ድለ

PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ.፦ 'ኣጽዋር ይተዓበስ፣ ኣብ ጋዛ ዘሎ ዅነታት ተስፋ ዜቝርጽ እዩ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ቅድስቲ መሬት ሰላም ንኽህሉ ጻውዒት ብምቕራብ፣ ብዛዕባ እቲ አብ ጋዛ ዘሎ ሰብአዊ ቅልውላው ዘለዎም ሻቕሎት ገሊጾም፣ ንዅሎም እቶም ወገናት ከአ ኣጽዋሮም ከውርዱን ከምኡውን ኵሎም ክርስትያን ምእንቲ ሰላም ዕለት 27 ጥቅምቲ ክጽልዩን ክጾሙን ጻውዒት አቕረቡ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ቍጽሪ እቶም ግዳያት ይውስኽ ኣሎ፣ ኣብ ጋዛ ዘሎ ዅነታት ድማ ተስፋ ዘቝርጽ ኢዩ ።" ክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲቸስኮ፣ በዘን ቃላት እዚኣተን አቢሎም ሓሳባቶም ናብ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ብምባል "ካብ ሰብአዊ ዕንወት ንምውጻእ፣ ዝከአል ዘበለ ዅሉ ኽግበር አለዎ" ብምባል ምሕጽንታ አቕረቡ ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለት ሮቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ድሕሪ ምቕራቦም አብ ዘስምዕዎ ቃል እቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት እና ዓበየ ክኸውይድ ከም ዝኽእል ብምዝኽኻር አቃልቦ ኩሉ ወድሰብ ከም ዝሓትት ገለጹ።

አስዒቦም ቅዱስነቶም "ዓለም ድሮ ብዙሕ ክፉአት ውግእ ርእያ እያ" ብምባል ጓሂኦም ገለጹ።

ነዚ አብ ፍልጤምን እስራኤልን ተረኺቡ ዘሎ ዅነታት ኣብ ግምት ብምእታው "ኣጽዋርኩም ደርብዩ ኣውያት ሰላም ድኻታትን ህዝብን ንጹሃት ቈልዑን ስምዕ" ክብሉ ልመናኦም አቕረቡ።

"ውግእ ንጸገማትና ፈጺሞ ክፈትሖ አይክእልን እዩ" ድማ በሉ። ሞትን ጥፍኣትን ጥራይ እዩ ዚዘርእ፣ ከምኡ ውን ጽልኢ ከም ዘስፋሕፍሕ ይገብር፣ በዚ ኸምዚ ድማ ሕነ ምፍዳይ ከም ዝዛይድ ይገብር። ውግእ መጻኢ ከም ዘይብልና ዝገብርን ንመጻኢና ናብ ዕንወት ዘምርሕን ኢዩ።" ድማ በሉ።

ቅዱስ አቦና ቀጺሎም ንዅሎም ምእመናን ሓደ ወገን ክሕዙን፣ ንሱ ድማ ወገን ሰላም ክኾኑ ተማሕጸንዎም ። አስዒቦም ድማ "ብጸሎትን ምሉእ ተወፋይነትን እምበር ብቓላት ጥራይ አይኹን" ክብሉ አባታዊ ማዕዳኦም አካፈልዎም።

ዕድመ ንመዓልቲ ንስሓ

ኣብዚ መዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዅሎም ሰባት፣ ናብ መዓልቲ ጸሎትን ጾምን ንዕርቅን ንስሓን ዕድመ አቕረቡሎም።

ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ 27 ጥቅምቲ  ምእመናን ናይ እተፈላለያ አብያተክርስቲያንን ካልኦት ቤተ እምነታትን   ኵሎም እቶም ሰላም ክሰፍን ዝደልዩ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ዘበሉ ብፍቓዶምን ድላዮምን ኪሳተፉ ኣተባብዖም።

እቲ ቐንዲ ሓሳብ ናይዚ ፍጻመ እዚ ንዓለም ሰላም ንምስፋን ልክዕ ሰዓት 6 ድ.ቀ. ኣብ ቅርዓት ቅዱስጴጥሮስ ንሓደ ሰዓት ዝአክል ናይ ጸሎት መደብ ክካየድ ኢዩ።።

"ንኹሎም ህዝቢ ኣምላኽ ዘሳትፍ ተመሳሳሊ ተበግሶታት ብምውዳብ ንዅለን ኣብያተ-ክርስትያን ኣብቲ ዝካየድ መደብ ክሳተፉ ዕድመ አቅርብ አሎኹ" ብምባል ምሕጽንታኦም ዛዘሙ።

18 Oct 2023, 17:01