ድለ

ር. ሊ. ጳ. አብ መኽፈቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ንሲኖዶስ - ምስ መንፈስ ቅዱስ ንጕዓዝ ኢሎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መኽፈቲ ቅዳሴ ናይ ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት መሪሖም፣ አብቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ፣ ቅዱስነቶም አብ ዘስምዕዎ ቃል አምላኽ ንምእመናን “ብተኣማነትን ሓጐስን” ምስ መንፈስ ቅዱስ ክጕዓዙ ዕድመ አቕረቡሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳስት ንምኽፋት ዝዓተገ መስዋዕተ ቅዳሴ በቲ “ውዳሴ ለመንግስቱ” ዝብል ጥንታዊ ናይ ስርዓት ላቲን ዝማሬ በቲ እተመሓየሸ ሕታሙ ብምዝማር ጀሚሩ፣ በዚ ጸሎት ድማ በረኸትን ሓልዮት አምላኽን አብ ለዕሊ ቤተክርስቲያንን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን፣ ጳጳስትን ከምኡ ውን ኣብ ልዕሊ እቲ ብሕድሪ እተዋህቦም መላእ መጓሰኦምን፣ በርገሳውያን መራሕትን አብ ልዕሊ ኩሎም ሰብኡትን አንስትን ሰብ ጽቡቅ ድላይ ክወርድ ተማህሊሎ።

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ቃል አምላኽ፣ ነቲ ኢየሱስ አብ ምድራዊ አገልግሎቱ ዘጓነፎ "ጽንኩር እዋን" አብ ናይ ዕለቱ ንባብ ቃል ቅዱስ ወንጌል ብምምርኳስ ዘኪሮም ። ቅዱስነቶም አብ ስብከቶም "ኣብቲ ናይ ተነጽሎ እዋን ኢየሱስ ክንየው አሳጊሩ ኪርኢ ዚኽእልን ብምስትዓትል ይጥምት ክንዲ ዝነበረን፣ ነቲ ጥበብ ናይ ኣቦ ክውድስ ይርከብ፣ ከምኡ ውን ነቲ ብስውር መንገዲ ዝዓቢ ዝነብረ ሰናይ ዝኾነ ነገር፣ ነቲ እቶም ትሑታት ሓንጐፋይ ኢሎም እተቀበልዎ ሰናይ ዘርኢ ቃል አምላኽ ክርእን፣ ከምኡ ውን ብለይቲ ነቲ መገዲ ዜርኢ  ብርሃን መንግስቲ ኣምላኽ ከለልን ይኽእል ነይሩ" በሉ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና "ብሰብኣዊ ዝኾነ ውጥናትን ብፖለቲካዊ ቐመርን ወይ ብስነ-ሓሳብ ዝግበር ክርክራትን ዝቘመ ባህርያዊ ናይ ምርኣይ ክእለት ኣየድልየናን ኢዩ"፣ ኣብ ክንዳኡስ ይብሉ ቅዱስነቶም "ከምቲ ንኣቦ ዚባርኽን ንዝደኸሙ ዀነ ንጭቁናት ዝቕበል ኢየሱስ፣ ሓቢርና ክንጕዓዝ ኢና አብዚ ተረኺብና ዘሎና"።

ዚባርኽ ጥመተ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ኢየሱስ ተነጽሎን ምንጻግን እዃ እንተ አጓነፎ "ብጓሂ ኺእሰር " ኣይፈቐደን ፣ ኣብ ክንዳኡስ ናብ ኣቦ እዩ ዝጠመተ ፣ በዚ ኸምዚ ድማ " ኣብ ማእከል ማዕበል እውን ከይተረፈ ህድእ ኢሉ ይነብር  ነይሩ። "

ጉይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ንተግባራት ኣምላኽ እትምርምርን ነቲ አብዚ ዘመን እዚ ዘሎ ህሉው ኵነታት እተስተውዕልን ቤተ-ክርስትያን ክንከውን ይዕድመና ከም ዘሎ ገለጹ፣ “ቤተ-ክርስትያን ነዚ ሎሚ ዘሎ ብድሆታትን ጸገማትን ብምክፍፋልን ባእስን ዘይኮነ እትቃለሶ፣ እኳ ደአ ብኣንጻሩ ኣዒንታ ናብቲ ሕብረት ዝኾነ ኣምላኽ ኢያ እተተኵር፣ ብኣኽብሮትን ብትሕትናን ከኣ ንኣኡ ጥራይ ከም እንኮ ጐይታኣ ገይራ ትቕበሎን ትባርኾን ተኽብሮን ኢያ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብቲ ር.ሊ.ጳ. በነዲክት መበል 16 ዝብለዎ ብምጥቃስ እዚ ሲኖዶስ ገጢምዎ ዘሎ "መሰረታዊ ሕቶ" ነቲ ኣምላኽ ዝተዛረቦ "ንድሕነት ናይዚ ዘመን እዚ ሕዝቢ ምእንቲ ክኸውን ከመይ ጌርና ኢና ነቲ ሓቂ ኽንገልጸሎም እንኽእል?" ዝብል ምዃኑ ገለጹ።

ሓንጎፋይ ኢሉ ዝቕበል ጠመተ ክርስቶስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "ኣብ ኩሉ ምድራዊ ህይወቱ" በቲ ናይቲ አቦ ዝኾነ እግዚአብሔር ኣምላኽ ጠመተ ጌሩ "ናብቶም ድኹማትን፣ ሰብ ስቓይን፣ እተደርበዩን" አቢሉ ይጥምት ነበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አስዒቦም - "እዚ ሓንጐፋይ ኢሉ ዝቕበል ጠመተ ናይ ኢየሱስ ንሕናውን ከምኡ ሓንጐፋይ ኢልና እንቕበል ቤተክርስትያን ክንከውን እውን ይዕድመና አሎ። በዚ ኸምዚ ድማ "ብዘይ ፍርሂ ንሓድሕድና ክንቀባበል" ዘኽእለና ውሽጣዊ ዝንባለን ድርኺትን ንኽንረክብ ኢዩ ዝጽውዓና።

ቀጺሎም ቅዱስነቶም "ኣብዚ ከም ህዝቢ ኣምላኽ መጠን ብሓባር እንገብሮ ዘለና ባህ ዘብል 'ምስ መንፈስ ቅዱስ ዝግበር ጕዕዞ' ምስ ጐይታ ሓድነትን ዕርክነትን ብምጥራይ ነቲ አብዚ ዘመን እዚ ዘጋጥመና ዘሎ ብድሆታት በቲ ናይ ኢየሱስ ጠመተ ጌርና ክንርእዮ ክንክእል ኢና" በሉ።

ኣስኣሰር ቅዱስ ፍራንቸስኮ ምስዓብ

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ አቦና ነቶም ህዝቢ ኣምላኽ ኣስኣሰር ቅዱስ ፍራንቸስኮ በዓል አሲዚ እዚ ሎሚ ዕለቱ እንዝክሮ ዘሎና ቅዱስ ክስዕቡ ጻውዒት አቕረቡሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኢየሱስ ንቅዱስ ፍራንቸስኮ "ኪድ እሞ ቤተ-ክርስትያነይ ሓድስ" ብምባል ዘቕረበሉ ጻውዒት ብምዝካር "እዚ ሲኖዶስ ውን ነዚ ኢዩ ዘዘኻኽረና ዝሎ - ኣዴና ቤተ-ክርስትያን ወትሩ ምንጻሕ የድልያ ኢዩ"፣ ቅዱስነቶም ቀጺሎም ንምእመናን ከአ ወትሩ "ኣጽዋር ወንጌል ማለት ትሕትናን ሓድነትን ጸሎትን ፍቕርን" ኢና ከነልዕል ዘሎና ብምባል ጻውዒቶም አቕረቡሎም።

ቦታ ጸጋን ድርገትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ ደጊሞም እዚ ሲኖዶስ "ፖለቲካዊ ምትእኽኻብ ዘይኰነስ  ብመንፈስ ቅዱስ እተጸውዐ ጉባኤ ኢዩ " ብምባል ከም ብሓድሽ ኣትሪሮም ብምግላጽ፣ “ወወገንካ ሒዝካ ዝግበር ባይቶ ዘይኰነስ ናይ ጸጋን ናይ ድርገትን ቦታ ኢዩ።"

"መንፈስ ቅዱስ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኻብ ትጽቢታትናን ኣሉታዊ ኣረኣእያናን ዚበልጽ ሓድሽ ነገር ንኽንፈጥር ንዘሎና ግምታት የዳኽሞ እዩ" በሉ። በዚ ኸምዚ ድማ ይብሉ ቅዱስነቶም "ነቲ ቀንዲ ቀላሲ አካል ንዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ገዛእ ርእስና ንኽፈተሉ። ብተኣማንነትን ብሓጐስን ድማ ምስኡ ንጉዓዝ፣” ብምባል ስብከቶም ዛዘሙ።

04 Oct 2023, 12:02