ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምእንቲ ሰላምን፣ ምእንቲ ጉባኤ ሲኖዶስን ጸሎት አዕሪጎም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ወርሒ ጥቅምቲ ንቕዱስ ጸሎተ መቝጸርያ እተወፈየ ወርሒ ምዃኑ ብምዝካር፣ ንምእመናን ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ንኽሰፍን ኺጽልዩ ተማሕጸኑ፣ ነቲ አብ ጉባኤ ዝርከብ ዘሎ ሲኖዶስ ከአ ናብ መንፈስ ቅዱስ ከወፍይዎ ጻውዒቶም ኣቕረቡ።
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ድሕቲ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር አብ ዘስምዕዎ ቃል ምሕጽታ፣ ወርሒ ጥቅምቲ ንተልእኾ ወንጌልን ንጸሎተ መቑጸርያን እተወፈየ ምዃኑ አመልኪቶም ። ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር እተረኽቡ ምእመናን ድማ "ብኣማላድነት ድንግል ማርያም፣ ኣብተን ብውግእን ግጭታትን ዝጥቀሳ ዘለዋ ብዙሓት ሃገራት ሰላም ንኽወርድ" ከይደኽሙ ክጽልዩ ምሕጽንታኦም አቕረቡሎም።
ብፍላይ ከአ ነታ ብብዙሕ መከራ እትሳቐ ዘላ ዩክረይን ዘክርዋ ክብሉ አተባብዕዎም።
ንሲኖዶስ ብጸሎት ምስናዩ
ቅዱስ አቦና ንዅሎም እቶም ነቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ብንቅሓት ዝከታተልዎ ዘለዉን፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ነዚ ጉባኤ እዚ ብጸሎቶም ዜሰንይዎ ዘለዉ ምእመናንን ነዚ አጋጣሚ ተጠቂሞም አመስገንዎም።
ነዚ አብ ኪደት ዘሎ ሲኖዶስ "ከም ናይ ቤተክርስቲያን ሓደ አጋጣሚ ብመንፈስ ጽን ናይ ምባልን፡ ምክፍልን፡ ሕውነታዊ ሓድነትን” ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፣ ንዅሎም ምእመናን ድማ "ንዕዮ ናይዚ ሲኖዶስ ናብ መንፈስ ቅዱስ ከወፍይዎ" ጻውዒት አቕረቡ።
09 Oct 2023, 15:46