ር. ሊ. ጳ. ኣብ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ሰላም ንኽወርድ ጸልዮም፣ 'ኵሉ ውግእ ስዕረት ኢዩ!' በሉ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ዕለት 08 ጥቅምቲ ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር አብ ዘስምዕዎ ቃል ሰላምታን ቡራኬን፣ "በጃኹም ነቲ መጥቃዕትን ኣጽዋርን ደው ኣብሉ፣ ግብረ-ሽበራን ውግእን ናብ ዝዀነ ይኹን ፍታሕ አየብጽሕን ኢዩ፣ ናብ ሞትን መከራን ናይ ብዙሓት ንጹሃት ሰባት ጥራይ ኢዩ ዘብጽሕ" ክብሉ ብትሪ ምሕጽንታኦም አቕሪቦም።
"ውግእ ወትሩ ስዕረት እዩ! እወ ብሓቂ ኵሉ ውግእ ስዕረት እዩ!" ክብሉ ውን ብትሪ አጠንቒቖም።
ቅዱስ አቦና አብ ምሕጽንታኦም፣ "ብብርቱዕ ጓህን ሓዘንን" ነቲ ኩነታት ይስዕብዎ ኸም ዘለዉ ገሊጾም፣ ኣብዚ ቐረባ ግዜ በቲ ካብ እስራኤል እተላእከ ዜና ኸኣ "ዓመጽ እናገደደ ብምኻዱ በኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ሞይቶምን ከቢድ ጕድኣት ወሪድዎም ከም ዘለሎ" ሰሚዕ ኣሎኹ በሉ።
ንስድራ ቤታት እቶም ግዳያት ዘለዎም ድንጋጸ ውን ገሊጾም፣ ምእንታኦምን ምእንቲ እቶም አብ ራዕድን ጓህን ሓዘንን ዝርከቡ ዘለዉ ኸኣ ይጽሊ አሎኹ ክብሉ አመልከቱ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅሎም ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ምእምነት ከአ ኣብ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ሰላም ኽወርድ ክጽልዩ ተማሕጸንዎም ።
ኣብ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዝፍጸም ዘሎ ዓመጻ
ዝሓለ ቀዳም ዕለት 07 ጥቅምቲ ወተሃደራት ፍልስጥኤም ዝኾኑ ጉጅለ ሓማስ፣ ኣብ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ምስ ፈነዉ፣ ብኣማኢት ዚቝጸር ሮኬት ብምትኳስን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ብምውራድን፣ ኣብታ ቕድስቲ መሬት ሃደበታዊ ሓድሽ ዓመጻ ተባሪዑ ይርከብ አሎ።
ሃገረ እስራኤል ብኡንብኡ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከም ግብረ መልሲ ፈነወት፣ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ከኣ፣ እታ ሃገር ኣብ ውግእ ከም ዘላ እዋን ህጹጽ አዋጅ አወጁ ።
ዘይተረጋገጸ ጸብጻባት ከም ዚሕብሮ፣ ኣብ ደቡባዊ እስራኤልን ኣብ ገማግም ጋዛን ልዕሊ 400 ፍልስጥኤማውያን ተቐቲሎም፣ ብዙሓት ከኣ ተታሒዞም ይርከቡ አለዉ። ብመሰረት ገሊኡ ናይ እስራኤል ምንጭታት ከም ዝሕብሮ፣ 300 ዝዀኑ እስራኤላውያን ከም እተቐትሉ ብዙሓት ድማ ከም እተጨውዩ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ላቲናዊ ፓትርያርክ እቲ ውግእ ክሃድእ ጸዊዖም
አብ እስራኤል ላቲናዊ ሥርዓት ናይ እትኽተል ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ፒሳባላ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ብብርቱዕ ጓህን ሃዘንን - "እቲ ፍልስጥኤማውያንን ስድራቤታት እስራኤልን ክረዳድኡሉ ዘለዎም ብዙሕ ጉዳያትን ዘሕዝን ፍጻመታትን ዝያዳ ጽልእን ምክፍፋልን ክፈጥር ኢዩ፣ ከምኡ ውን ንዝዀነ ይኹን ናይ ርግኣትን ሰላምን ኩነት ድማ ዘዕኑ ኢዩ።" እንክብሉ ነቲ ዘሎ ኵነታት ገሊጾም።
በዚ መግለጺ እዚ ድማ ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብን ንመራሕቲ ሃይማኖታትን "ነቲ ዅነታት ንምዕራይን ህድኣት ንምምላስን ከምኡውን መሰረታዊ መሰላት ናይቶም ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ዘለዉ ሰላማውያን ሰባት ንምርግጋጽ ዝከኣሎም ኵሉ ኽገብሩ" ጻውዒት ኣቕረቡሎም።
አብዚ ግጭት እዚ ፍታሕ ከም ዜድሊ
እዚ መንበረ ፓትርያክ ላቲናዊ ሥርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን አብ ኢየሩሳሌም ንዅሉ እቲ ኣብታታት ቅድስቲ መሬት፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ ቅዱስ ቦታታት ብዝምልከት "ህልዊ ኹኔታኡ" ምዕቃብ ኣድላዪ ምዃኑ አትሪሮም ገሊጾም፣ ከምኡውን "ነቲ ኣብታ ሃገር ተኸሢቱ ዘሎ ግጭት ፍልስጥኤምን እስራኤልን ነባርን ንኹሉ ዘማእከለን ፍታሕ ምርካብ ኣድላዪ ኢዩ።" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
እቶም ፓትርያርክ አብ ዘቕረብዎ መግለጺ፣ ኣምላኽ "ንየሩሳሌም ናይ ዅሎም ህዝብታት ቤት ጸሎት ምእንቲ ኽትከውንን፣መራሕቲ ዓለም ሰላምን ስምምዕን ኣብ ምስፋን ጣልቃ ምእንቲ ንኺኣትዉ ንጽሊ" ብዚብል ጸሎት መግለጺኦም ዛዚሞም።