ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በማላድነት ኣርጀንቲናዊት ብጽእቲ ዝተጸገወ ተኣምር ኣጽዲቖም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በማላድነት ኣርጀንቲናዊት ብጽእቲ ዝተጸገወ ተኣምር ኣጽዲቖም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በማላድነት ኣርጀንቲናዊት ብጽእቲ ዝተጸገወ ተኣምር ኣጽዲቖም

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣርጀንቲናን ኣብ ካልኦት ከተማታት እታ ሃገር ንዝነበሩ ድኻታት ኣብ ምግልግላ ተዋፊራ ብመሰረት ቅዱስ ኢግናጺዮስ ዘሎዮና መፍነሳዊ ባህሊ ኣብ ኣገልግሎት መንፈሳዊ ሱባኤ ተዋፊራ ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ቤተ ክርስቲያንን ከም ዘገልገለት

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ጥቅምቲ ኣርጀንቲናዊት ብጽእቲ ማሪያ ኣንቶኒያ ዘቅዱስ ዮሴፍ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ንኽትብላ ዘብቅዕ በማላድነታ ዝተረኽበ ተኣምር ኣፍልጦ ብምሃብ ናይ ቅድስና ኣዋጅ ሰነድ ከም ዘጽደቑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 24 ጥቅምቲ ድሕሪ ቐትሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ማርቸሎ ሰመራሮ ተራኺቦም ብጹዕነቶም ብዛዕባ እቲ በማላድነት ብጽት እናተ ማሪያ ኣንቶኒያ ዘቕዱስ ዮሴፍ እግዚኣብሔር ዝጸገዎ ተኣምር ዝገልጽ ንዘቕረቡሎም ናብ ቅድስና ዘብጽሕ ሰነድ ተረኪቦም ይኹንታ ከም ዝሃቡሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጽእቲ እናቴ ማሪያ ኣንቶኒያ ዘቅዱስ ዮሴፍ  ኣብ 173 ዓ.ም. ኣብ ኣርጀንቲና ኣብ ዞባ ሳንቲያጎ ደ ኤስተሮ ኣብ እትርከብ ከተማ ሲሊፒካ ከም እተወልደት ኣዘኻኺሩ፥ ኣብ ኣርጀንቲና ርእሰ ከተማ ቡወኖስ ኣይረስ ቤት መንፈሳዊ ሱባኤ ዝመስረተትን ዕለት 7 መጋቢት 1799 ዓ.ም. ኣብ ሰማይ ቤት ከም ዝተወልደትን ኣመላኺቱ፥ ድሕሪ ምስጓግ ካህናት ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣርጀንቲናን ኣብ ካልኦት ከተማታት እታ ሃገር ንዝነበሩ ድኻታት ኣብ ምግልግላ ተዋፊራ ብመሰረት ቅዱስ ኢግናጺዮስ ዘሎዮና መፍነሳዊ ባህሊ ኣብ ኣገልግሎት መንፈሳዊ ሱባኤ ተዋፊራ ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ቤተ ክርስቲያንን ከም ዘገልገለት የመላኽት።

25 Oct 2023, 15:18