ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ንዓለም ሓቆፍ ተጋባእያን ‘ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ”፡ ንዅሉ ዝሓቁፍን ሓላይን ቍጠባ ር.ሊ.ጳ.፥ ንዓለም ሓቆፍ ተጋባእያን ‘ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ”፡ ንዅሉ ዝሓቁፍን ሓላይን ቍጠባ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ንዓለም ሓቆፍ ተጋባእያን ‘ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ”፡ ንዅሉ ዝሓቁፍን ሓላይን ቍጠባ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ተመክሮ ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ተበጊሶም ኣገዳስነት፡ “ተጓዓዛይ ቍጠባ” የጉልሑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ብመረብታዊ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ናብ ዝካየድ ዘሎ ዓመታዊ ዓለም ሓቆፍ “ናይ ፍራንቸስኮ ቁጠባ” ዓውደ ጉባኤ ንዝሳተፉ መንሰያት፥ “ሕበረተሰብ ንኹሉ ዝሓቁፍ ፍትሓዊ ናብ ምዃን ንኽልወጥ ዝግበር ጻዕሪ ዘተባብዕ መልኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ ንዋላ ሓደ ዘይጥንጥን ቁጠባ ንምህናጽ ዝዓለመ መስርሕ “ቁጠባ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ” ብዝብል መጸውዕ ኣብ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ንዝሕቆፉ መንሰያት ምሁራት ስነ - ቁጠባ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ናይ ቁጠባ መልክዕ ዳግማይ ንምቕያር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዘሎ ተጋራጫውነትን ዝተፈላለየ ኣረኣእያን የመላኽቱ።

ናይ ተጻረርቲ ሓድነት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “coincidentia oppositorum - ናይ ተጻራርነት ኣጋጣሚ” ዝብል ወይ ድማ ናይ ተጻረርቲ ሓድነት ዝብል ኣምር መሰረት ገይሮም ርእይቶ ክህቡ ከለዉ፡ ክውንነት መብዛሕቲኡ ግዜ ብተጻረርቲ ሓይልታት ከም ዓበይትን ንኣሽቱን፡ ጸጋን ሓርነትን ፍትሕን ፍቕርን ዝቖመ ምዃኑ የስተንትኑ።

ነቲ ሓደ ሸነኽ መርጺካ ነቲ ሓደ ሸነኽ ኣክንዲ ምውጋድ፡ ውጥረት ዝእለየሉ ጽማሬ እዩ ክድለ ዘለዎ። እዚ ሓሳብ እዚ ቍጠባዊ ግርጭታት እናሃለወ ክነሱ ሓባራው ባይታ ንኽንረክብ ይድርኸና። ኣብዚ ዘይምስምማዕ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ዓለም እዚ ኣገባብ እዚ ሚዛንን ምትሕብባርን ክልቲኦም ወገናት ንሓባራዊ ረብሓ ብሓባር ክነብሩ ከም ዝኽሉ ኣፍልጦ ምሃብን ይሓትት።

ሓቛፍነት

መንእሰያት ስነ - ቍጠባ ተመራመርቲ ኣረኣእያኦም ከስፍሑን ንዝተፈላለዩ ድምጽታት ብፍላይ ድማ ነቶም ካብ ነዊሕ እዋን ተገሊሎም ዝጸንሑ ድምጽታት ብምብጻሕ ቦታ ክህቡ፡ ንኣርኣእያ ደቂ ኣንስትዮን ዝተገለሉን ዋጋ ምሃብ ኣገዳሲ ምዃኑ የስምሩ። እዚ ድማ ኣተኩሮና ካብ ንዋታዊ ንብረት ናብ ትርጉም ዘለዎ ዝምድናታት፡ ካብ ምውህላል ሃብቲ ናብ ምዕሩይ ተመቓርሖ፡ ከምኡ እውን ካብ ረቂቕነት ናብ ዝጭበጥ ክውንነት ከሰጋግሮ ከም ዝሕግዘና ይሕብሩ። ኣብ ቍጠባዊ ህልዮን ተግባርን እዚ ናብ ንኹሉ ድምጽታት ዋጋ ዝወሃበሉን ዝሰማማዕን ዓሚቝ ዝንባለ ከም ዝሓትት የገንዝቡ።

ተጓዓዛይ ቍጠባ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ተመክሮ ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ተበጊሶም ኣገዳስነት፡ “ተጓዓዛይ ቍጠባ” የጉልሑ። እዚ ኣምር እዚ ኣብ  መገዲ ምትእምማን ተቓላዕነትን ጽግዕተይናነት ኣብ ካልኦትን ዘጉልሕ ምዃኑ ይገልጹ። ስነ - ቍጠባ ዝተነጸለ ዘይኮነስ ምስ ካልኦት ስነ - ፍልጠታት ዝራኸብን ግብራዊ ብኢድ ዝግበር ተሳትፎ ከም ዝሓትት የዘኻኽረና። ከምቲ ናይ ሓደ ነጋዳይ ጉዕዝ ብብድሆታትን ኣብ ኣእጋሩ ብዘሎ ሓመድን ዝልለ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድማ ኣብ ምድላይ ናይ ሓባር ረብሓ ምድካም ኣድላዪ ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ ሓደ ነጋዳይ ዝገብሮ ጉዕዞ ኣብ ውሽጢ ቍጠባዊ ዓውዲ ሰላማውያንን ተጣበቕቲ ፍትሕን ንምዃን’ውን ዘተባብዕ እዩ ይብሉ።

ትዕግስትን ጽንዓትን

ለውጢ ግዜ ከም ዝወስድን ብልሓት ከም ዝሓትትን ንጹር እዩ፡ ሓደስቲ ቍጠባዊ ኣገባባት ኣብ ዝጸንሑ ስርዓታት ብቕጽበት ምውህሃድ ዘይከኣል ክኸውን ይኽእል። እዚ ግን ከደናግረና የብሉን፡ ጻዕርታትና በብቑርብ ክምዕብልን ነባሪ ምትእስሳር ንምቛም ዘለና ቆራጽነት ክንሕብሕብን ትዕግስቲ ክህልወና ኣለዎ። ዝያዳ ፍትሓውን ንኹሉ ዝሓቑፍ ቍጠባዊ ዓለም ንምርግጋጽ ኣብ እንጽዕረሉ ዘለና እዋን ጽንዓትን ትዕግስን ሰናይ ኣገደስቲ ባህርያት እያቶም እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 Oct 2023, 17:29