለዎ ። ነቲ መሰረታዊ ሓቂ ምጥባቕ ጥራይ እቲ እንኮ ናይ ፍቕሪ መግለጺ ክኸውን አይክእልን ኢዩ፣ እኳ ደአ ለውሃትን ትዕግስትን ምርዳእን ርሕራሔን ምትብባዕን እውን የጠቓልል እዩ። ስለዚ ዚኽሕዱን ዚነጽጉን ዘሰድዱን ፈራዶ ኽንከውን ኣይንኽእልን ኢና ።

(ሰ) ስለዚ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዀኑ ሰባት ብዛዕባ ሓዳር ግጉይ ዝኾነ ሓሳብ ዘየመሓላልፉሉ ዓይነት ቡራኬ እንተ ኣድልዩ ግቡእ ጉስነታዊ አስተውዕሎት ጌርካ መመያ ዘድልዮ ጉዳይ ኢዩ። ቡራኬ ኪወሃበና ኽንሓትት ከለና ኣምላኽ ንኺሕግዘና እነቕርቦ ልመና ኮይኑ፣ ዝሓሸ ናብራ ኽንነብርን ከምኡውን ኣብቲ ዝሓሸ ናብራ ንኽንነብር ናብቲ ኪሕግዘና ዚኽእል ኣቦ ምውካል ማለት እዩ ።

(ረ)በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ብስነ-ምግባር ተቐባልነት ዘይብሉ ዅነታት እኳ እንተ ተረኽቡ፣ እዚ ናይ ጕስነት ፍቅርን ቅንአትን እዚ ግን ነቲ በቲ ንተአዛዝነቶም ዝጸሉ እተፈላለየ ረቛሒታት ዘለውዎ ኩነት በደል ወይ ተሓታትነት አብግምት ብዘይ ምእታው ከም "ሓጥኣንን" እተነጸሉ ሰባትን ጌርና ኽንርእዮም አየፍቅደልናን ኢዩ።

(ሸ) ጥንቓቐ ዝሓትት ጉስነታዊ ውሳኔታት ኣብ ገለ ዅነታት ናይ ግድን ሕጊ ኪኸውን የብሉን። ብኻልእ ኣበሃህላ ሰበኻታት፡ ጉባኤ ጳጳሳት ወይ ዝዀነ ይኹን ካልእ አቅላሲያዊ መዋቕር ንዅሉ ዓይነት ጕዳያት ኪደታት ወይ ስርዓታት ብቀዋምነትን ብወግዓውነትን ኪግበሩ ግቡእ ኣይኰነን፣ ከመይሲ ኵሉ እቲ "አካል ናይ ፍሉይ ምስትውዓል ዘድልዮም ጉዳያት ዝኾኑ ብፍሉይ ናብ ደረጃ ሕጊ ኺድይብ ዝከአል እዩ፣ ከመይሲ እዚ ናብ ክጽወር ዘይከአል በይናዊ ዝኾነ ውሳኔታት ከምርሕ ስለዝኽእል" (ናይ ፍቕሪ ሓሴት 304)። ሕገ ቐኖና ንዅሉ ነገራት ኪሽፍን የብሉን ኪሽፍን እውን ኣይክእልን እዩ ፣ ህይወት ቤተ ክርስትያን ካብቲ ሕጋዊ ስርዓታት ሓሊፉ ብኻልእ እተፈላለየ መትረባት ክፈናጨል ስለዝኽል ጉባኤታት ጳጳስት እውን ከተረፈ ብእተፈላለየ ሰነዳቶምን መምርሒታቶምን ከማኡ ክገብሩ የብሎምን።

3. ጥርጣሬ ብዛዕባ ሲኖዶዳውነት "ቅዋማዊ መልክዒ ቤተ-ክርስትያን" ምዃኑ (ናይ ሃዋርያ ቅዋም ኢፒስኮፓሊስ ኮምዩኒዮ 6) ከምዚ ዝብል ኣተሓሳስባ ቤተ-ክርስትያን ብተፈጥሮኣ ሲኖዶሳዊት ኢያ ማለት ድዩ?

ሲኖዶስ ኣቡናት ነቲ ጉባኤ ጳጳሳት ቤተክርስቲያን ዝውክል ዘይኰነስ ኣማኻሪ ኣካል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስለ ዝዀነ፣ ጳጳሳት ከአ ከም መሰኻኽር እምነት መጠን ነቲ ሓቂ ዘለዎም እማኔ ንኻልኦት ክውክሉ ስለ ዘይክእሉ፣ ሲኖዳሳውነት ነቲ መስራቲኣ ዝደልዮ ቐዋሚ ኣሰራርሓ ኸየዛብዐ እቲ ዝበለጸ መምርሒ ናይ ቤተ-ክርስትያን ክኸውን ዝኽእል እንተ ዀይኑ ምሓተትና።  በዚ ኸምዚ ኸኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብመሰል ስልጣነ መንበሮምን ጉባኤ ጳጳስት ከአ ምስቶም ርእሶም ዝኾኑ ሮማዊ ጳጳስ (ብርሃን አሕዛብ 22) ኮይኖም ነቲ ዝለዓለን ምሉእን ስልጣን ቤተ-ክርስትያን ዘካይዱሉ ዝነበሩሉ ቦታኦም ከ?

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንሳልሳይ ሕቶ ዝሃብዎ መልሲ

( ሀ) ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ዝለዓለን ምሉእ ስልጣን ንቤተ-ክርስትያን ብመሰል ስልጣነ መንበሮምን ብጉባኤ ጳጳስት ብምሕብረት ምስቲ ርእሶም ዝኾነ ሮማዊ ጳጳስ ዘካይዱ ምኹኖም ከም ዝመስከርኩምዎ (ብርሃን አሕዛብ 22) በዛ ሕቶም እዚ እኳ ተሳትፎ ከም ዘድሊ ገሊጽኩም አሎኹም፣ ርእይቶኹም ብናጻ ንምግላጽን ንምትሕብባርን በዚ ኸምዚ ኣብ ኣገልግሎተይ ሓደ ዓይነት "ሲኖዶሳውነት" አብ ተልእኾይ ንኽህሉ ኢዩ ዘርኢ።

(ለ) ቤተ-ክርስትያን "ምስጢር ናይ ተልእኾአዊ ሕብረት" እኳ እንተ ዀነት እዚ ሕብረት እዚ ግን ጽልዋ ዘለዎ ወይ ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ጥራይ ኣይኰነን፣ ናይ ግድን ናይ ሓቂ ተሳትፎ ምግባር ኢዩ ዘልክት ። ንሰበ ስልጣን ጥራይ ዘይኰኑስ ብእተፈላለየ መገድታትን ብእተፈላለየ ደረጃታትን ሕዝቢ አምላኽ ድምጾም ከሰምዑን ክፍሊ ናይቲ ቤተ-ክርስትያን ከም ምዃኖም ተሰሚዕዎም ዝገብርዎ ጕዕዞ ክኸውን አለዎ። በዚ መዳይ እዚ ሲኖዶዳውነት ከም አቀዋምን ብርቱዕ ምንቅስቓስን ምዃኑ መጠን ንህይወት ቤተ-ክርስትያን ኣገዳሲ መለክዒ ኢዩ ኽንብል ንኽእል ኢና። ኣብዚ ነጥቢ እዚ ቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ Novo millennio ineunte አገዳሲን ሰናይ ዝኾነ ኩነት ጠቂሶም ይርከቡ።

ሐ) ንሓደ ካልእ ጉጅለ ዝጥቀመሉ ሲኖዶሳዊ መንገድታት ምንእአስን ካልእ ዓይነት መንግድታት ሲኖዳውነት ምፍጣርን ከም ሓደ ንኹሉ ግዴታን ንቡርትን ጌርካ ምውሳድ እተፈላለለየ ጉዳያት ኢዩ፣ ምኽንያቱ እዚ ናይተን እተፈላለያ ኣብያተ-ክርስትያንን እተፈላለየ ዕቤት ናይታ ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያንን ዕሽሽ ብምባል ነቲ ናይ ሲኖዶስ ጕዕዞ "ዘምክኖ ወይ ዘዝሕሎ" ክኸውን ዝኽእል ኢዩ።

4. ሕቶ - ጥርጣረ፥ ብዛዕባ እቲ “ቲዮሎጊያ ቤተ ክርስትያን ተቐይሩ እዩ” ዝብል  ከምኡ እውን ገለ ገለ ጓሶትን ሊቃውነቲ ቲዮሎጊያን ነዚ ህልዩ ዘርእይዎ ደገፍን መሰረት ንደቂ ኣንስትዮ ማዕርገ ክህነት ምሃብ ዝከኣል ዶ ይኸውን?

ናይ ቤተ ክርስቲያን ቲዮሎጊያን ኣተረጓጉማ መስዋዕተ ቅዳሴን ምስ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ይቕየር እዩ ብዝብል መሰረት ናይ ገለ ገለ ጳጳሳት ዘይተኣረመን ወይ ዘየንሰሓበን ርእይቶታት ስዒቡ፡ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ክሳብ ሕጂ ዘገልግል ድዩ? ሓቂ እዩ “ናይ ሓባር ክህነት ምእመናንን ናይ ኣገልግልቲ ክህነትን ብደረጃ - ማዕርግ ጥራይ ዘይኮነስ ብመሰረቱ ይፈላለይ እዩ” ( Lumen Gentium - ውሳኔ ብርሃን ኣህዛብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ረኣ።) ከምኡ እውን ክህነት መስዋዕቲ ብምቕራብን ስርየተ ሓጢኣት ንምሃብን ዝተቐደሰ ሓይሊ እዩ (Presbyterorum Ordinis - ማዕርገ ክህነት ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዛዕባ ኣገልግሎትን ህይወትን ካህናት ረኣ) በቲ ናይ ምእመናን መንፈሳዊ መስዋዕቲ ፍጹም ብዝገብር ስምን መተዓረቕን ክርስቶስ ኣቢሎም  ይሰርሑ ድዮም? ብተወሳኺ እቲ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ‘Ordinatio Sacertotalis - ማዕርገ ክህነት ሓዋርያዊ ምዕዳን’ ትምህርቲ ከም ሓቂ ደቂ ኣንስትዮ ማዕርገ ክህነት ክቕበላ ኣይከእላን ይብል፣ ሕጂ እውን እዚ ቅኑዕ ድዩ? ስለዚ ድማ እዚ ትምህርቲ እዚ ለውጢ ዝግበረሉ ዘይኮነን ንናጻ ናይ ካህናትን ወይ ድማ ናይ ቲዮሎጊያ ምሁራት ዘተ ዘይቀርብ ድዩ?

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መልሲ

ሀ. “ናይ ሓባር ክህነት ምእመናንን ማዕርገ ክህነት ብመሰረቱ ይፈላለየ እዩ” (ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሃምነናዊ ውሳኔ ብርሃን ኣህዛብ ፍቕዲ 10. ረአ)። ንሓባራዊ ክህነት ምእመናን ከም “ካልኣይ ምድብ” ወይ ድማ ዝተሓተ ዋጋ ዘለዎ” (ታሕተዋይ ደረጃ) ነገር ጌርካ ምቑጻር ዘመልክት ናይ ደረጃ ፍልልይ ምድጋፍ ግቡእ ኣይኮነን። ክልቲኦም መልክዓት ክህነት ነንሓድሕዶም ይበራርሁን ይደጋገፉን እያቶም።

ለ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንደቂ ኣንስትዮ ማዕርገ ክህነት ምሃብ ከም ዘይከኣል “ብውዱእ” ብምርግጋጽ ይምህሩ። ብዝኾነ ይኹን መገዲ ንደቂ ኣንስትዮ ዘሕንኽ ንደቂ ተባዕትዮ ልዑል ስልጣን ዝህብ ውሳኔ ግን ኣይኮነ` ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካልእ ነገራት እውን ገሊጾም እዮም፥ ንኣብነት ብዛዕባ ስልጣን ክህነት ክንዛረብ እንኮልና፥ “ኣብ ትሕዝቶ ስራሕ እምበር ኣብ ክብርን ቅድስናን ከምዘይኮንና” ምፍላጥ የድሊ (Christifideles laici - ዓለማውያን ክርስቲያን ፍቕዲ 51 ረአ)። እዞም ቃላት እዚኣቶም ግብእን እኹል ተቕባል ዝሃብናዮም ኣይመስልን። ከምኡ እውን ዋላ እኳ ካህን ጥራይ ቅዱስ ቁርባን - መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሰርዕ እውን ኣንተኾነ፡ እቶም ዕላማታት “ዓብላልነት ዝፈጥር ከምዘይኮነ” ብንጹር ይገልጹ (ሓዋርያዊ ምዕዳን ‘ምእመናን ክርስቲያን ምሰረት ናይ ዓንቀጽ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ለቡ ፍቕዲ 190 ረአ።)

ከምኡ እውን ክህነታዊ ኣገልግሎት “ሃይራርቃዊ ስርዓት” እውን እንተኾነ ከም ሓደ መልክዕ ዕብልለላ ክርእየ የብሉን እንታይ ደኣ “ምሉእ ብምሉእ ናብ ቅድስና ኣካላት ክርስቶስ ዘቕነዐ እዩ (ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ Mulieris dignitatem - ክብሪ ጓለንስተይቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ፍቕዲ 27 ረኣ።) እዚ ርዱእ እንተዘይኮነን ግብራዊ ሳዕቤን ናይዞ ፍልልያት እንተዘይተሳሒቡን ክህነት ንደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዝተሓዝአ ምዃኑ ንምቕባል ኣጸጋሚ ስለ ዝኸውን መሰል ደቂ ኣንስትዮ ወይ ኣድላይነት ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣብ መሪሕነት ቤተ ክርስቲያን ምስታፍ ኣፍልጦ ክንህብ ኣይንኽእልን ኢና።

ሐ. ብኻልእ መዳይ ድማ ጽኑዕ ንምዃን ንጹርን ስልጣን ዘለዎን ጠመቓዊ ትምህርቲ ብዛዕባ ልክዕ ባህሪ “ውዱእ መግለጺ” ግና ብኹለ መዳያዊ መገዲ ከምዘይተማዕበለ ንፈልጥ ኢና። ወይ ከኣ ብኹሉ ሰብ ተቐባልነት ክህልዎ ዝብል እውን እተኾነ ሃይምነናዊ ትርጉም ማለት ግን ኣይኮነን። ብግልጺ ክቃወሞ ዝኽእል ሰብ የለን። ምስናይዚ ግን ልክዕ ከምቲ ኣብ ኣንግሊካዊ ሕውነት ብዝብል መጸውዕ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዛዕባ ቅቡልነት ማዕርገ ክህነት ናይ ምጽናዕቲ ኣርእስቲ ክኸውን ይኽእል።

5. ሕቶ - ጥርጣረ፥ “ምሕረት ሰብኣዊ መሰል እዩ” ዝብል ኣበሃህላ ብዝምልከት ር.ሊ.ጳ. ድማ ንኹሉን ኩሉ ግዜን ስርየት ሓጢኣት - ምሕረት ምሃብ ግዴታ እዩ እንክብሉ ኣጽኒዖም ዝገልጽዎ ሓሳብ መሰረት ጣዕሳ ንምስጢረ ንስሓ ኣድላዪ ቅድመ ኩነት ኣይምኾነን።

ትምህርቲ ጉባኤ ትሬንቶ፥ ሕጂ እውን ኣብ ግብሪ ኣሎ ድዩ ዝብል ሕቶ ንሓስብ ብመሰረት እዚ ንሕጋዊ ምስጢረ ንስሓ፥  ጣዕሳ ከም ኣድላዪ ቅድመ ኩነት የቐምጥ፡ እዚ ድማ ነቲ ድሕሪ ደጊም ሓጢኣት ከይግበር ብዝብል ሓሳብ ዝተፈጸመ ሓጢኣት ምኽሃድ ዝሓቑፍ እዩ (ጉባኤ ትረንቶ)። ስለዚ እቲ ካህን እዚ ቅድመ ኩነት ከም ዘይተማልአ ምስኣነጽረ ግና ምሕረት ከናውሖ ኣለዎ።

መልሲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ሀ. ጣዕሳ ንሕጋውነት ምስጢረ ንስሓ ኣድላዩ ኮይኑ ንሓጢኣት ንኸይተግበር ዕላማ ዝመልክት እዩ። ኣብዚ ግን ቀመራዊ ምጽብጻብ ስለ ዘየለ፡ እቲ ኑዛዜ ቤተ ጽሕፈት ቀረጽ ከም ዘይኮነ ደጊመ ከዘክር እፈቱ፥ ንሕና ጎይቶት ኣይኮንናን ትሑታት ኣመሓደርቲ ምእመናን ቅዱሳት ምስጢራት ዝምግቡ ኢና፡ ምኽንያት እዞም ህያባት ጐይታ ልዕሊ ክዕቀቡ ዘለዎም ቅርስታት ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ንህይወት ሰባት እዮም።

ለ. ንስሓ ዝገልጽ ብዙሕ መገድታት ኣሎ፡ መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብቶም ኣዚዮም ዝቖሰሉ ርእሰ ምትእምማን ዘለዎም ሰባት፡ ገበንካ ምእማን ሕሱም ስቅያት ክኸውን ከሎ፡ እቲ ናብ ኑዛዜ ምቕራብ ጥራይ ግን ንስሓ ምሳልያዊ መግለጺ መለኮታዊ ሓገዝን ምድላይን እዩ።

ሐ. “ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ጉስነት ዕዮና ነቲ ቅድመ ኩነት ዘይብሉ ፍቕሪ ኣምላኽ ቦታ ምሃብ ብዙሕ ዋጋ ዘኽፍለና (ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ፍቕዲ 311 ረኣ) እውን ክንዝክር እደሊ። ግን ክንመሃር ኣሎና። ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብምስዓብ፡ ንምእመናን ኣዚዩ ንጹርን ውሱንን ናይ ኣረምቲ ውሳኔታት ክንሓትት የብልናን።  ኣብ መወዳእታ ረቒቕ ወይ ውን ክቱር ርእሰ ኣምልኾ ኮይኑ ከይተርፍ። ዋላ ውን ምግማት ሓድሽ ውድቀት እንተሎ፡ እዚ “ንሓቅነት ምብጽዓታት ቅድመ ፍርዲ ክኸውን የብሉን (መልእክቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናብ ተጋባእያን ዓመታዊ ጉባኤ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣባይቲ ማሕቡስ ብይብጻን ኛብ ካርዲናል ዊሊያም ባውምን ዕለት 22 መጋቢት 1996 ዓ.ም.)።

መ. ኣብ መወዳእታ ኩሎም እቶም መብዛሕቲኡ ግዜ ናብ ንስሓ ዝቐርቡ ኩነታት፡ እቲ ሰብ ኣብ ኩነታት፡ ነቶም ስቓይ ወይ ኣእምሮኣውን ስነ ልቦናውን ዓቕሚ ኣዚዩ ድሩት ኣብ ምዃን ኣብ ዝርከብሉ እዋን ተግባራዊ ከም ዘይከውን ንጹር ክኸውን ኣለዎ።

04 Oct 2023, 09:19