ር. ሊ. ጳ. አብ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር፦ ቅድስቲ ድንግል ማርያም መማሰውቲ ክንከውን ትሓግዘና
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ንባብ ወንጌል ምርኩስ ብምግባር፣ ብዛዕባ እቶም እኩያት ሓተስቶት አታኽልቲ ወይኒ ዝገልጽ ምስላ ጠቒሶም "መማሰውቲ ዘይምዃኖም ኣብ ኣእምሮ እቶም ሓረስቶት ስሱዕ ሓሳባትን ከም ዘሕደረን፣ ፍረ ዕዮና ንዓና ጥራይ ኢዩ ዝግባእ" ዝብል ክፉእ ሓሳብ ከም ዘስረጸሎምን አስተምሃሩ።
ነታ ስፍራ ኣታኽልቲ ኣብ ክንዲ ዚከናኸንዋን፣ ነቲ ምህርቲ ምስቲ ዋና ግራንት ኣብ ክንዲ ዝካፈልዎን፣ ኵሉ ነገር ንርእሶም ክገብርዎ ክንዲ ዝሓለኑ፣ ንገላዉ እቲ ጐይታ ኪገፍዕዎምን ኣብ መወዳእታ ኸኣ ንወዱ ክሳብ ምቕታል ከም ዝበጽሑ አስተምሂሮም።
ዘይምስጋን ወይ ሞሳ ዘይምምላስ ናብ ዓመጻ ይመርሕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እዛ ምስላ እዚአ ከስተንትኑ ኸለዉ፣ እቶም ሓረስቶት "ስለ እቲ እተቐበልዎን ንዝተገብረሎም ሠናይን ኵሉ ኬማስዉሉ ይግባእ ነይሩ፣ ኣብ ክንዳኡስ እቲ አመስገንቲ ዘይምዃኖም ስሱዓት ገበሮም፣ ኣብ ውሽጦም ድማ ተቓውሞን ዕልወትን እናወሰኸ ከም ዝኸይድ ገበሮም፣ በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ዅነታት ብቔናን መገዲ ኸም ዝርእይዎ ኾኑ። በዚ ከምዚ ድማ ነቲ ዋና ግራት ግቡኡ ክህብዎ ዝግባእ ክንሱ፣ ተመሊሶም ንሱ በዓል ዕዳኦም ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ገበሮም።"
በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ይብሉ ቅዱስነቶም "ሰብ መገስ ምዃኖም ተሪፉስ፣ ቀተልቲ ኮይኖም ተረኽቡ" ክብሉ አስተንትኖኦም ቀጸሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣስዕብ ኣቢሎም፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በዚ ምስላ እዚ አቢሉ፣ ሓደ ሰብ ንኹሉ ነገር ብገዛእ ርእሱ ይገብሮ ከም ዘሎ ብምሕሳብ ንርእሱ ምስ ዜታልልን፡ መማሰዊ ኮይኑ ምስ ዘይርከብን እንታይ ከጋጥሞ ከም ዝኽእል ኢዩ ዘስተምህረና ዘሎ ክብሉ ገለጹ። እዚ ዓይነት ባህርያት እዚ ናብ ዘይምዕጋብ፡ ዘይምርድዳእ፡ ቂም፡ ከምኡውን ናብ ዓመጻ ክመርሕ ከም ዝኽእል ቅዱስነቶም አስፊሖም ገሊጾም። "እወ ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ዘይምምሳው ዓመጻ እዩ ዜፍሪ ። 'የቐንየለይ፡ አመስግነካ አሎኹ' ምባል ቀሊል ነገር ክንሱ ሰላም ኬምጽእ ይኽእል ከአ እዩ!"።
'የቐንየለይ' ንምባል ምልምማድ
ህይወትን እምነትን ከምኡ ውን ገዛእ ርእስና ከይተረፈ ኩሉ እቲ ዘለና “ካብ ጸጋ አምላኽ...” ምዃኑ ብምርዳእ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ዝተዋህበና ጸጋ ምልስሽ ብምሃብና፣ ከመይ ቢልና ምስጋና ከም እነቕርብን “ተመስገን” ምባልን ንለማመድ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ አብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዘቕረብዎ አስተንትኖ አብ ምዝዛም “እታ ነፍሳ ንእግዚአብሔር ዘዕበዮን ዝባረኾን፡” ድንግል ማርያም “ስለቲ መዓልታዊ አብ ልባትና ዝበርህ ብርሃን አምላኽ ከነምስግን ትሓግዘና” ቢሎም ብምጽላይ አስተንትኖኦም ዛዚሞም።