ድለ

2022.07.01 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቅልውላው ስጉምቲ ክንወስድን ሰብኣውነት ንኽንሓቁፍን ይድርኸና 2022.07.01 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቅልውላው ስጉምቲ ክንወስድን ሰብኣውነት ንኽንሓቁፍን ይድርኸና  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቅልውላው ስጉምቲ ክንወስድን ሰብኣውነት ንኽንሓቁፍን ይድርኸና

ብቐዳምነት ብዛዕባ እቲ ሎሚ ንዓለምና ኣጋጢሙ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ቅልውላው ክዛረቡ እንከለዉ፥ “ቅልውላው” ዝብል ቃል ውሳጣዊ ምንቅስቓስ ስለ ዘለዎ ከም ቃል ባህ እዩ ዝብለኒ፡ እቶም ካብቲ ቅልውላው በይኖም ክወጹ ዝደልዩ ነቲ መዋጽኦ ናብ ናይ ሓሶት ናጽነት ማለት ቀጥዒ በተኽ ናጽነት ይቕይርዎ እዚ ናጽነት ዘይኮነ ድማ ጊልያነት እዩ። ካብ ቅልውላው ብውዲታት ኣይኮንካን እትላቐቕ . . . በይንኻ ኣይትወጾን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ጥቅምቲ ኣልማ ምስ እተሰምየ ናይ ኣርጀንቲና ማዕከን ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስን ኣብ ዓለም ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝካየዱ ዘለዉ ውግኣትን ዓውሎማዊ ቅልውላውን ከም ዝዳህሰሱን ከምኡ እውን ኣብ ኣርጀንቲናን ፓፑዋ ነው ጊኒ ክበጽሑ ዘለዎም ድሌት ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ምዝመዛ ሓደን ቀንድን ካብቶም መበገሲ ኩናት እዩ” እቲ ካልእ ምስ ግዝኣታዊ ዕብለላ ምስ ዝተኣሳሰር ስነ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድራዊ ፖለቲካዊ ብህርይ ዘለዎ እዩ . . . ቅዱስነቶም ነዚ ዝበሉ ምስ ኣልማ እተሰምየ ኣርጀንቲናዊ ማዕከን ዜና ዕለት 17 ጥቅምቲ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፡ ከምኡ እውን ዛዕባ ናይ ሓሶት መሲሓን ሰብ ሰርሖ ስነ ቀልብን ሲኖዶስን ከምኡ እውን ክፍጽምዎ ዝደልዩ ሓዋርያዊ ዕደታት ከም ዝተንከፉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ቅልውላው ሰብኣውነት

ብቐዳምነት ብዛዕባ እቲ ሎሚ ንዓለምና ኣጋጢሙ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ቅልውላው ክዛረቡ እንከለዉ፥ “ቅልውላው” ዝብል ቃል ውሳጣዊ ምንቅስቓስ ስለ ዘለዎ ከም ቃል ባህ እዩ ዝብለኒ፡ እቶም ካብቲ ቅልውላው በይኖም ክወጹ ዝደልዩ ነቲ መዋጽኦ ናብ ናይ ሓሶት ናጽነት ማለት ቀጥዒ በተኽ ናጽነት ይቕይርዎ እዚ ናጽነት ዘይኮነ ድማ ጊልያነት እዩ። ካብ ቅልውላው ብውዲታት ኣይኮንካን እትላቐቕ . . . በይንኻ ኣይትወጾን። ስለዚ ንመንእሰያት ቅልውላው ንኽብድሁ ምምሃር ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጉሊሖም፡ “እዚ ኪደት እዚ ብስለት የምጽእ ከምኡ እውን ናይ ሓሶት መሲሓን ንኸነለልይ ይሕግዝ።”

ሓቀይና ክብርታት ምድንፋዕ ከምዘድሊ ድማ ገሊጾም፥ “ዓለምና ሰብኣዊ ግዴኦም ዝፍጽሙ ቀንደይና ተዋሳእቲ ሰብኣውነት ይጎድላ ኣሎ። ሓደ ሓደ ግዜ ቅልውላው ጉድለት ምሕደራን ንናይ ካልእ ባህሊ ክፉት ምዃን ይጎድል ምህላዉ እዩ ዘመላኽት። ናይ ካልእ ሃገር ሓቀይና ክብርታት ክበጽሓና ኣይንፍራሕ” ስለዚ ቅልውላዋት ኣበይ ስጉምቲ ክንወስድ ከም ዘሎና ዘመልክት ድምጺ እዩ!”

ክብሪ ስራሕ

ቅዱስነቶ ኣስዒቦም በቲ ዝቐረበሎም ሕቶ መሰረት፡ ኣብ ዕዮን ክብሪ ዕዮን ምዝመዛ እቲ ከቢድ ሓጢኣት ምዃኑን ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣተኩይሮም፥ “ስራሕ ክብሪ ይህበና፡ ይኹን እምበር እቲ ዝዓበየ ጥልመት ናይዚ ናብ ክብሪ ዝወስድ መገዲ ምዝመዛ እዩ። ገለ ሰባት ማሕበራዊ ዓዋዲ መልኽትታቶም ብምምልካት ድዩ ብምትንታን ድማ ዴሳዊ ዝብል ክንዲ ስም ይህቡኒ፡ “ሓቅነት ዘይብሉ ክንዲ ስም እዩ! “ወንጌል ጠቒሰን ወንጌል እንታይ ከም ዝብል እየ ዝሕብር፡ ድሮ ኣብ ብሉይ ኪንዳ ሕጊ እብራይስጥ ንመበለታትን ንዘኽታማትን ንጓኖትን ኪከናኸንዎም ይእዝዝ ነይሩ። ሓደ ሕብረተሰብ ነዚ ሰለስተ ነገራት እዚ እንተ ፈጺሙ ብዜደንቕ መገዲ እዩ ንቕድሚት ዝጉዓዝ” ኢሎም።

እደ ጥበባዊ ወጽዓ

ቅዱሰንቶም ብዛዕባ ምዕባለታት ዕደ ጥበብን ትርጉሙን ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ፥ “ልዕሊ ስነ ፍልጠታዊ ምዕባለ ሰብ ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ፡” ሰብ ሰርሖ ቀልባዊ ምህዞ ሓዊሶም “መዐቅኒ ምዕባለን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣስንትዮን ናይ ምምሕዳርን ብቕዓትን እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣመሓደርቲ ፍጥረት እዮም፡ እዚ ክንርስዕ የብልናን፡ እዚ ሓቂ እዚ ዕቱብ ስነ ፍልጠታዊ ለውጢ ምዕባለ እዩ፣ ስለዚ ነዚ ክፉት ምዃን የድሊ።”

ኲናትን ጸጥታን

ዛዕባ ኩናት ዝምልከት ንዝቀረበሎም ሕቶ፥ ኣህዛብ ብተስፋ ሰላም ዘተ ኪገብሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ . . . ዘተ ሃገራውነት ጥራይ ክኸውን ከም ዘይክእል እኣምን . . . ብፍላይ ሎሚ ኩሉ ናይ መራኸቢ መሳለጥያታት ስለ ዘሎ ኩላዊ እዩ . . . ስለዚ ድማ እየ ብዛዕባ ኩላዊ ዘተን ኩላዊ ስኒትን ርክብን ዝዛረብ። ናይዚ ተጻይ ድማ ኲናት እዩ። ምዝመዛ ግዝኣታዊ ዕብለላ መበገሲ ናይቲ ብምልካዊ ስርዓታት ዝዓበዩ ውግኣት ምዃኑ ከም ዝኣምኑ ድማ ሓቢሮም፥ ንህንጸት ሰላምን ናይ ሓባር ረብሓን ሃገራዊ ርእሰ ንቕሓት ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣበይ ደው ከም ዝበልካ ንቕሓት እንተ ዘይብልካ ምስ ካልኦት ክትራኸብን ክትዝትይ እይትኽልን ኢኻ። እዞም ክልተ ንቕሓት መንነታት ምስ ዝራኸቡ ናብ ስምምዕን ምዕባለን ብሓባር ምጉዓዝን ዘተን ስጉምታት ክውሰዱን ይኽእሉ።”

ቤተ ክርስቲያን ብስኒት ትንቀሳቐስ

ካልእ ስዒቡ ዝመጸ ሕቶ ብዛዕባ ሲኖዶስ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ነዚ መሰረት ገይሮም፥ ቤተ ክርስቲያን ምስ ነፍሲ ወከፍ ዘመን ምጉዓዝ - ምስጓም ክትለማመድ ከም ዘለዋ ኣዘኻኺሮም፡ ካብ መጀመርታ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዮሓንስ መበል 23 ንጹር ኣረኣእያ ነይርዎም፡ እዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን ክትልወጥ ኣለዋ ዝብል እዩ። ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተሰምዖም ኮይኑ ድማ ክቕጽል ገይሮም እዮም። ከምቲ ብዝተተክኡ ኩሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ግን ብዛዕባ ክብሪ ሰብ ንምስፋሕ ዝብል ለውጢ። ነዚ ንምድንፋዕ እምበር ቅዳዊ ለውጢ ኣይኮነን፡ ስለዚ እዩ ድማ ቲዮሎጊያዊ ምዕባለ ዝህሉ። ኣብ ግብረ ገባዊ ቲዮሎጊያ ኩሉ ቤተ ክርስቲያናዊ ስነ ፍልጠትን ዋላ እውን ትርጉም ቅዱስ መጽሓፍን እዚ ድማ ብመሰረት ስምዒታት ቤተ ክርስቲያን ዝብገስ እዩ፡ ኩሉ ጊዜ ብስነቲ።

ኣገዳሰንት ተስፋ

ኣብ መወዳእታ ድማ ዛዕባ ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎም ርክብ ዝምልከት ሕቶ፡ “ጐይታ ሕያዋይ ዓርኪ እዩ - ከምኡ እውን ፍሽኽታ ክህልወካን ንጽቡቕ ባህሪ ተስፋ ትክሓቁፍን ምኽኣል ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ብዘይ ተስፋ ምንባር ዝከኣል ኣይኮነን ነተን ንኣሽቱ ተስፋታት ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እንተ ነጥፍእ መንነትና ምስ ሰኣንና፡ ተስፋታት ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ መዓልታዊ ምንባርና የቕንዕ፡ ዛዕባ ሓዋርያዊ ጉዕዞታቶም ክዛረቡ እንከለዉ፥ ናብ ኣርጀንቲና ክበጽሑ ድላይ ከምዘለዎምን ከምኡ እውን ብዛዕባ ርሑቕ ዘለዋ ሃገራት ክሓስብ እንከለኹ ድማ ፓፑዋ ነው ጊኒ ክበጽሕ ድላይ ኣሎኒ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 Oct 2023, 16:45