ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ መንጎ ኣዘርባጃንን ኣርመንያን ዘተ ክካየድ ጻውዒት ኣቕሪቦም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣርመንያውያን ካብቲ ናይ ይግብኣኒ ሕቶ ኮይኑ ካብ ዝሎ ዞባ ናጎርኖ - ካራባኽ ተፈጥሩ ብዘሎ ግጭት ምኽንያት ኣብ ዝሃድምሉ ዘለውሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ኣዘርባጃይንን ኣርመንያን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ምእንቲ ሰላም ክሽምግል ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ ስተፓንከርት ብዝተፈጸመ ፍንጀራ ግዳያት ንዝኾኑ ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ናጎርኖ - ካራባክ ዝተመዛበሉ ኣርመንያውያን ዘጋጠመ መዓታዊ ኩነታት ይከታተልዎ ከም ዘለዉ ብምግላጽ ኣብ መንጎ ኣዘርባጃንን ኣርመንያን ፖለቲካዊ ዘተ ክካየድ ዘቕረብዎ ጻውዒት፡ ዕለት 1 ጥቅምቲ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ብምቕራብ፥ “ኣብ መንጎ ኣዘርባጃንን ኣርመንያን ዘሎ ውጥረት ንምፍታሕ ብደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም ዘተ ክካየድ ኣገዳሲ እዩ፡ ማሕበርሰብ ዓለም ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው መወዳእታ ዝገብር ነባሪ ስምምዕ ክድግፍ ተስፋ ብምግባር፡ ደግሚ ዘተ ክካየድ ዝብል ጻውዒተይ አሐድስ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ እቶም ናይቲ ግጭት ተዋሰእቲ መራሕቲ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ዝተፈረመ እውን እንተኾነ ብኣዘርባጃን ዝምራሕ ኣብቲ ማእከል ናይ ይግብኣኒ ሕቶ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ናጎርኖ - ካራባክ ዝተፈጸመ መብረቓዊ መጥቓዕትን በቲ ኣብቲ ከባቢ ዝፍጸም ዘሎ ግጭት ምኽንያት ሕጂ እውን ኣርመናውያን ንኽስደዱ ይግደዱ ምህላዎም ኣመላኺቱ፥ ሰብ መዚ ኣርመንያ ልዕሊ 100 ሺሕ ሰባት ካብቲ ከባቢ ናብ ኣርመን ከም ዝኣተዉን እዚ ድማ ልዕሊ 80 ሚእታዊ ካብ ህዝቢ ኣርመንያ ናይቲ ከባቢ ዝሽፍን ከም ዝኾነ ገሊጾም፥ ክልቲኦም ወገናት ብመጥቓዕቲ ህልቂትን ካልኦት ግፍዕታትን ንሓድሕዶም ይካሰሱ ምህላዎምን ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ጎንጺ ከም ዝርከቡን ኣብ ታሕሳስ 2023 ዓ.ም. መንግስቲ ኣዘርባጃን ነቲ ንናጎሮ - ካራባክ ምስ ኣርመንያ ዘራኽብ እንኮ ጽርጊያ ላቺን መተሓላልፎ መንግስቲ ኣርመን ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣረማውያን ዕጡቓት ሓይልታት ኣጽዋር ንምቕራብ ይጥቀመሉ እዩ እንክብል ክሲሱ ከም ዝዓጸዎ የዘኻኽር።
ጸሎት ምእንቲ እቶም ኣብ ስቴፓናከርት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምቢ ግዳያት
ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ኣብ ናጎርኖ - ካራባክ ብጭቡጥ ኣብታ ናይ ኣርመንያ ርእሰ ከተማ ስቴፓናከርት ዝተፈጸመ ናይ ተፈንጃሪ መጥቓዕቲ፡ ብሓቂ ዘሕዝን ምዃኑን ብዙሓት እውን ግዳያት ከም ዝኾኑን ምእንቲ እቶም ግዳያት ክጽለ ሓቲቶም፥
ኣብ ጥቓ ከተማ ስቴፓናከርት ኣብ ዝርከብ መኽዘን ነዳዲ ብዝተፈጸመ ናይ ተፈንጃሪ መጥቓዕቲ ንዝተጎድኡ ጸሎተይ ኣረጋጋግጽ!
ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥ በቲ ፍንጀራ ብውሑድ 170 ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 290 ዝቖሰሉ ናብ ኣባይቲ ሕክምና ከም እተወስዱን በቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ብዝተገብረ ዕጽዋ ኣብቲ ከባቢ ከቢድ ሕጽረት ኣገልግሎት ሕክምንን ሕክምናዊ ናውቲ ኣጋጢሙ ምህላውን ኣብዚ ሕጂ እዋን ገለ ካብቶም ዝቖሰሉ ብሄሊኮፕተር ናብ ኣርመንያ ከም እተወስዱን ናይቲ ዕለት 25 መስከረም ዝተፈጸመ ፍንጀራ እንታይ ምዃኑ ዛጊት ንጹር ከም ዘይኮነ የመላኽት።