ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ በዓለ ቅድስተ ማርያም ዘኣስተርእዮ ምእንቲ ብራዚላውያን ጸልዮም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ትማሊ ሓሙስ ዕለት 12 ጥቅምቲ ላቲናዊ ሥርዓት እትኽተል ቤተክርስቲያን ጠበቓ ናይ ብራዚላውያን ናይ ዝኾነት ቅድስተ ማርያም ዘአስተርእዮ (አፓረሲዳ) እተኽብረሉ ዕለት ኢዩ ዝነበረ። አብ ሃገረ ብራዚል ከአ ብፍሉይ ድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ካብቲ አብ ኪደት ዝርከብ ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ አብ እዋን ዕረፍቲ፣ ምእንቲ ህዝቢ ብራዚል ጸሎት አዕሪጉም ።
"ኣብ ክብረ በዓልት ቅድስተ ማርያም ዘአስተርእዮ፣ ንእመቤትና አብ ልበይ እዝክራ አሎኹ።” እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቀጺሎም ድማ “ነታ ከተማ አፓረሲዳን፣ ንቅድስቲ ድንግል ማርያምን ብዕምቆት እየ ዝዝክሮም።” ብምባል መልእኽቶም አመሓላለፉ ።
ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ እተመልአ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ "ኣምላኽ ንኹልና ይባርኸና፣ ንከተማ አፓረሲዳን ንዅሎም ህዝቢ ብራዚልን ከኣ ይሓሉኹም!" ብምባል ቡራኬኦም ለአኹሎም።
ቅዱስ አቦና ኣስዕብ ኣቢሎም "ምእንታኹም እጽሊ አሎኹ፣ ሓዋርያዊ ቡራኬ ከኣ እሰድድ ኣለኹ" በሉ።
ቅዱስነቶም ንብራዚላውያን እውን "በጃኹም ምእንታይ ጸልዩ ። ምእንታይ ክትብሉ!" ብምባል ተማሕጸንዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2013 ኣብ ሪዮ ዲ ጃንየሮ ኣብ እተገብረ ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት ናብ ቤተ መቕደስ ኣፓረሲዳ ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ዝዝከር ኢዩ ።
ኣብ እግሪ እታ ምስሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድሕሪ ምጽላዮም ከአ "ናይ ተኸታሊ ጴጥሮስ ስልጣነይ ንኣዓ ብሕድሪ ብምውፋየይ ሓጐስን ጸጋን ረኸብኩ" ክብሉ ከም ዝመስከሩ ውን ዝዝከር ኢዩ።
ርኽበት ምስሊ እኖና ድንግል ማርያም
ብትውፊት ከም ዝንገረላ እዛ ህብብቲ ጸላም ምስሊ ናይ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘአስተርእዩ (ኣፓረሲዳ) ብ12 ጥቅምቲ 1717 ኣብ ጥቓ እቲ ካብ ከተማ ሳን-ፓውሎ 170 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዚርከብ ርባ፣ በቶም ሰለስተ ድኻታት ብራዚላውያን ገፈፍቲ ዓሳ ኢያ ተረኺባ።
እቶም ሰለስተ ገፈፍቲ ዓሳ እከም ዝመስከርዎ፣ ነታ ምስሊ ድሕቲ ምርካቦም፣ ብተኣምራት መጠነ ብዙሕ አሳታት ክገፉ ከም ዝጀመሩ ይንገረሎም።
ተአምራት ቅድስተ ማርያም ዘአስተርእዩ (ኣፓረሲዳ)
ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ብዙሕ ካልእ ተኣምራታት ብቅድስተ ማርያም ዘአስተርእዮ ከም ዝተገብረሎም ውን ብትውፊት ይንገረላ ኢዩ።
ብ1736 እውን አብ ሓደ ህዱእ ምሸት፣ እቶም ማሕበረሰብ ኣብ ዙርያ እታ ምስሊ ሽምዓ አብርሁ እንተዀነ ግን ክጽልዩ ኸለዉ ሃንደበት እቶም በሪሆም ዝነበሩ ሽምዓታት ጠፍኡ፣ እቶም ሰባት ከብርህዎ እንተ ቐረቡ ግና ባሎም እቶም ሽም ከም ዝበርሁ እቶም ማሕበረሰብ ናይቲ ከባቢ ይምስክሩ።
ከምኡ ውን ሓንቲ ኣብ ከተማ ያቦቲካባል እትነብር ዓይነ - ስዉር ጓል፣ ናብ ቅድስተ ማርያም ዘአስተርእዩ (ኣፓረሲዳ) ምስ ኣዲኣ ክትነግድ አብ ዝኸደትሉ፣ ናብቲ መቕደስ እኖና ድንግል ማርያም ምስ አተወት የዒንታ ብተአምራት ተኸፍታ እሞ ዳግም ንምርአይ በቕዐት ።
ወፈያ ናብ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መበል 28 ዓለም ለኻዊ ቅነ መንእሰያት ንመጀመርታ ግዜ ናብ ወጻኢ ሃገር ኣብ ዝገበርዎ ጕዕዞ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተ-መቕደስ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘአስተርእዩ አብ ከተማ ኣፓረሲዳ ከም ዘዕረጉ ዝዝከር ኢዩ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ቅዱስነቶም እኖና ድንግል ማርያም "ኣብ ልዕሊ መላእ ብራዚል መወዳእታ ዘይብሉ ሓለፋታታን ጸጋታታን ክትዝርግሕ" ብምባል ናይ ወፈያ አዋጅ ከም ዘመሓላለፉ ውን ዝዝከር ኢዩ።