ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ ነቲ ኣምላኽ ዘቕርበልና ዕድመ ናብ ሓጐስን ሕብረትን “ሕራይ” ኢልና ንቀበሎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት ቅድሚ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ምምርሖም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል አምላኽ፣ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንዅሉ ሰብ ዝዕድመሉ ናይ መርዓ ጽምብል ኣስተንተኑ፣ ነዚ ዕድመ እዚ ንኽንቅበሎ ወይ ንኸይንቕበሎ ዘሎና ናጽነት ድማ ገለጹ ። ናብ ዘለኣለማዊ ሓጐስን ምስኡ አብ ሕብረት ምእንቲ ኽንኣቱ "ሕራይ" ኽንብልን ወትሩ ኣብ ህይወትና ንኣምላኽ ቦታ ኽንህቦን የተባብዑና።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ሰንበት ዕለት 15 ጥቅምቲ ንጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተአኪቦ አነበሩ ነጋድያንን በጻሕትን ሰላምታ ድሕሪ ምቕራቦም፣ አብ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ተመኲሶም፣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርቶስ ብዛዕባ እቲ ንሓደ ንወዱ ጽንብል መርዓ ዜዳለወ ንጉስ እሞ ካልኦት ሰባት ኣብ ሓጐሱ ንኺካፈሉ ብልግሲ ዕድመ ዘቅረበሎም ምሳሌ ብምጥቃስ አስተንትኖ ቃል አምላኽ አስሚዖም። እቲ ንጉስ ንዋላ ሓደ ሰብ ኣብቲ መርዓ ንኽሳተፉ አየገደደን፣ የግዳስ ሰባት ነቲ ዕድመ ኪቕበልዎ ወይ ከይቅበልዎ ንኺውስኑ አብ ነጻነቶም ብምግዳፉ ክሳብ ክንደይ ሰናይን ህያዋይን ምንባሩ ኣርኣየ ።

 ኵሉ ሰብ ዕዱም ኢዩ

"ኣምላኽ ምስኡን አብ ነሓድሕድናን እንሓብረሉ ጽንብል ኢዩ ዜዳልወልና። ስለዚ ኣምላኽ ንዅላትና ደቅሰባት ዕድመ ኣቕሪቡልና ኣሎ" በሉ ቅዱስነቶም።

ኣብቲ መርዓ ንምስታፍ ግዜናን ቈራጽነትናን ዝሓትት ምዃኑን፣ ነቲ ብነጻነት እንቕበለሉ ናትና “ሕራይ” ምባል ከም ዘድሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት የመልክቱልና ። እቲ ኣቦ-መርዓዊ ዘቕርበልና ከምዚ ዝኣመሰለ ሕብረት፣ ግዙኣት ከም ዝኾና ዘይኮነ የግዳስ ንሱ ኣቦ ምዃኑን ንሕና ድማ ውሉዱ ምዃንና ዝገልጽ ኢዩ፣ ከመይሲ "ኣምላኽ ዕድመ የቕርበልና ደአ እምበር፦ ፈጺሙ ተጽዕኖ አይገብረልናን እዩ" በዚ ኸምዚ ከአ "ንናጽነትና ምሉእ ብምሉእ የኽብሮ እዩ" በሉ አብ አስተምህሮኦም ቅዱስ አቦና።

ኣምላኽ ዘቕረቦ ኽፉት ዕድመ

ገሊኦም ኣገልገልቲ ነቲ እቲ ንጉሥ ዘቕረበሎም ናይ መራአ ዕድመ ኸም ዝኣበዩ ወይ ከኣ ናይ ባዕሎም ጉዳይ ክገብሩ ነቲ ዕድመ ዕሽሽ ከም ዝበሉ ዚገልጽ ምሳልያዊ ዛንታ ብምዝካር ቅዱስ አቦና፣ ሰባት ነቲ ኣምላኽ ዘቕርበሎም ዕድመ "ኣይፋል" ኪብሉ ኸለዉ ክበድን ርዝነትን ናይዚ ኩነት አመልኪቶም። እንተዀነ ግን ኣምላኽ ብኣንጻሩ ነዚ ምእባይ እዚ ዝሃቦ ምላሽ ብዓብዪ ትዕግስትን ክፉት ልብን ነቲ ጻውዒት ብምሕዳስ ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አስፊሖም ገለጹ ።

"አምላኽ፣ እቲ ኣቦ ዝዀነ ንጉሥ፣ እንታይ እዩ ዝገበረ? ኣይሕለልን ኢዩ፣ ቀጺሉ ደጊሙ ዳጋጊሙ ኢዩ ዝዕድም፣ ነቶም ዝቅበልዎ ካብ መንጎ ድኻታት ክሳብ ዝረኽቦም ነቲ ዕድመ ገና የስፍሖ ኢዩ"

ናተይ መልሲ እንታይ ኢዩ?

ነቲ ኣምላኽ ዘቕረበልና ዕድመ ብዘይምርኣይ ወይ ብዘይምስማዕ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ጕዳያት ከነተኵር ከም እንኽእል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓቢሮም፣ ንአምላኽ ዝከውን ናጻ ግዜ ክንረክብ አሎና - "ሓራ ዘውጽኣና ግዜ ንምርካብ - ንልብና ዘቃልለልናን ዘሕውየናን፡ ሰላምን ምትእምማንን ሓጐስን ዝመልአና፡ ካብቲ ክፉእን ፡ ካብ  ጽምዋን ትርጕሙ ምስኣንን እንድሕነትሉ ግዜ ክንረክብ አሎና።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ አስተምህሮኦም አብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንጐይታ ክንረኽቦ ግዜ ኽንህቦ አሎና፣ ቃል ኣምላኽ ክንሰምዕ ክንጽሊ ከምኡውን አብ ድኻታት ሕሙማት አብ ጽምዋ ዘለዉን ብምሕጋዝ አብ ግብረ ሰናይን ሕሉፍ ሓሊፍና እውን ንሓድሕድና ጽን ክንበሃሃልን ከም ዘሎና ገለጹ ። ነቶም ዚሳቐዩ ብምጽንናዕ ከኣ ምስቲ ኣብኣቶም ዝርከብ ጐይታ ክንራኸብ ንኽእል ኢና ክብሉ አስተምሃሩ ።

"እምበኣር ' ነቲ ዕድመ ናይ አምላኽ ብኸመይ ኢየ መልሲ ዝህበሉ?' ኢልና ንርእስና ንሕተት።"

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ንኣምላኽ ክንደይ ዚኣክል ቦታ ኸም እንህቦን ከምኡውን ነቲ ጐይታ ዘቕረበልና ዕድመ፣ ኣብ ክንዲ ነቶም እተሸገሩ ኣሕዋትና ብሕጋዝ ምላሽ እንህበሉ፣ ኣብ ጕዳያትና እምብዛ ነተኵር ከይንኸውን ገዛዕ ርእስና ክንምርምር ጻውኢት ኣቕረቡ ።

"እታ በቲ "ሕራይ" ምባላ ንኣምላኽ ቦታ ዝሃበት ድንግል ማርያም ነቲ አምላኽ ዘቅርበሎና ጻውዒት ጸማማት ከይንኸውን ትሓግዘና።" ብምባል አስተንትኖኦም ዛዘሙ።

ቅዱስ ቴሬዝ ናይ ቈልዓ የሱስን ቅዱስ ገጽን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ንምእመናን እታ ንቅድስቲ ተሬዛ ዘህጻነ ኢየሱስ እተወፈየት ሓዳስ ሓዋርያዊት ምዕዳን ትማሊ ሰንብት ዕለት 15 ጥቅምቲ ከም ዝተሓትመት ኣዘኻኸርዎም ።

ከምዚ ድማ በሉ - "ሎሚ እታ ንቅድስቲ ቴሬዛ ዘህጻነ ኢየሱስን ቅዱስ ገጽን እተወፈየት ሓዋርያዊት ምዕዳን ተሓቲማ አላ፣ እዛ ዓባይ ቅድስትን መምህር ናይ ቤተክርስቲያንን ከም ዝመስከረቶ ምሕረት ዝመልኦ ፍቕሪ ናብ ልቢ ጐይታን ወንጌሉን ዝመርሓና መንገዲ ኢዩ ። " በሉ ቅዱስነቶም።

17 Oct 2023, 09:26