ር.ሊ.ጳ. ንሰላም ኣብ ዓለምን ምእንቲ ሲኖዶስን ክጽለ ሓቲቶም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ጥቅምቲ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ወርሓ ጥቅምቲ ተልእኾ ወንጌል ናይ ጸሎትን ናይ ቅዳሴን ሓሳብ ምዃኑ ብምዝኽኻር፥ ተልእኾ ወንጌልን ኣብ ዩክሬንን ኣብ ኩሉ ኲናት ኣብ ዝካየደሉን ቦታታት ዝሳቐዩ ህዝብን ከምኡ እውን ሲኖዶስ፥ ናይ ጸሎትን ናይ ቅድሴ ሓሳብ ክኸውን ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ንኹሎም ኣብቲ ጸሎት ንዝሓበሩ፥ “ዕለት 1 ጥቅምቲ ናይ ጸሎት መቑጸርያን ጸሎት መእንቲ ተልእኾ ወንጌል ዘማእከለ ምዃኑ ብምዝኽኻር ምእንቲ ተልእኾ ወንጌልን ምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክረይንን ኣብ ኩሉ ውግእ ኣብ ዝካየደሉን” ንጸልይ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ኩሉ ሰብ ምስጢራት ክርስቶስ ምስ ማርያም ብሑባሬ ከስተንትንን ንቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ዘድልይ ነገራት ክተማልደልና ብምሕታት፥ ምእንቲ ሰላምን ስብከተ ወንጌል ንኣህዛብን ንጸሊ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ነቲ ረቡዕ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ዚጅምር ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ብምዝካር፥ “ብዛዕባ እዚ ካብ ዕለት 4 – 29 ጥቅምቲ ብዝካየድ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያንን ኣበው ሲኖዶስን ንጸሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።