ር. ሊ. ጳ. ፦ ህይወት ቅድስቲ ጆሴፊን ባኪታ ጸጋ ኣምላኽ ይገልጽ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ ዘቕረብዎ አስተምህሮ - "ሰይንት ጆሴፊን ባኪታ ብኣብነታ ኣብ መወዳእታ ካብ ባርነትን ፍርህን ናጻ እንዀነሉ መገዲ አርእያትና፣ ንግብዝናን ስስዐናን ንምቕላዕ፣ ቂምን ግጭታትን ንምስናፍ፣ ምስ ገዛእ ርእስና ንምትዕራቕ ከምኡውን ኣብ ስድራቤትናን ማሕበረሰብናን ሰላም ንምስፋን፣ ከምኡውን "ኣብዚ ዘይምትእምማንን ምጥርጣርን ዝመልኦ ጽንኩር እዋን ብርሃን ተስፋ እተብርሃትልና ኢያ።"
ቅዱስ አቦና ነዚ መዘኻኸሪ እዚ ኣብቲ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 11 ጥቅምቲ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተስ ክርስቶስ ብዛዕባ እቶም ሓዋርያዊ ቅንኣት ዘንጸባርቑ አብነታውያን ናይ ቤተክርስቲያን ሰባት ብተኸታታሊ አብ ዝገብርዎ ዘለዎ አስተንትኖ፣ ሎሚ ውን ዳግም ናብ ሃገረ ሱዳን ምልስ ብምባል ብዛዕባ እታ ሱዳናዊት ቅድስቲ ባኪታ አብ ዝገበርዎ አስተንትኖ ኢዩ ዝነበረ።
'ምእንቲ ህዝቢ ሱዳን ንጸሊ'
ቅዱስነቶም ቀጺሎም መበቈል ዓዲ ቅድስቲ በኪታ አብ ሃገረ ሱዳን ምዃኑ ብምዝካር፣
"እቲ ዘሕዝን ግን ሕዝቢ ሱዳን ንኣዋርሕ ዝኣክል በቲ ሎሚ ብዙሕ ዘይዝረበሉ ዘስካሕክሕ ዕጥቃዊ ግጭት ተበታቲኑ ይርከብ አሎ። ስለዚ ምእንቲ ሕዝቢ ሱዳን ብሰላም ኺነብሩ ንጸሊ!" ክብሉ ተማሕጺኖም።
ይኹን እምበር እዚ ዅሉ ስቓይ እናሃለወ ኽነሱ ቅዱስ አቦና ከም ዝገለጽዎ ዝና ቅድስና ቅድስቲ ባኪታ ንዅሉ ዶባት ሰጊሩ ንዅሎም እቶም መንነቶምን ክብረቶምን እተኸልከሉ ሰባት ከም ዝበጽሖም ብኣጽንዖት መስኪሮም።
ክንገር ዘይከአል መከራ እናሃለዋ ክነሳ ተስፋ ግን ኣይቈረጸትን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ አስተምህሮኦም ቅድስቲ ጆሴፊን ባኪታ ኣብ ዳርፉር ሱዳን ከም እተወልደት ድሕሪ ምዝካር፣ ብቝልዕነታ ከላ ተጨውያ ናብ ባርነት ከም እተሸጠት ገለጹ ። ዓመጽን ዜስካሕክሕ ስቓይን እኳ እንተ ኣሕለፈት፣ ተስፋ ኸም ዘይቈረጸት ድማ ኣዕሚቖም አስተንተኑ ።
ቅዱስ ኣቦና እቲ እተቐበለቶ መስቀል ብኸመይ ከም ዘጽንዓ እንክገልጹ፣ ሓደ መዓልቲ እቲ ዋናኣ ሓደ ንእሽቶ መስቀል ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሃባ፣ ቅድስቲ በኪታ ከአ እታ ዋላ ሓንቲ እኳ ናተይ ትብሎ ዘይነበራ፣ ነዚ መስቀል እዚ ከም ሓደ ዓቢይን ክቡርን መዝገብ ግይራ ዓቀበቶ።
ቅድስነቶም አስዒቦም ኣብ መስቀል ክርስቶስ ምንጪ ናይቲ ከም ደቂ ኣምላኽ መጠን ዝተዋህበና ክብረት እተረጋግጸልና ምሕረተይና ፍቕሪ ረኺባ፣ " እዛ ፍቕሪ እዚአ ከአ " ናይ ሓቂ ሓርነት" ከም እተውህብን ከምኡውን "ነቶም ዝበደሉና ይቕረ ንኽንብለሎምን ንኸነፍቅሮምን" ከም እተኽእለና አጸቢቓ ተረድአት ክብሉ አስተምሃሩ።
ገዛእ ርእሳ ንክርስቶስ ወፈየት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት አስፊሖም ከም ዝገለጽዎ ተመኵሮ ምሕረትን ይቕሬታን ንቅድስቲ ባኪታ ብህይወት መብጽዓ ገዛዕ ርእሳ ንክርስቶስ ክትውፊ ኸምኡውን ኣብታ ሓዳስ ሃገራ ኢጣልያ ብትሕትናን ብዘይ ስስዐን ንኻልኦት ንኸተገልግል ከም ዝደረኻ መስከሩ ።
ህይወት ቅድስቲ ጆሴፊን ባኪታ እንክዝክሩ ቅዱስነቶም "ጸጋ ኣምላኽ ንህይወት ደቂሰባት ንምቕያር ዘለዎ ሓይሊ ከም ዝገለጸትን፣ ግጭታት ንምፍታሕ ከምኡውን ኣብዚ ግዜና ኣዝዩ አድላዪ ዝኾነ ፍትሕን ዕርቅን ሰላምን" ንምምጻእ አብነት ምዃና ገለጹ።
አድላይነት ይቕሬታን ሰላምን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ መደምደምታ "ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ይቕረ ምባል ንወድሰብ ክብሪ ይውስኾ ደኣ እምበር ካልእ ዘጕድለሉ ነገር የብሉን ። ካብ ርእስና ወጺእና ናብ ካልኦት ከም እንጥምት ይገብረና፣ ከምኡ ከአ ንኻልኦት ወትሩ ከም ገዛእ ርእስና ተነቀፍቲ ጌርና ንኽንርእዮምን፣ ብጐይታ ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ዝኾና ክንርዳእን ይገብረና፣" በሉ።
አብ መውዳእታ ድማ "ይቕረታ ምንጪ ናይቲ ከም ናይ ቅድስቲ ባኪታ ዝመሰለ ትሑትን ሕጉስን ቅድስና ንምርካብ ዝግበር ቅንኣት ኢዩ" ክብሉ አስተምህሮኦም ዛዚሞም።