ድለ

2023.10.01  Angelus 2023.10.01 Angelus  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ.፦ ንሓጥኣን ወትሩ ተስፋ ድሕነት ኣለዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ክርስቲያን ምእመናን ብዛዕባ ባህርያቶምን ጠባያቶምን ሓላፍነት ክወስዱን፣ ከምኡ ውን ብዛዕባ ጸገማቶምን ብድሆታቶምን ከኣ ምስ ኣምላኽን ምስ ገዛእ ርእሶምን ብቕንዕና ኪቐርቡ ከም እተጸዉዑ አስተንቲኖም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንኮስ ትማሊ ሰንበት ዕለት 01 ጥቅምቲ አብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር አብ ዘቕረብዎ አስተንትኖ ቃል አምላኽ  ክርስትያን ምእመናን ብዛዕባ ጸገማቶም ጕድለታቶም ድኽመቶምን ከምኡውን ካብቲ ንሕልናኦም ከጸልምቶ ዝኽእል ግብዝነትን ፈሪሳውነትን ክርሕቑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከአ ብቅንዕና ክቐርቡ ከም እተጸውዑ አስተትምሃሩ።

ቅዱስ አቦና ኣብቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድሚ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር አብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ካብ ወንጌል ማቴዎስ (ማቴ 21 28-32) ተበጊሶም ሓደ ኣቦ ነቶም ክልተ ደቁ ናብ ግራት ኣታኽልቲ ወይኑ ኸይዶም ኪሰርሑ ከም ዝሓተቶም ብምጥቃስ አስተንትኖኦም አቕረቡ።

ቅዱስነቶም ቅድሚ ብዛዕባ ጠያትን ባህርያትን እዞም ክልተ ደቂ ምስትንታኖም “እቲ ሓደ ካብዞም ክልተ ደቂ ፈለማ እምቢ ከም ዝበለን ድሕሪኡ ግና ደጊሙ ብምሕሳብ ተአዚዙ ኸደ፣ እቲ ኻልኣይ ግና ብኡንብኡ 'ሕራይ' ኢሉ እትንተ መለሰ እኳ፣ ደሓር ግና አይከደን፣” ክብሉ አዘኻኸርዎም።

አስዒቦም ቅዱስ አቦና ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ምዕያይ መስዋእትን ዝሓትት ምዃኑ ብምግላጽ ከምዚ በሉ - "እቲ ጸገም ምስቲ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ንኽሰርሑ ዘለዎም ምእባይን ሕራይ ምባልን ዘኮነስ፣ እቲ ምስ ኣቦኦምን  ምስ ገዛእ ርእሶምን ዘለዎም ቅንዕና ወይ ሸለልትነት ዝምዘን ምኹኑ ኢዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም አብ አስተንትኖኦም እቲ ሓደ ወዲ ኺሕሱ ኸሎ እቲ ሓደ ግን እምቢ ብምባሉ ጌጋ ጌሩ እኹን ውምበር ቅኑዕ ምዃን መሪጹ፣  እቲ ሓደ ውሉድ ግና ፍቓድ ኣቦኡ ኺገብር ከም ዘይደሊ ዘይኰነስ ብዛዕባኡ ኺመያየጥ ወይ ኪዛረብ ከም ዘይደሊ በቲ ሕራይ ምባሉ ገሊጹ ።

ካብ ብልሹው ምዃን ሓጥእ ይሓይሽ

"ስለዚ ሕራይ አብ ምባሉ ክሕባእ ፈቲኒኑ፣ ብድሕሪ ኣብቲ ትህኪቱ ዚሓብኣሉን ንእተወሰነ እዋን ገጹ ክኽውለሉ ዝኽእል ናይ ሓሶት ፍቓደኛነት ተሓብአ"። አስዒቦም ቅዱስ አቦና - "ብዘይ ግጭት ሰላሕ ኢሉ ይሓልፍ እሞ ንኣቦኡ ግን የታልሎን ይጻወተሉን፣ በዚ ኸምዚ ድማ ካብቲ 'እምቢ' ኢሉ ነቡኡ ዝመለሰሉ ውሉድ ብዝኸፍአ መገዲ አብ ልእልሊ ኣቡኡ ንዕቀት አርአየ።"

ቅዱስነቶም አብ አስተንትኖኦም እቲ ክፍኣት ናይቲ ኸምዚ ዓይነት ጠባይ ዘለዎ ሰብ "ሓቲአተኛ ኣይኮነን የግዳስ ንዝዀነ ይኹን ብቕንዕና ዚግበር ዝርርብ ወይ ርእይቶ  ቅሩብ አይኮነን፣ ንዘይምእዛዞም ኪሽፍኑን ከመሳስሉን ስለ ዝፍትኑ ብልሹው ምዃኑ እዩ" ዘርኢ በሉ።

ንጠባይካ ሓላፍነት ምውሳድ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም እቲ ሓደ ወዱ 'ኣይፋል' በለ፣ ድሕሪኡ ግና እንደገና ሓሲቡ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺሰርሕ ከደ፣ ከምዚ ብምግባሩ "ፍጹም ዘይኰነስ ቅኑዕ ኢዩ ዝነበረ" በሉ።

"ንሱ ፍጹም ዘይኰነስ ቅኑዕ እዩ።"

እዚ ‘እምቢ’ ዝበለ ወዲ መጀመርያ ሰጋእ መጋእ በለ እንተዀነ ግን ብጠባዩ ተሓታቲ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ጌጋኡ ብምርዳእን ስጕምቲ ባምውሳድን ንገዛእ ርእሱ ኣብ ሕቶ ኣእቲዩ ጌጋኡ ክእርም ተረኽበ።

"ሓጥእ እኳ እንተ ዀነ ብልሹው ግና ኣይኰነን። ንሓጥእ ድማ ወትሩ ተስፋ ድሕነት አለዎ" ክብሉ ቅድስነቶም አስተንትኖኦም ቀጸሉ።

"ንሓጥእ ኵሉ ሳዕ ተስፋ ድሕነት ኣለዎ"

ነቶም ብልሹዋት ግን እቲ "ናይ ሓሶት 'ሕራይ ወይ እወ' ምባሎም፣ እቲ ምዕሩግ ግን ከኣ ግብዝና ዝመልኦ ገጾም ከምኡውን ናይ ሓሶት ኣምሰሉነቶም (...) ምዃኖም ገለጹ። እቲ ሕራይ ምባሉ  ንሕልናኡ ኸም ዚሽፍኖ ረጒድ 'መንደቕ' እዩ።" ክብሉ ቅድሱስነቶም አስተንትኖኦም ቀጸሉ።

መዓልታዊ ንኣቦ 'እወ' ኽብሎ ፍቓደኛ ድየ?

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተአኪቦም ዝነበሩ ምእመናን ገዛእ ርእሶም አብ ቅድሚ እቲ ክበድ ዘለዎ ሓቀኛታትን ለጋሳትን ኮይንካ ዝንበር ናብራ ቅንዕና ብምግባር ንፍቓድ ኣቦ ድዮም ወይስ ገዛእ ርእሶም ኢዮም ክእዘዙ ዝደልዩ? ቢሎም ገዛእ ርእሶም ክሓቱ አዘኻኸርዎም።

"ዋላ እውን ዋጋ ዝሓትት እንተ ዀነ መዓልታዊ 'እወ ወይ ሕራይ' ኽብል ፍቓደኛ ድየ? ክፈሽል ወይ ወዲቐ ክርከብ ከለኹ ኸኣ ብዛዕባ ጸገማተይን ጕድለታተይን ድኽመታተይን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ድየ?"።

አብ ጌጋ ኽገብር ከለኹ ንኽንሳሕን ስጕምቲ ንምውሳድን ፍቓደኛ ድየ? ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "ወይስ ኵሉ ነገር ደሓን ከም ዝዀነ ኣምሲለ ጥዑይን ጻድቕን መሲለ ጥራይ ብምቕራብ መኸወል ገጽ ገይረ ጉዳየይ ዝገብር ከይከውን?"

ስለዚ ንገዛእ ርእስና "ሓጥእ ድየ?" ወይስ "ብልሹው ነገር አሎኒ?" ብምባል ንመርምር ክብሉ አስተምሃሩ።

አብ መወዳእታ እታ ናይ ቅድስና መስትያት ዝዀነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቅኑዓት ክርስትያን ንክንከውን ክትሕግዘና ንጸሊ ክብሉ ቅዱስነቶም ስብከቶም ዛዚሞም።

02 Oct 2023, 16:41