ቆሞስ ጋዛ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ክልተ ዋውዒት ተሌፎን ከም እተቐበሉ የዘንትዉ
ኣባ ተወልደ መብንራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ጋዛ ዝኸውን ዘሎ ኩኑነታት ብቐረባን ብቀጻልን ይስዕብዎ አለዉ፣ ነቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ሒደት ክርስትያን አሕዋትን አሓትን ከኣ ብናይ ስልኪ ጻውዒት ይከታተልዎ አለዉ ።
ቆሞስ ክቡር ኣባ ጋብሪኤል ሮማነሊ ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣትሒዞም ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክልተ ግዜ ናይ ስልኪ ጻውዒት ከም እተቐበሉ ንዜና ቫቲካን አብ ዝሃብዎ መግለጺ አመኪቶም።
ኣብዚ እዋን እዚ ኣባ ሮማነሊ ኣብ ቤት - ልሄም ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ፣ ምስቶም ዝጓስይዎም ምእመናን ኸኣ ብቐጻሊ ይራኸቡ ምሕላዎም አፍሊጦም ።
"ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ደዊሎምለይ ኢዮም" እንክብሉ ብምግላጽ “ቀረባና ከም ዝኾኑን ምንታና ይጽልዩ ከም ዘለዉ ውን ነጊሮምኒ፣" በሉ።
ኣባ ሮማነሊ "ንዅሉ ዓመጻን ግብረ ሽበራን ኵሉ ውግእን ደው ክብል ስለዘቕረብዎ መጸዋዕታን፣ ብስልኪ ስለ ዝረኸብዎምን ንቅዱስነቶም አመስጊነዮም ኢየ " ክብሉ ድማ ይምስክሩ ።
ኣባ ሮማነሊ አስዒቦም "ቅዱስነቶም ንዓና ዘለዎም ቅርበትን ሓልዮት ከርእዩና ኢዮም ደልዮም ፣ ሕጂ ውን ነቶም ሕዝቢ ብፍላይ ድማ ነቶም አብ ቍምስና ተዓቍቦም ዘለዉ ንኽረኽብዎም ብቐጥታ ናብቶም ምኽትል ቆሞስ ክድውሉ ኢዮም።” ክብሉ አመልከቱ ።
አብ ሓደጋ ዘሎ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ
እቶም ተወላዲ ኢጣንያ ዝኾኑ ቆሞስ ከም ዝገለጽዎ እቲ ቍምስናኦም ነቶም ኣብ ጋዛ ዚነብሩ 150 ዚዀኑ ሰባት ኣባይቶም ዝሰኣኑ ከምኡ ውን ካብቲ እተፈነወ ቦምባዊ መጥቓዕቲ ዝሓደሙ መዕቈቢ ኮይንዎም አሎ ይብሉ ።
እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ንብምሉኡ እቲ ኸባቢ እኳ እንተ ዝጸለዎ፣ ኣብ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ግን ናይ ሞት ወይ ካልእ ጕድኣት ከም ዝወረዶም ዝገልጽ ጸብጻብ ከም ዘየለ ገለጹ።
ኣብ ብምሉኡ ጋዛ ብሰንኪ እቲ ጉጅለ ሓማስ ብዕለት 7 ጥቅምቲ ዘውረዶ መጥቃዕቲ ግብረ-ሽበራ ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣትሒዙ ልዕሊ 770 ሰባት ሞይቶም 4,000 ድማ ብኸቢድ ቈሲሎም ይርከቡ አለዉ።
"ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እውን ዝሓለፈ ሰኑይ ናይ ስልኪ ጻውዒት ናብቶም ቆሞስ ብምድዋል"፣ እቶም አብቲ ከባቢ ዘለዉ ህዝብን ምእመናን ከመይ ከም ዘለዉ ኽፈልጡ ከም ዝደልዩ ገለጹ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እውን "ኵሉ ሰብ ቤተክርስቲያን ምስኦም ከም ዘላ ምእንቲ ክፈልጡ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም አካፈልዎም"።