ር. ሊ. ጳ. ፦ ተሬዛ ዘኢየሱስ ህፃን አብ ምሕረት ኣምላኽ ፍቕርን ተኣማንነትን ትምህረና
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
“ናብ ፍቕሪ ከብጽሓና ዝኽእል ትውክልትን ምትእምማንን ጥራይ ኢዩ.”
እዘን አብ መስከረም 1896 ብቅድስቲ ተሬዛ ዘኢየሱስ ህፃን ወዘቅዱስ ገጽ እተጻሕፋ ቃላት እዚአተን ኢየን አርእስቲ ናይዚ ሓድሽ ሓዋርያዊ ምዕዳን ንምዃን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ፍራንቸስኮ ዘለዓዓሎም።
እዘን ቃላት “ነቲ ብልሓት መንፈሳውነታ አሕጽር አቢለን ዝገልጻን ናይ ቤተክርስቲይና ሊቅ ተባሂላ ንኽትስመ ዘብቅዓን እኹል ምኽኒያት ኢያተን።” እንክብሉ ቅዱስነቶም ብአጽዖት የረጋግጹ።
እዛ ቅድስቲ ዘውረሰትና "መንፈሳዊ ክቡር መዝገብ"
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ አብቲ ምስ ህይወታ እተተሓሓዘ ዕለተ ክብረ በዓላ ዘይኰነስ አብ ዕለት 15 ጥቅምቲ እዛ ንኣዓ እተወፈየት ሓዋርያዊ ምዕዳን ንምሕታም ዝገበርዎ ውሳኔ እንክገልጹ፦
ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ይብሉ ቅዱስነቶም እዚ መልእኽቲ "ነቲ በዓላት ክኔው ምጽንባል በዓላ ሰጊርካ ክርአ ዘለዎ ኽፍሊ መንፈሳዊ ክቡር መዝገብ ቤተ-ክርስትያን ጌርና ክንቅበሎ” ስለ ዝደለዩ ምዃኑ ገለጹ (4)። እዛ ጽሕፍቲ እተሓትመትላ ዕለት አብ ዕለተ ክብረ በዓል ቅድስቲ ተሬዛ ዘአቪላ ብምዃኑ ቅድስቲ ተሬዛ ዘኢየሱስ ህፃን "ብሱል ፍረ" ናይታ ዓባይ ቅድስቲ ስጳኛ ዝኾነት መንፈሳውነት ኸም ምዃና ንኸመልክቱ ኢዩ ዝነበረ።
ብርአርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ተፈላጥነት ምርካብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ዝቐደሙ አርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ሕልፍ ዝበለ መንፈሳዊ ምስክርነት ቅድስቲ ተሬዛ ንዝሃብዎ ኣፍልጦ ብምስዓብ ዳግም አሰር አሰሮም ነዚ ክቡር መዝገብ ክፍትሽዎ ተረኽቡ ።
ካብቶም ጓል 15 ዓመት ከላ ናብ ማሕበር ደናግል ንኽትኣቱ ዝፈቐዱላ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 13 ኣትሒዞም ክሳብ እቶም ብ1925 ቅድስናኣ አአወጁን ከምኡውን ብ1927 ጠበቓ ልኡካነ ወንጌል ክትከውን ዝመረጽዋ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒየስ መበል ዓሰርተው ሓደ ክጠቕስዎም ተረኽቡ ። ካብኡ ቀጺሎም ውን ነቶም ብ1997 ናይ ቤተክርስቲያን ሊቅ ቢሎም ዝሰመይዋ ቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ይጠቕሱ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ፍራንቸስኮ ተዘክሮኡም ክገልጹ ከልዉ "ኣብ መወዳእታ ብ2015 ኣብቲ ብዛዕባ ስድራ ቤት ዝተገብረ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ንወለዳ አቦኣ ሉዊስን ኣዴኣ ዚሊየን ቅድስናኦም ምእዋጀይ ብዓቢይ ሓጐስ እዝክሮ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ከኣ ሓንቲ ኻብተን ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዘቕረብክዎም አስተምህሮታት ንኣዓ ወፈኹላ።" (6) ክብሉ ይምስክሩ።
ሓንቲ ልእኽቲ ወንጌል ዝኾነት ነፍሲ ንኢየሱስ ዘለዋ ፍቕሪ
እታ ካብ ሊዝዮ ዝመጸት ቅድስቲ አብታ ንሽቶይ ናይ ባሕታውያን ክፋሊ ኮይና "ኢየሱስ እቲ እንኮ ፍቕረይ እዩ" ክትብል ጸሓፈት (8)። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ፍሉይ ዝኾነ ንመንፈሳዊ ተመክሮኣ እንክምርምሩ እዚ ምስ ኢየሱስ ዝነበራ ርክብ "ናብ ወንጌላዊ ተክእኾ ጸውዓ" ብምባል ገለጹ በዚ ኸምዚ ድማ "እቲ ምንኵስናዊ ሕይወታ ንጥቕሚ ኣሕዋታን ኣሓታን ንኣምላኽ ከም እተወፈት ደአ እምበር ካብኡ ነጺላ ትርውዪ ከም ዘይነበረት" ገለጹ።
ናብ ገዳመ ቀርሜሎስ ምእታዋ ምእንቲ "ድሕነት ነፍሳት" ኢዩ ዝነበረ (9)። ቅድስቲ ተሬዛ ነቲ ናይ ወንጌላዊ ተልእኾ መንፈሳውነታ ከምዚ ብምባል ትገልጾ - "ኣብ ውሽጢ ልበይ ዋዒ ናይ ፍቕሪ ሓዊ እናበርትዐ ብዝኸደ መጠን (...) እቶም ናባይ (ናብ ሓንቲ ምስኪን ንእሽቶይ ሓጺን ካብ መለኮታዊ እቶን እንተ ኣልጊሰ ምንም ዋጋ ዘይብለይ) ዚቐርቡ ነፍሳት ብዝበለጸ ድማ፣ እዘን ንፍሳት እዚአተን ብጨና ቅብአት ናይቲ አፍቃሪአን ከአ ብቕልጣፈ ክጐያ ኢየን፣ ከመይ ሓንቲ ብፍቕሪ ዝተቓጸልት ነፍሲ ልምስቲ ኮይና ክተርፍ አይከአላን ኢዩ"(12)።
መገዲ ምትእምማንን ፍቕርን
ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንፍራንቸስኮስ ብዛዕባ እቲ መንፈሳዊ ቝልዕነት ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ 'መንገዲ ትሕትና' ዝስመ መንፈሳውነት ቅድስቲ ተሬዛ አተኲሮም ይጽሕፉ።
እዛ ቅድስቲ፣ ከምዚ ክትብል ጽሒፋ ንረኽባ - "ዎ ኢየሱስ እተን ናብ ሰማይ ከልዕላኒ ዘለወን መዳይቦ ቀላጽምካ ኢያተን። ነዚ ንምግባር ከኣ ክዓቢ ኣየድልየንን እዩ ፣ ኣብ ክንዳኡስ ንእሽቶ ዀይነ ብዝበለጸ እና ነአስኩ ክኸይድ ኢየ ዘሎኒ" (16)።
እቲ ዘገድሳ ዝነበረ ነገር፣ እቲ ዝቅድሰና ጐይታ ስለ ዝዀነ ተግባር ኣምላኽ ማለት ጸጋ ደኣ እምበር ውልቃዊ ብቕዓት አይነበረን። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ሓዋርይዊ ምዕዳኖም - "እምበኣር ኣብ ገዛእ ርእስና ዘይኰነስ ኣብቲ ብዘይ ቅድመ ዅነት ዘፍቅረናን ኣብ መስቀል ኢየሱስ ክርስቶስ ኵሉ ዝሃበናን መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረት ኣምላኽ ልባዊ ትውክልቲ ኽንገብር ይግባእ። በዚ ምኽንያት እዚ ቅድስቲ ተሬዛ ነቲ ኣብ ግዜኣ ልሙድ ዝነበረ "ቅዱስ ክኸውን እየ " ዚብል መግለጺ ፈጺማ ትጥቀመሉ አይነበረትን ። (20) ክብሉ ጸሓፉ።
ኣብ ኢድ ኣቦ ረማዕ ገማዕ ምባል
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ ኣብ ህይወትና መብዛሕትኡ ግዜ "ብፍርሂ ብሰብኣዊ ውሕስነት ዘሎና ባህጊ ከምኡ ውን ንዅሉ ነገራት ክንቈጻጸሮ ብዘሎና ድላይ ንውሓጥ ኢና፣ " (23) እቲ ቅድስቲ ተሬዛ አብነት እትኾነና ምትእምናንን ኣብ ኣምላኽ ረማዕ ገማዕ ክንብሎ ዘሎና ኵነት" ካብ ማእሰርቲ ጭንቑ አተሓሳስባን ቐመርናን ከምኡ ውን ካብቲ ብዛዕባ መጻኢ ብቐጻሊ ንጭነቖን ካብቲ ሰላምና ዝነስአና ሓራ ዘውጽአና ኩነት ኢዩ ።"
" ኣብ ኢድ እቲ ብዘይ ገደብ ዜፍቅረና ኣቦ እንተ ዄንና " ብምባል ትቕጽል ቅድስቲ ተሬዛ " ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ ዕጅብ አይብለናን ኢዩ፣ ኪኖ እቲ ዜጋጥመና ዘበለ ኽንሓልፍ ንኽእል ኢና፣ ብእተፈላለየ መገዲ ድማ እቲ መደብ ፍቕሩን ምልኣቱን ኣብ ህይወትና ኺፍጸም እዩ" (24)።
'ናይ እምነት ፈተናታትን' ኣብ ምሕረት ምትእምማንን
መንፈሳዊ ህይወት እታ መንእሰይ መንኮስ ገዳመ ቀርሜሎስ ዝነበረት ብዘይ ፈተናታትን ቃልሲታትን አይኮነን ዝነበረ ።
ብፍላይ ኣብተን ናይ መወዳእታ እዋናት ህይወታ "ኣብ እምነታ ከቢድ ፈተና" ኢዩ ዘጋጠማ (25)። ኣብቲ ግዜ እቲ ምህሮ አልቦ-እግዚአብሔር ኣዝዩ እናወሰኸ ይኸይድ ስለ ዝነበረ "ነቶም አልቦ-እግዚአብሔር ዝብሉ ዝነበሩ ከም ሓውቶም ዝኾነት ዀይኑ ይስምዓ ነበረት"(26)፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ምእንታኦም ትጽሊ ነበረት።
ኣብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረት ኣምላኽን ኣብቲ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ እከይ ዝረኸቦ ናይ መወዳእታ ዓወትን ትኣምን ስለ ዝነበረት፡ በዚ ዝነበራ ምትእምማን ድማ ንሓደ ብዙሕ መስቀል ዝነበሮ ብዙሓት ነፍሳት ዝቐተለ ሰብ ናይ ንስሓ ጸጋ ረኸበትሉ።
ኣብ ኣምላኽ ዘሎ ዅሉ ፍቕርን ፍትሕን እዩ ። “እዚ ሓደ ኻብቲ ልዑል ዝኾነ ርድኢት ቅድስቲ ተሬዛ ኢዩ ዝነበረ፣” ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አስዒቦም "እዚ ሓደ ኻብቲ ንብምሉኡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዝገበረቶ ዓብዪ ኣበርክቶ እዩ። ንመዓሙቝ ምሕረት ኣምላኽ ብዘደንቕ መገዲ መርሚራ ነቲ ደረት ዘይብሉ ብርሃን ተስፋ ካብኡ ቀድሐት።" (27).
ብተራ መገዲ ዝዓበየ ግብረ - ሰናይ ምፍጻም
ቅድስሪ ተሬዛ ንጐይታ 'ኸተሐጕሶ' ስለ ዝደለየት፣ ንኢየሱስ ብፍቕሪ ክትመስሎ ደለየት። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ኢየሱስ ከም ዜፍቅራን ከምኡ አብ ግዜ ስቅያቱ ብግላ ይፈልጣ ከም ዝነበረ ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛ እያ ነይራ ፣” ቅዱስነቶም ድማ አብ ጽሑፎም “ኢየሱስ ንዅሎም ደቂ ሰባት ዘለዎ ፍቕርን ከምኡ ውን ንነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ማለት ክሳብ ካልእ ሰባ ከም ዘየሉ ጌሩ ዘፍቅሮም ፍቕሪ ተስተንትን ነበረት ። " (33)ክብሉ ጸሓፉ።
ኣስዕብ ኣቢሎም ውን ከምዚ በሉ - "ኣብ መዓልታዊ ናብራ ኣብ ዝግበር ተራ ተግባራት ብትሕትና ግብረ-ሰናይ ተዘውትር ነበረት፣ ነዚ ድማ ምስ ማሕበር ድንግል ማርያም ኰይና ትገብሮ ነበርት፣ ካብአተን ድማ "ምፍቃር ማለት ዘለካ ኩሉ ምሃብ ምዃኑ። ርእስኻ ምሃብ ከም ዝኮነ ተማህረት" (36)።
ኣብ ልቢ ቤተ- ክርስትያን ዘላ ፍቕሪ
አብዚ ሓዲሽ ሓዋርያዊ ምዕዳን ካብ ቅድስቲ ተሬዛ በዓልቲ አቪላ ተበጊስና ነቲ ቅድስቲ ተሬዛ ዘኢየሱስ ህፃን " ንቤተ - ክርስትያን ዓብዪ ፍቕሪ ኸም ዘውረሰትን ካብ ዕምቈት እዚ ምስጢር እዚ ክትሰቲ ኸም ዝኸኣለትን " (38) ኢና ነንብብ ።
ኣብታ “ታሪኽ ሓንቲ ነፍሲ” ዘርእስታ መጽሓፋ ቅድስቲ ተሬዛ ዘአቪላ "ቤተ ክርስትያን ልቢ ኸም ዘለዋን፣ እዚ ልቢ እዚ ኸኣ ብፍቕሪ ይቃጸል ከም ዘሎ ተረዲኡኒ አሎ ። ንኣባላት እታ ቤተ - ክርስትያን ከአ ክጕዓዙ ዝገበሮም እዚ ፍቕሪ እዚ በይኑ ምዃኑ ተረዲኡኒ አሎ። " ድሕሪ ምባላ አስዒባ "እወ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቦታይ ረኺበ እየ፣ ኣብ ልቢ ቤተ ክርስትያን ኣደይ ፍቕሪ ክኸውን እየ!" (39) በለት።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከአ "እዚ ልቢ እዚ ናይ ሓንቲ ዕዉት ቤተ - ክርስትያን ዘይኰነስ ናይ ፈቃርን ትሕትትን መሓሪትን ቤተ - ክርስትያን ልቢ ኢዩ " (40) ዝብል አሚቑ ሓሳብ የቕርቡ።
ወሲኾም ድማ ከምዚ ይብሉ - "እዚ ርኽበት ናይ ልቢ ቤተ-ክርስትያን እዚ ሎሚ ንዓና ዓቢ ምንጪ ብርሃን ኢዩ። በቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ጽላሎታን ሓጢኣታን ዘሎና ድሩት ዓቕምን ድኽመትን ንኸይንዋረድ የዕቍበና ናብታ ሳላ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ብሓዊ እትነድድ "ብፍቕሪ እትቀጻጸል ልቢ" ቤተ-ክርስትያን ንኽንኣቱ ድማ የኽእለና።”(41).
ምሉእ ውህበት
እቲ ኣብ ቅድስቲ ተሬዛ ዘጋጠመ ውሽጣዊ ፈተናታት ሓድሓደ ግዜ "ሰማይ ብሓቂ አሎ ድዩ" (42) ኢላ ንገዛእ ርእሳ ንኽትሓትት ደረኻ ፣ እዚ ኸኣ ነታ ቕድስቲ "በቲ ንሰማይ ዘለዋ ሓያል ባህጊ ተላዒላ ንሠናይ ኩሉ ሰብ ብብርቱዕ ባህጊ ከም እትቃጸል ገበራ " (43) ፣ ድሕሪ ሞታ እውን ከይተረፈ ብዝበለጸ ተልእኾኣ ከም እትቕጽል ገበራ ።
አብዛ ሓዋርያዊት ምዕዳን “በዚ ኸምዚ እምበአር በቲ ዝነበራ ምሉእ ምትእምማን ዝጀመረን ምእንቲ ኻልኦት ገዛእ ርእሳ ንኽትውፈን አብ መወዳእታ ድማ አብዚ ናይ ባዕላ ጽማቕ ትምህርቲ ወንጌል ዝኾነ ርድኢት ክትበጽሕ ክኢላ።” (44)።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ናብ ፍቕሪ ዜብጽሓናን ካብ ፍርሂ ሓራ ዜውጽኣናን ምትእምናን እዩ። እዚ ኸኣ ናብ ርእስና ምጥማት ንኸነቋርጽን ነቲ ንሱ በይኑ ኺፍጽሞ ዚኽእል ነገራት ኣብ ኢድ ኣምላኽ ንኽንሓድጐ ዚሕግዘና እዩ ። ከምዚ ብምግባርና ንጥቕሚ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንምሕሳብን ዓብዪ ምንጪ ፍቕርን ሓይልን ይህበና።" (45)።
አብ መወዳእታ ፍቕሪ ጥራይ እያ እተገድስ
ኣብታ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ናይዚ ሓድሽ ሓዋርይዊ ምዕዳን ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ነቲ አብ “ሓጐስ ወንጌል” ዘርእስቱ ዓዋዲት መልእኽቶም ብዛዕባ ሚስዮናዊት ቤተክርስትያን ዝገልጽ ሓሳባቶም ብምዝካር "[ቤተክርስቲያን] ኣብቲ ኣዝዩ ምልኩዕን ኣዝዩ ማራኽን ኣዝዩ ኣድላዪን ዝዀነ ነገራት ከተተኵር ከም ዘለዋ " ሕጅውን አብዛ ሓዋርያዊት ምዕዳኖም ነዚ ዳግም ምስትንታኑ ጽቡቕ አጋጣሚ ምዃኑ ገለጹ ። (47)
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "አብ መወዳእታ ፍቕሪ ጥራይ እያ እተገድስ" (48)። ድሕሪ ቢሎም ቅዱስነቶም "እቲ ቅድስሪ ተሬዛ ኸም ቅድስትን ሊቅ ናይ ቤተ ክርስትያን መጠን እትህበና ፍሉይ ወፈያ ... እዚ ድማ ናብቲ ኣገዳሲን ኣድላዪን ጠቓምን ዝዀነ ነገር ከም ንኽንግደስ ዝገብረና ኢዩ።" (49).
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ መምህራን ትምህርተ መለኮትን፣ ሊቃውንቲ ክርስቲያናዊ ስነ-ምግባርን፣ ፈሊጣን መንፈሳውነትን ምልስ ብምባል - "ከምዚ ናይ ቅድስቲ ተሬዛ ዝመስል ግንዛቤ ብቐጻሊ ክህልወናን ካብኡ ከአ ሕልዮአውን ተግባራውን፣ ናይ ዓንቀጸ እምነትን ጉስነታውን፣ ብተወሳኺ ድማ ግላውን ማህበራዊን ዝኾኑ ውጽኢታት ክንቅርብ የድሊ። ነዚ ንምግባር ከአ ትብዓትን ውሽጣዊ ናጽነትን የድልየና እዩ" በሉ። (50).
ኣገዳስነት እታ "መገዲ ትሕትና"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ መወዳእታ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ነቲ ቐንዲ ሓሳብ ናይቲ ቅድስሪ ተሬዛ ዘቕረበቶ "መንገዲ ትሕትና" ኣገዳስነቱን ዘኪሮም አስተንትኖኦም መደምደምታ ይገብሩሉ።
ኣብዚ ደቅሰባት ብውልቃዊ ጥቕምን ብህርፋን ሥልጣን አብ ዝጭነቑሉ ዘለዉ እዋን ቅድስቲ ተሬዜ ንህይወት ከም ህያብ ጌርካ ምሃብ ዘለዎ አገዳስነትን ጽባቐን ኣርኣየትልና፣ ተራን ትሑትን ምዃን ዘለዎ ዋጋ፣ ከምኡውን ፍጹም ጸብለልትነትን ብሉጽነትን ፍቕሪ ግለጸት፣ ነቲ ንሓጐስ ወንጌል አባና ከም ዝዝሕል ዝገብርን "ንክርስትያናዊ ህይወት ብሕግታትን ስርዓታትን ዝመልእ ሕጋዊ ወይ ስነ - ምግባራዊ ኣተሓሳስባ" ተሳጊራ ብምሕላፍ አብነት ኮይናትና ኢያ ። (52).
አብ መወዳእታ እዚ ሓዋርያዊት መዕዳን ብጸሎት ኢዩ ዝዛዘም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይጽልዩ - "ነቲ “መንገዲ ትሕትና" ዝኾነ ቅድስናኺ ምእንቲ ነን መዓልቱ ክንመስሎ፣ ልክዕ ከማኺ ብምዃን አብ አምላኽ ምሉእ ምትእምማን ክንገብርን አብ ፍቕሩ ክንጥሕልን ሓግዝና።” (53)