ር. ሊ. ጳ. ነቶም ኣብ ኣፍጋኒስታን ግዳያት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝዀኑ ሰባት ዓለምለኻዊ ደገፍ ሓቲቶም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ረቡዕ ዕለት 11 ጥቅምቲ አብቲ ድሕሪ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዘስምዕዎ ቃል ምሕጽንታ ነቶም ብሰንኪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሃገረ አፍጋኒስታን ዘጋጠመ ከቢድ ዕንወት ዜስዓበ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዚሳቐዩ ዘለዉ ህዝቢ ልባዊ ደገፎምን ቀረባኦም ምኾኖምን ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን አመልኪቱ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ነቲ እዚ ባህርያዊ ሓደጋ ዘስዓቦ ዓብዪ ጕድኣት ደቅሰብ ብምዝካር ብዙሓት ኣንስትን ቈልዑን ዚርከብዎም ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱ ገሊጾም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅነታት እቶም ድሕሪ እዚ መዓት እዚ ብሕይወት ዝተረፉ ኻብ መረበቶም እተመዛበሉ ሰባት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ስቓይን ሓዘንን ውን ገሊጾም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ - "ነቶም ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ዕንወት ዘስዓበ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ግዳያት (እንተላይ ብዙሓት ኣንስትን ቈልዑን) ከምኡውን ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ፍሉይ ሓዘነይን ቅርበተይን እገልጸሎም አሎኹ፣” ክብሉ መልእኽቶም አመሓላለፉ።
ምንቅጥቃጥ ምድሪ
እቲ ብዕለ 8 ጥቅምቲ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 7.6 ሬክተር ዝዓቐኑ ብምንባሩ፣ ዓብዪን ኣዕናዊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኢዩ ዝነበረ። እዚ ድማ ኣብ ሰሜናዊ ኽፋል እታ ሃገር ኣብ ጥቓ ሰንሰለታዊ ኣኽራን ሂንዱ ኩሽ እዩ ኣጋጢሙ እዚ ድማ ሰፊሕ ዕንወት አስዒቡ ይርከብ አሎ ።
ቀንዲ ኽፋል እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ርሑቕን ግልል ዝበለ ከባቢታትን ስለ ዘጋጠመ፣ ንዝገበር ረድኤትን ሓገዛን ክበድን ምትሕልላኻትን ፈጢሩሉ ይከብ አሎ።
ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ሓያሎ ኣቝሻት ከቢድ ጕድኣት ወሪድወን ገለገለ ድማ ምሉእ ብምሉእ ዝዓነዋ ይርከባ ። እዚ ዕንወት እዚ ብዘስዓቦ ጉድኣት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ሞይቶምን ቈሲሎምን ከም’ኡ ውን ሃለዋቶም ዘይተረኽቡ እንክኾኑ፣ ማእለያ ዘይብሎም ካልኦት ሰባት ከኣ ዑቕባ ደልዮም ካብ ኣባይቶምን ደምበኦምን ተመዛቢሎም ይርከቡ አለዉ።
መግብን ጽሩይ ማይን መድሃኒትን መዕቈብን ንምርካብ ህጹጽ ናይ ግብረ - ሰናይ ሓገዝ ክግበር የድሊ አሎ ። ነቶም እተጐድኡ ማሕበረሰብ ዳግም ናይ ምህናጽን ነቶም ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ናይ ምድጋፍን ነባሪ ዕማም ከአ ከቢድ ክኸውን ምዃኑ ኢዩ ዝንገረሉ ዘሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ውን ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 04 ጥቅምቲ 6.3 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ምዕራባዊ ኣፍጋኒስታን ኣብ ኣውራጃ ሄራት ውን ከም ዘጋጠም ዝዝከር ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዅሎም ምሕበረሰብ ዓለም ሓገዝን ረድኤትን ንኽገብሩን ኣብቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝግበር ናይ ረድኤትን ዳግመ ህንጸትን ጻዕርታት ኣበርክቶ ኽገብሩን ጻውዒት ኣቕሪቦም - "ኵሎም ሰብ ሰናይ ፍቓድ ነዞም ድሮ አብ መዓትን መከራን ዝርከቡ ዘለዉ ሰባት ክሕግዝዎም እዕድሞም አሎኹ፣ እዚ ድማ ንስቓይ ህዝቢ ንምቅላልን፣ ኣድላዪ ዳግመ ህንጸት ንምድጋፍን፣ ከምኡ ውን ንናይ ኣሕዋት መንፈስ ኣበርክቶ ዝገብር ኢዩ፣" ክብሉ ጻውዒቶም አቕሪቦም።