ድለ

2023.10.07 Santa Messa per il Corpo della Gendarmeria Vaticana 2023.10.07 Santa Messa per il Corpo della Gendarmeria Vaticana  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ክርስትያን ምስቲ ኼጥፍእ ዚደሊ ድያብሎስ ክቃለሱ ይግባእ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ-መላእኽቲ ምስ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ሃገረ ቫቲካን መሥዋዕተ ቅዳሴ አዕሪጐም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብቲ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ተመርዂሶም አብ ዘስምዕዎ ስብከት ቃል አምላኽ፣ ህይወትና ልክዕ ከም ሓደ ብጥንቃቐ ክንሕልዎ ዘሎና ግራት ኣታኽልቲ ወይኒ ምዃኑ ገለጹ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 07 ጥቅምቲ ድሕሪ ቐትሪ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ አብ ሃገር ቫቲካን ዝርከብ በዓቲ ቅድስተ ማርያም ዘሉርድ ምስ አባላት ሓይሊ ጸጥታ ሃገረ ቫቲካን መሥዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን አመልኪቱ። ኣብቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ በዓቲ ቅድስተ ማርያም ዘሉድ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ንዝኽሪ ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ጠበቓ ናይ ሓይሊ ጸጥታ ሃገረ ቫቲካን ዝኾነ ንምዝካር እንክኸውን፣ ወግዓዊ ክብረ በዓሉ ግና ዕለት 29 መስከረም ኢዩ ዝኸብር።

ዘይቃለስ ክርስትያን ኣይኰነን

አብ ስብከቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስሌ ናይ ኣታኽልቲ ወይኒ ካብቲ ቀዳምይ ንባብ ናይ ዕለቱ ዝኾነ ማለት እንካብ ትንቢተ ኢሳይያስ ጠቒሶም አስተንትኖ ገበሩ ። ዕዮ ናይዞም ሓይሊ ጸጥታ ሃገረ ቫቲካን ይብሉ ቅዱስነቶም፣ ካብቲ ጸላኢ ነቲ ኣብኡ እተተኽለ ከዕኑን ኬጥፍእን ኢሉ ብለይቲ ዚኣትዎ ኣታኽልቲ ወይኒ ንምኽልኻል ምዃኑ ገለጹ። ወሲኾም ውን እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ፣ ጽቡቕን ክፉእን ንሓድሕዱ ዝቃለሰሉ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ህይወት ምዃኑ ውን ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እንከስተንትኑ "ጐይታ ንነፍሲ ወከፍና አብቲ ሰናይ ዝኾነ ኣታኽልቲ ወይኒ ጽቡቓት ጨናፍር ገይሩ እዩ ዚተኽለና፣ ጸላኢ ግና ወትሩ ግዜ ከጥፍአና ኢዩ ዝመጽእ። እዚ ናይ ነፍስወከፍና ናተይን ናትኩምን ዕለታዊ ቃልስና ኢዩ ። ዘይቃለስ ክርስትያን ኣይኰነን፣ ወይከአ ሓደ ሰብ ፈተና ዘይረኽቦ እንተ ደአ ኾይኑ ክርስትያን ኣይኰነን" በሉ።

ነፍሲ ወከፍና ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽንሕልዎ ኣሎና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ኸም ዝገለጽዎ ኵላትና ሓጥኣን ኢና ፣ ኰይኑ ግና ንቕድሚት ክንስጕም ስለ እንደሊ ምስቲ ናብ ህይወትና ኺኣቱ ዚደሊ ድያብሎስ ክንቃለስ ኣሎና ። ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ ኣብዚ ውግእ እዚ ኸም ዝሕግዘና  ብምዝኽኻር ከአ "እቲ ብጥንቃቐ ክትሕልውዎ ዘሎኹም ኣታኽልቲ ወይኒ ከአ፣ መጀምርያ ገዛእ ርእስኹ፣ ደሓር ስድራቤትኩም፣ ደቅኹም፣ ከምኡ ከአ አብዚ ግራት ወይኒ ዝኾነ ሃገረ ቫቲካን ክርዳድ ከይበቑል ምክልኻል ኢዩ፣" ክብሉ ምሕጽንታኦም አቕረቡሎም።

ድያብሎስ ብምጥፋእ ኪዕወት ኢዩ ዝጽዕር

እቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ከም እንረኽቦ ብዛዕባ እኩያት ሓረስቶት አብ ዝዛረብ ምሳሌ፣ ድያብሎስ ንሓደ ነገር ክቆጻጸሮ ምስ ዚደሊ ከጥፍኦን ከዕንዎን ኢዩ ዝፈቱ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ መደምደምታ ንዅሉ ነገራት ንምጥፋእ ዚግበር ውግእ ረሳሕ ውግእ ምዃኑ  ድሕሪ ምግላጽ፣ እዚ ሜላ ናይቲ ንዅሉ ነገራት ብምጥፋእ ኪዕወት ዚጽዕር ድያብሎስ እዩ። ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ሚካኤል "ንኽንሰጎን ከነሸንፎን ይሕግዘና እዩ" ብምባል ስብከቶም ዛዘሙ።

10 Oct 2023, 17:23