ር. ሊ. ጳ.፦ ቅዱስ ቻርለስ ደ ፎኮልድ 'ንኢየሱስ ብስቕታ ክዓዪ ሕደግዎ' ይብል
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብቲ ብተኸታታሊ ዝገብርዎ ዘለዉ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ አብነታት ሓዋርያዊ ቅንአት፣ ኣብ ታሪኽ ህይወት ቅዱስ ቻርለስ ደ ፎኮልድ ብምትኳር፣ ናይ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 18 ጥቅምቲ አስተምህሮኦም አቕሪቦም ።
ቅዱስ ቻርለስ ብ1858 ኣብ ስትራዝቡግ ተወሊዱ፣ ኣብ ሰራዊት ፈረንሳ ወተሃደር ኰይኑ ድሕሪ ምግልጋሉ፣ ሕይወት ብህትውና ብምስዓብ ካቶሊካዊ ካህን ኮነ፣ አብ መንጐ እቶም ቱዋረግ ዝተሰምዩ ዓሌት አብ አልጀርያ ዝርከቡ አገልገለ አብ መወዳእታ ድማ ናይ ደም ሰማእትነ ተቐቢሉ 1916 ናብ ዘልዓለማዊ ሕይወት ተሳገረ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ አስተምህሮኦም እዚ ቅዱስ ንየሱስን ነቶም ድኻታት ኣሕዋቱን ኣሓቱን "ናይ ህይወቱ ትርጉምን ጦብላሕታ" ከም ዝኾንዎ ገለጹ።
ቅዱስ ቻርለስ ድሕሪ ናይ ንስሓን ለውጥን ህይወቱ ንሓደ አማኒ ዘይኮነ ዓርኩ "ኢየሱስ ብዓል ናዝሬት ልበይ ሰለበኒ" ክብል ጸሓፈሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አስዒቦም እዘን ቃላቱ ከም ዝገልጻልና አብ ወንጌላዊ ተልእኾ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ "ንኢየሱስ ማእከለ ናይ ልብኻ አብ ምግባር" ከም ምዃኑ ገለጹ።
"ከምዚ እንተ ደአ ዘይገበርና፣ ኣብ ህይወትና ክንምስክሮ አይንኸልን ኢና" በለ። “ኣብ ክንድኡስ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ጕጅለና ስነ-ምግባርና አረ ሕሉፍ ሓሊፍና እውን ብዛዕባ እተወሰነ ሕግታት ክንዛረብ ደአ እምበር፣ ብዛዕባ ኢየሱስን ፍቕሩን ምሕረቱን ክንምስክር አይንኽእልን ኢና።"
ብስቕታ ወንጌል ምምስካርውስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘስተንተንዎ ቅዱስ ቻርለስ "ብኢየሱስ ካብ ምምሳጥ ሓሊፉ ንኢየሱስ ናብ ምምሳል" ከም ዝበጽሐን፣ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ንጐይታ ኸም ምንኣስ ሓው ኰይኑ ይስምዖ ከም ዝነበረ ገለጹ።
ኣብ መንጎ ህዝቢ ቱዋሬግ ምእንቲ ኺነብር ናብ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታታት ማለት ናብ ምድረ በዳ ሰሃራ ብምኻድ "ብስቕታ ወንጌል መስከረ።"
"እቲ 'ህይወት ቅዱስ ቍርባን' ባዕሉ ህይወት ወንጌላውነት ምዃኑ ብምእማን ንኢየሱስ ብስቕታ ክዓዪ ክፈቕደሉ ተረኽበ" ክብሉ መስከሩ ቅዱስነቶም። “እወ ክርስቶስ እቲ ቀዳማይ ወንጌላዊ ልኡኽ ምዃኑ እዩ ዚኣምን ዝነበረ" ድማ በሉ።
እዚ ቅዱስ ነቲ ዕዮ ወንጌላውነት ኢየሱስ ከም ዝዓዮ ስለዝአምን ዝነበረ፣ ኣብ መዓልቲ ኽሳዕ 12 ሰዓታት ኣብ ቅድሚ ሙዳየ ቅዱስ ቁርባን ተምበርኪኹ ይጽሊ ነበረ።
ሓዋርያ ሕይዋውነት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ቅዱስ ቻርለስ ንተልእኾ ወንጌላውነት ምእመናን ብምጕላሕ ነቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘስተምህሮ ሓቂ ገሊጹ ክብሉ አድነቕዎ ።
ቅዱስ ቻርለስ አብ ጽሑፋቱ "ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ሓዋርያ " ከም ምዃኑን፣ ኸምኡውን ካህናት አብጐኖም እቶም “ብግብሪ ሰናይን ቅርበትን ወንጌል ዝሰብኹ!” ዝኽእሉ ምእመናን ክህልዉ አለዎም ክብል ጽሒፉ ይርከብ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ክርስቲያን ምእመናን "ተምበርኪኾም ንውህበታት መንፈስ ቅዱስ ብምቕባል" ናብ ወንጌላዊ ተልእኾ ክወፍሩ ጻውዒት ኣቕረቡ።
ቅዱስነቶም ኣስዕብ ኣቢሎም ውን ቅዱስ ቻርለስ ንጽባቐ ወንጌል በቲ "ሓዋርያ ሕያውነት ምዃኑ" ከምኡውን በቲ ንዅሉ ሰብ "ኵልአዊ ሓው" ክኸውን ብዝነበሮ ባህጊ ኣቢሉ ገሊጽዎ ኢዩ ክብሉ መስከሩሉ።
ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ አብ አስተምሮኦም - "ቀስ ብቐስ እዚ ርክብ እዚ ሕውነት፡ ተሳትፎ፡ አድናቖት ናይ ካልኦት ባህልታትን ከም ዘማዕብል ገበሮ። ቀጺሎም ድማ "ሰናይ ምዃን ቀሊል ነገር ኢዩ፣ ገርሀይናታት ክንከውን ከአ የድልየና ፍሽኽታ ንምልጋስ ዘይንስከፍ ክንከውን ይሓተና።"
ክርስትያናዊ ሓጐስ ከም ግብረ ሰናይ
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዅሎም ሰባት "ብክርስትያናዊ ሓጐስን፡ ብክርስትያናዊ ሕያውነትን፡ ብክርስትያናዊ ለውሃትን፡ ብክርስትያናዊ ድንጋጸን፡ ከምኡውን ብክርስትያናዊ ርክባት" ክነብሩ ጻውዒት ኣቕረቡ።
ቅዱስነቶም አብ መወዳእታ - "ሓውና ቅዱስ ቻርለስ ነቲ ወንጌል ብቕልል ዝበለ መገዲ ብፍሽኽታን በቲ ዝነበሮ ገርህነትን መስከረ። ምስዳዕ ፈጺሙ ምስክርነት ክኸውን አይክልን ኢዩ ። ወንጌላዊ ተልእኾ ምስዳእ ዘይኰነስ ብህያው ብምስክርነትን ብምምራኽን እዩ ዝፍጸም" ብምባል አስተምህሮኦም ዛዘሙ።