ድለ

 መልሲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንቸክ ጳጳሳት መልሲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንቸክ ጳጳሳት 

መልሲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንቸክ ጳጳሳት

“ኩሎም ካህናት ንዝገድሱ ሰባት ኣብ መገዲ መመያ ናይ ምስናይ ሓላፍነት ኣለዎም” እንክብል የጉልሕ። “ነቲ ሰብ ተቐቢሉ ብኣተኩሮ ዝሰምዖን ኣደኣዊ ወጅሒ ቤተ ክርስቲያነ ዘርእየሉን

ኣብቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ወግዓዎ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ብምስ ናይ ቸክ ረፓብሊክ ጉባኤ ጳጳሳት ዝቐረበ ተኸታታሊ ሕቶታት ዝሃቦ መልሲ ተሓቲሙ ወግዓዊ ከም ዝኾነን እዚ እውን ኣብ ተፋቲሖም ኣብ ሓድሽ ጽምዶ ወይ ሕብረት ንዝርከቡ ኩሎም ካህናት “ኣደኣዊ ወጅሂ ቤተ ክርስቲያን” ዘርኢ መስርሕ መመያ ከእቕርቡ ይጽውዕ።”

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ናይ ፍርቂ ሓሴት ኣብ ሓደ ፍልዩ ጉዳይ “ሓላፍነትን ናይ ፍታሕ በደልን ዘዳኽም ድሩትነት ኣብ ዝህልወሉ እዋን” ምስጢራት ዕርቅን ቅዱስ ቁርባንን ናይ ምርካብ ተኽእሎ ይኸፍት። ኣብቲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፥ “ምምሕዳር ቅዱስ ቁርባን ነቶም ኣብ ሓድሽ ሕብረት ንዝነብሩ ዝተፈትሑ ሰባት” ዝምልከት፥ “ካብቶም ንዝቐረቡ ተኸታታሊ ሕቶታት ካብ ዝተሓትሙ መልስታት ሓደ እዩ። እቶም ሕቶታት ዕለት 13 ሓምለ ናይ ፕራግ ልሂቅ ሊቀ ጳስጳሳት ካርዲናል ዶሚኒክ ዱክ ብስም ናይ ቸክ ረፓብሊክ ጳጳስት ጉባኤ ናብ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝቐርቡ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ ግምት ክኣትው ዘለዎ - “ግድን ብምስጢራት ዝውዳእ ዘይኮነስ ናብ ካልእ መልክዕ ውህደት ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ዘቕንዐ ክኸውን ዝኽእል መስርሕ ምስናይ ምዃኑ፥ "ብቅዳሴ ጥራይ ዝውዳእ ዘይኮነስ፡ ናብ ካልእ መልክዕ ምውህሃድ ምስ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ዝመርሕ፡ ማለት ኣብ ማሕበረሰብ፡ ኣብ ጸሎት ወይ ኣስተንትኖ ጉጅለታት ምስታፍ፡ ወይ ምውፋር" ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ማለት ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ምውሳእ ማለት ይኸውን"። ስለዚ ኣብ ህላወ ናይ ስንዮታ ጉስነት ኢና ዘሎና። እዚ ድማ ካብቲ “ናይ ኢየሱስ ናይ ምሕረትን ውህደትን” መገዲ ንኽንክተል ካብ ዝግበር ዕድመ ሓሊፉ ካልእ ኣይኮነን። ዕለት 5 መስከረም 2016 ዓ.ም. ጳጳሳቲ ዞባ ቡወኖስ ኣይረስ ንካህናቶም መሰረታዊ መዐቀኒታት ኣተገባብራ ምዕራፍ ሾሞንተ ሓዋርያዊ ምዕዳን ናይ ፍቕሪ ሓሴት መብርሂ ጽሑፍ ኣዳልዮም ነይሮም፡ ኣብኡ ድማ “ብዛዕባ ንሱታፌ ኣብ ምስጢራት ፍቓድ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ናይ ሓደ ጓሳ ናይ መሰነይታ ኪደት መመያ” እዩ ዝዛረብ፥ ውልቃውን ጓሳውን መመያ እዩ ዝብል (ናይ ፍቕሪ ሓሴትም ፍቕዲ 300 ረኣ)።

ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናብ ልኡኻን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዞባ ቦኖስ ኣይረስ ኣብ ዘመሓላለፈፍዎ መልእኽቲ ከም ዝዝክርው፥ ሓዋርያዊ ምዕዳን ናይ ፍቕሪ ሓሴት ውጽኢት  “ጉባኤ ክልተ ሲኖዶሳት ጳጳሳት ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ስራሕን ጸሎትን” ምንባሩ ክሕሰብ ኣለዎ። እዚ ሰነድ እዚ ኣብ “ስልጣናዊ ትምህርቲ ናይ ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተመርኮዘ ኮይኑ፡ ድሮ ኣብ ሓደስቲ ጽምዶ ዝርከብ ዝተፋትሑ ሰባት ናብ ሱታፌ ቅዱስ ቁርባን ከብሉ ከም ዝኽእሉ ኣፍልጦ ዝሃቡ” ኮይኑ፥ እዚ ማለት ድማ ከምቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝመዓድዎ “ርእሰ ግትኣት ክገብሩ ማለት ካብቲ ግብኡ ተግባራት ሰብ ሓዳር ክቑጠቡ” ዝብል ቅድመ ኩነት ዝተነብሮ እዩ። ወይ ከኣ ይብሉ ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም፥ ከምቲ በነዲክቶስ መበል 16 ዝብልዎ፥ “እቶም ዝተፋትሑ ሓድሽ ጽምዶ ዝነብሩ ነቲ ርክቦም . . . ከም ኣዕሩኽ” ክነብርዎ ቃል ክኣትዉ ኣለዎም። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ዝተፋትሑ ተፋቲሖም ድማ ሓድሽ ሓዳር ዝመስረቱ ነቲ ምሉእ ርእሰ ምግታእ ዝብል ሓሳብ ክዕቅቡ ኣለዎም፥ እንተኾነ ግን ኣብ ምትግባሩ ጸገማት ክህሉ ከም ዝኽእል ይኣምኑ፡ ስለዚ ኣብ ዝተወሰኑ ጉዳያት ድሕሪ እኹል መመያ ዋላ ነቲ ምስ ቤተ ክርስቲያን ዝኣተውዎ ቃል ዘይነብርዎ እውን እንተኾኑ ቅዱሳት ምስጢራት ዕርቂ ክዕደሎም ኣብ ዝብል ብስለት በጺሕና ኢና” ይብሉ።

በቲ ካልእ ሸነኽ ግን እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፥ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን “ኩሎም ብልሕን ፍቓድን ንኽእዘዙ ዝጽውዕ ተራ ስልጣናዊ ትምህርቲ” ምዃኑ የጉልሕ። “ካህናት ብመሰረት ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን መምርሒታት ኣቡን ምስቶም ኣብ መገዲ መመያ ዘለዉ ሰባት ናይ ምኻድ ሓላፍነት ኣለዎም” ይብል። በዚ መዳይ እዚ ብርግጽ “ተራ ሰበኻታት ምስ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ብምስምማዕ ነቶም ኣብ ሓድሽ ሕብረት ዝነብሩ እተፋትሑ ሰባት ኣብ ምድጋፍን መመያን ክሕግዞም ዝኽእል እተወሰነ ማዕቀናት ክቐውም ተበሃጊ እዩ።” ካርዲናል ዱክ ኣብቲ ተኸታታሊ ሕቶታት ንሰነድ ጳጳሳት ዞባ ቦኖስ ኣይረስ ንጓሶት፥ ብምጥቃስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ሰበኻታት ቡወኖስ ኣይረስ ዝነበረ ጉዳይ ዝሃብዎም መልሲ ከም ንስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ከም መረጋገጺ ገይርካ ክውሰድ ዝክእል እንተ ኩይኑ ይሓትቱ። ከምቲ ኣብቲ Acta Apostolicae Sedis - ግብረ ሓዋርያዊ መንበር ኣብ እተሰምየ ወግዓዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ዝርከብ ክልተ ሰነዳት ተሓቢሩ ዘሎ፡ እዚ ሰነዳት እዚ “velut Magisterium authenticum- ሓቅነት ዘለዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ”  ማለት ሓቅነቱ እተረጋገጸ ስልጣናዊ ትምህርቲ ከም እተሓትመ እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብዘይ ጥርጥር የረጋግጽ።

ካርዲናል ዱክ መን ገምጋሚ ናይቲ ዝተዋህበ ኩነታት ናይቶም ኣብ ሕቶ ዝኣትዉ መጻምድቲ ክኸውን እለዎ ዝብል ሕቶ፥ እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፥ ንመመያ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝኸውን ናይ ጉስነት መሰነይታ መደብ ምጅማር ሕቶ ምዃኑ የጉልሕ። በዚ መንጽር ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን “ኩሎም ካህናት ንዝገድሱ ሰባት ኣብ መገዲ መመያ ናይ ምስናይ ሓላፍነት ኣለዎም” እንክብል የጉልሕ። “ነቲ ሰብ ተቐቢሉ ብኣተኩሮ ዝሰምዖን ኣደኣዊ ወጅሒ ቤተ ክርስቲያነ ዘርእየሉን ቅኑዕ ሓሳቡን ንኹሉ ህይወቱ ኣብ ብርሃን ወንጌልን ብፍላይ ኣብ ፍቕሪ ከንብር ዘለዎ ሰናይ ዕላማን ተቐቢሉ” እዩ ካህን ምዃኑ ዘመላኽት ሓሳብ ነንብብ። ነቲ ግብረ ሰናይ ተግባር ተለማመድዎ። ግን ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝምልከት እዩ፡ "ብውልቂ፡ ንነብሱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቕሪቡ ሕልናኡ ንዕኡ ክቐልዕ ዝተጸውዐ፡ ምስ ተኽእሎታቱን ደረቱን"። እዚ ብካህን ዝተሰነየን ብኣንፈታት ቤተ ክርስቲያን ዝበርህን ሕልና+ "ንምስጢራት ናይ ምብጻሕ ተኽእሎ ንምፍላጥ ንምግምጋምን እኹል ፍርዲ ንምሃብን ክቐውም እዩ ተጸዊዑ"።

ከምዚኦም ዝኣመስሉ ጉዳያት ብብቑዕ ናይ ቤተ ክርስትያን ቤት ፍርዲ ክረኣዩ ግቡእ ድዩ ዝብል ዝቐረበ ሕቶ፥ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋ ቤት ጽሕፈት፥ ፍቱሕ ይኹን ዝብል ኣዋጅ ምሕላፍ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ናብ ቤተ ክርስቲያናዊ ቤት ፍርዲ ዝቐርብ ይግባእ ኣካል ናይቲ መስርሕ መመያ ክኸውን ኣለዎም። “እቲ ይፈታሕ ዝብል ውሳኔ ምርካብ ኣብ ዘይከኣል ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኹነታት ዝፍጠር” ጸገም ይዕዘብ። ኣብ ከምዚ ኩነታት “ኣብ ምስጢራት እውን ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ውልቃው ርክብ ዘነቓቕሕ ወይ ዘሐድስ መስርሕ መመያ” እውን ክኸውን ይኽእል።

መስርሕ ውልቃዊ መመያ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፥ ዳግማይ ዝተፋትሑ ሰባት ሓላፍነቶም ንምርግጋጽ ገለ ሕቶታት ንነብሶም ክሓቱን ኣብ ልዕሊ “ሰብ ሓዳር ዘሎ ሕብረት ናብ ቅልውላው ምስ ኣተወ ኣብ ልዕሊ ‘ዝተወልዱ ደቆም’ ከመይ ከም ዝነብሩ ንነብሶም ክሓትቱ ይግባኣ። ንዕርቂ ፈተነታት ተገይሮም ድዮም ኩነታት ናይቲ ዝተሓድገ ‘ነበር` በዓል ቤት ወይ ናይታ ‘ነበር’ በዓል ቤት  እንታይ ይመስል እቲ ሓድሽ ዝምድና ኣብ ዝተረፉ ስድራ ቤትን ማሕበረሰብ ምእመናን እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ” ዝብል ሕቶታት ዘቕርብ ክኸው ኣለዎ እንክብል ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝሃቦ መልሲ ይዛዝም።

04 Oct 2023, 16:34