ር. ሊ. ጳ. ኣብ ውግእ እስራኤልን ሃማስን ሰላምን ርእሰ ግትኣትን ክግበረሉ ህጹጽ ጻውዒት አቕሪቦም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሎሚ ረቡዕ ዕለት 11 ጥቅምቲ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን እስላማዊ ዕጡቓት ሓይልታት ሓማስን እተባርዐ ውግእ ዝተሰምዖም "ሓዘንን ሻቕሎትን" ገሊጾም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሰንብኪ እቶም ዝተቐትሉን ዝቘሰሉን ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከም ዘሕዘኖም ገሊጾም።
"ምእንቲ እቶም መዓልቲ ጽምብል ዘኽብሩ ዝነበሩ ስድራቤታት ሃንደበት ናብ መዓልቲ ሓዘን እተቐየሮም” ከም ዝሓዘኑ ብምግላጽ “ነቶም ጅሆ ዝሓዝዎም ብቅልጡፍ ናጻ ክለቅዎም እሓቶም አሎኹ" ክብሉ ጻውዒቶም አቕረቡ።
ካብ እላማዊ ዕጡቓት ሓማስ ዝመጹ ወተሃደራት ዝሓለፈ ቀዳም አብቲ አይሁዳውያን በዓለ “ሓሴት ቶራ” ዘብዕሉሉ ዕለት፣ ኣብ ደቡባዊ ኽፋል እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ፈነዉ ።
በዚ ኸምዚ ጉጅለ ዕጡቓት ሓማስ ናብ እስራኤል ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ብዙሓት አይሁዳውያን ጅሆ ጌሮም ብምውሳድ፣ እስራኤል ኣብ ውሽጢ ገማግም ጋዛ መጥቃዕቲ እንተ ኣውሪዳ ኸም ዚቐትልውም ይርፈራርሁ አለዉ።
ዓመጻ ናብ ሰላም ኪመርሕ ኣይክእልን እዩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዘቕረብዎ መጸዋዕታ "እቶም አብ ልዕሊኦም መጥቃዕቲ እተፈጸመሎም ንገዛእ ርእሶም ክከላኸሉ መሰል ኣለዎም" ብምባል ዘለዎም መርገጺ አፍሊጦም።
ይኹን እምበር ብዛዕባ እቲ "ኣብታ ብዙሓት ንጹሃት ግዳያት ዘለዉዋ ጋዛ ንፍልስጤማውያን ከጋጥሞም ዝኽእል ምሉእ ከበባ" ዘለዎም ሻቕሎት ገለጹ።
እስራኤል ኣብ ጋዛ ኤለክትሪክን ምግብን ማይን ጋዝን ከም ዚዕጾ ብምእዋጅ "ምሉእ ከበባ" ኸም እትገብር አፍሊጣ አላ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኽልቲኦም ወገናት ነቲ ውግእ ፍታሕ ንምርካብ ርእሶም ክገትኡ ጻውዒቶም የቕርቡ ።
"ግብረ-ሽበራን ጸንፈይናነትን ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ዘሎ ግጭት ፍታሕ ንምርካብ ኣይሕግዝን ኢዩ፣ የግዳስ ጽልእን ዓመጻን ሕነ ምፍዳይን ኣለዓዒሉ ንኽልቲኡ ወገን ስቓይ ኢዩ ዘምጽኣሉ" ክብሉ ምሕጽንታኦም አቕረቡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ንኽህሉ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ፣ ብሕውነታዊ መንገድን ዘተን ክግበር ብምምሕጻን ደምዲሞም ።