ድለ

ኣብ ኢጣሊያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ኣውቶቡስ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ሓዘን መግለጺ ተለግራም ኣብ ኢጣሊያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ኣውቶቡስ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ሓዘን መግለጺ ተለግራም  (ANSA)

ኣብ ኢጣሊያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ኣውቶቡስ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ሓዘን መግለጺ ተለግራም

21 ግዳያት ከምዝኾኑን: ንሳቶም ድማ ትሽዓተ ዜጋታት ዩክሬን: 4 ሮማንያውያን: 3 ጀርመናውያን: ክልተ ፖርቱጋላውያን: ሓደ ክሮኤሽያዊ: ሓደ ደቡብ ኣፍሪቃውን እቲ እንኮ ኢጣልያዊ ድማ እቲ መራሒ ኣውቶቡስ ምዃኑ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ኢጣሊያ ጥቓ ከተማ ቬነዚያ ብዘጋጠመ ናይ ኣውቶቡስ ሓደጋ ምኽንያት ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም 21 ንምሕረት እግዚኣብሔር ኣማዕቍቦም ንስድራ ቤት ምዉታት ዝተሰምዖን ሓዘን ገሊጾም ጸሎት ብምርግጋጽ ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኢጣሊያ ጥቓ ከተማ ቬነዝ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣውቶቡስ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ዕለት ዕለት 6 ጥቅምቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ብይብጻሕ ናብ ናይ ቬነዚያ ፓትሪያርክ ሊቀ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሞራሊያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ ተለግራም፥ ነቶም ሕጻናት ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ሰባ ህይወቶም ንሰኣኑ ዝተነግረ ዜና ብርቱዕ ሓዘን ከም ዝፈጠረሎምን ነቶም በዚ ብርቱዕ ሓዘን ንዝተጠቕዑ ኣባይቲ ስድራ ምዉታት ፍቕራዊ ቅርበቶምን ጸሎትምን ኣረጋጊጾም፥ ናይ እምነት ምጽንናዕ ክረኽቡን ንምዉታት እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን ነቶም መጉዳእቲ ዝጋጠሞም ቅልጡፍ ምሕዋይ ከም እተመነዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዕለት 3 ጥቅምቲ በጻሕቲ ዝመልአት ኣውቶቡስ፡ ካብቲ መከላኸሊ መንገዲ ድሕሪ ምውጻእ ዘጋጠመ ሓደጋ ምዃኑ  ሓበሬታ ናይ ቬነዚያ ቤት ጽሕፈት ህየንተ መንግስቲ ከም ዘፍለጠን  21 ግዳያት ከምዝኾኑን: ንሳቶም ድማ ትሽዓተ ዜጋታት ዩክሬን: 4 ሮማንያውያን: 3 ጀርመናውያን: ክልተ ፖርቱጋላውያን: ሓደ ክሮኤሽያዊ: ሓደ ደቡብ ኣፍሪቃውን እቲ እንኮ ኢጣልያዊ ድማ እቲ መራሒ ኣውቶቡስ ምዃኑን፡ ሰለስተ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝርከብዎም ብጠቕላላ 15 ማህሰይቲ ዘጋጠሞም ናብ ቤት ሕክምና ከም እተወሰዱን ካብ ኣቶም እቶም 10 ድማ ኣብ ጽዑቕ ሕክምና ከም ዝርከቡ ኣብ ቬነዚያ ቤት ጽሕፈት ህየንተ መንግስቲ ዘውጸኦ መገልጺ ኣመላኺቱ፥ ናይ ቬነዝ ቤት ጽሕፈት መርማሪ ሓለዋ ጸጥታ ጠንቂ እቲ ሓደጋ ንምልላይ መርመራ የካይድ ምህላዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 Oct 2023, 17:22