ድለ

መበል 28 ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር፥ ናብ ከባቢ ኣየር ዝትፋእ በካሊ ጋዝ ምንካይ መበል 28 ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር፥ ናብ ከባቢ ኣየር ዝትፋእ በካሊ ጋዝ ምንካይ  (Vatican Media)

መበል 28 ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር፥ ናብ ከባቢ ኣየር ዝትፋእ በካሊ ጋዝ ምንካይ

እቲ ናይ መበል 28 ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝክረ ነገራቱ ብኣርባዕተ ቀንዲ ኣዕኑድ ከም እተዳለወን እዚ ድማ ቅልጡፍን ስርዓት ዘለዎን ናብ ምጥቃም ጸዓት ምስግጋር፡ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምፍታሕ ንዝግበሩ ጻዕርታት መሳለጢ ምምዳብ፡ ኣብ ሰባት ተፈጥሮ ህይወትን መነባብሮን ምትኳር። ከምኡ እውን ንኹሉ ነገር ብምሉ ሓቛፍነት ምድጋፍ ዝብሉ ምዃኖም ኣነጺሮም

ናይቲ ኣብ ሃገራት ኤሚራት ዓረብ ንኽካየድ ዝተወሰነ መበል 28 ሕቡራት ሃገራት ዓለም ጉባኤ ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንኽመክር ናይ ዝተጠልበ መደብ ኣቦ መንበር ንኽኾኑ ዝተመዙ ዶክተር ሱልጣን ኣል ጃበር፡ ድሕሪ ሰሙን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰብሕዎ ለእግዚኣብሔር ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳን ምስ ተዘርገሐት ዕለት 11 ጥቅምቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ቅዱስነቶም ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ኣካይዶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንቅልውላው ከባቢ ኣየር ንምፍታሕ ዘቕረብዎ ጻውዒት ዝሓዘ “ሰብሕዎ ለእግዚኣብሔር” ብዝብል ኣርእስቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ብወግዒ ከም እተዘርገሐት ክፍለጥ እንከሎ፡ ረቡዕ ዕለት 11 ጥቅምቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይቲ ኣብ ኤሚራት ዓረብ ንኽካየድ ዝተወሰነ ዛዕባ ለውጢ ኣየር ዝመክር መበል 28 ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንኽመርሑ ዝተመዙ ናይታ ነቲ ዋዕላ እተአንግድ ሃገር ሚኒስትር ኢንዳስትሪን ምዕቡል እደ ጥበብን ዶክተር ሱልጣን ኣል ጃበር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ቅዱሰንቶም ከም እተራኸቡን፡ ድሕሪ እዚ ርክብ እዚ ዛዕባ እቲ ኣብ ሕቡራት ኤሚራት ዓረብ ካብ ዕለት 30 ሕዳር - 12 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ዱባይ ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ ኣገዳሲ ፍጻሜ፥ ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ ምድንጓዩ ናይ ሓባር ስጉምቲ ንለውጢ ኣየር መልሲ ክወሃቦ ወሳኒ  ምዃኑ ዝገለጽዎ ሓሳብ ምልስ ቢሎም ብምዝካር፡ ዕላማታት ናይቲ ዝመጽ መበል 28 ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ኣየርን ከምኡ እውን ብዛዕባ እታ ናይ ቅዱሰነቶም ሓዋርያዊት ምዕዳን እተቕርቦ ብድሆታት ዘማእከለ ሰፊሕ መብሪ ሂቦም።

ዶክተር ኣል ጃበር ዕላማታት ናይቲ ኣብ ዱባይ ዝካየድ መበል 28 ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝመክር ዋዕላ ሕቡራት ሃገርት ዓለም፡ ሕጽር ኣቢልኩም ምገልጽኩምልና ዶ? እቲ ናብ ከባቢ ኣየር ዝትፋእ በካሊ ጋዝ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ግዜ ብዕስራን ክልተን ጂጋቶን ክንቅንሶ ኣሎና። . . . ለውጢ ከባቢ ኣየር ድሮ ይጸልወና ምህላዉ እንሰምዖን እንርዮን ዘሎና ሓቂ እዩ። ነዚ ምዝባዕ እዚ ከም ልሙድ ክንነብሮ ዘይኮነስ ነቲ ዘጋጥም ዘሎ ምዝባዓትን ለውጥን ንምድራት ሰባትን መሬትን ከነማእክል ኣሎና። እዚ መስርሕ እዚ ምርጫ ዘይኮነስ ግድን እዩ።

እቲ ናይ መበል 28 ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝክረ ነገራቱ ብኣርባዕተ ቀንዲ ኣዕኑድ ከም እተዳለወን እዚ ድማ ቅልጡፍን ስርዓት ዘለዎን ናብ ምጥቃም ጸዓት ምስግጋር፡ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምፍታሕ ንዝግበሩ ጻዕርታት መሳለጢ ምምዳብ፡ ኣብ ሰባት ተፈጥሮ ህይወትን መነባብሮን ምትኳር። ከምኡ እውን ንኹሉ ነገር ብምሉ ሓቛፍነት ምድጋፍ ዝብሉ ምዃኖም ኣነጺሮም። ዓለም ኣጣሚርና ንቅልውላው ከባቢ ኣየር ተግባራዊ ፍታሕ ንምሃብ ብሓባር ክንዋሳእ እዋኑ ዘተሓሳስብ እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሳዕቤን ቅልውላው ከባቢ ኣየር ንምግታእ ቅድሚ ምድንጓዩ ናይ ስግእት ኣውያት ክንብሎ እንኽል ‘ሰብሕዎ ለእግዚኣብሄር’ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣውጺኦም እዮም። ኣብዚ ሰነድ እዚ ዘለኩም ሓሳብ እንታይ ይመስል? ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምቁጽጻርን ክውሰድ ዘለዎ ስጉምቲ ብጻውዒት መልክዕ የቕርብዎ እዚ ድማ ብሓጎስ ንቕበሎ። እቲ መበል 28 ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምቅልጣፍ ምስግጋር ጽሩይ ጸዓት ዕድል ክኸውን ተስፋ እገብር። እቲ ዛዕባ ለውጢ ኣየር ዝመክር ዋዕላ ንኹሉ ዝሓቁፍ ውድብ እዩ፡ ንጹር ቃል ኪዳንን ስጉምትን ንምምራሕ ተባሂሉ ዝቖመ እዩ። ከምኡ እውን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሰባት ዓቢ ዕላማ ዘለዎ ንምቁጽጻርን ምንካይን በካሊ ጋዝ ዘድሊ ስጉምቲ ንምቕራብ ዝከኣል ኩሉ ንምግባር ምሉእ ተወፋይነት ዘለዎ እዩ ኢሎም።

ኣስዒቦም ምስ ቅዱሰንቶም ዝገበርክዎ ርክብ ይብሉ፥ ኢሚራት ዓረብ ንሰብኣዊ ምዕባለን እወታዊ ስጉምቲ ለውጢ ኣየር ንምስጓም ነቕ ዘይብሎ ዘካይድዎ ጎስጓስ ተድንቕ። ክሳብ 2030 ዓ.ም. ልቀት በካሊ ጋዝ ብ43 ሚእታዊ ክንቅንሶ ኣሎና። ሎሚ እንጥቀመሎም ጸዓት ብኹለ መዳያዊ መገዲ ኣልቦ ፈሓም ክኸውን ኮታ ካብ ፈሓም ናጻ ዝኾነ ስርዓት ጸዓት ብቕሉጡፍ ክንሃንጽ ይግባእ።

ንዝኾነ ሰብ ድሕሪት ዘይሓድግ - ዘይጥንጥን ቅሉጡፍ ፍትሓዊ ቅኑዕን ናብ ዝኾነ ምጥቓም ስርዓት ጽሩይ ጸዓት ክንሰጋገር ኣሎና። ብፍላይ ድማ እቶም ሎሚ ጸዓት ዘይረኽቡ 80 ሚሊዮን ህዝቢ ዓለም ኣብ ግምት ብምእታው ክኸውን ኣለዎ። ከምኡ እውን ነቲ ናይ ሎሚ ስርዓት ጸዓት ምፍታሕ ነቲ ሓድሽ ቅድሚ ምህናጽና። ኣብ ልቀት በካሊ ጋዝ ከነቶኩር ኣሎና . . . ልቀት በካሊ ጋዝ ምጉዳል እምበር ምዕባለ ኣይሃሉ ኣይኮነ እቲ ዕላማ።

ዓበይቲ ኢንዳስትሪታት ክሳብ 2030 ዓ.ም. ንልቀት ካብ 43 ሚእታዊ ክሳብ 2050 ዓ.ም. ናብ ዘሮ ከብጽሓ ንሓትት። እተን ኣብ ምብካል ከባቢ ዓየር ዓቢ ግደ ዘለወን ዓበይቲ ኢንዳርቲርታት ናብ ጽሩይ ጸዓት ምጥቃም ዝገብርኦ ምስግጋር ከቃላጥፋ ኣለወን። . . .

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን እቲ ዝተኣተወ መብጽዓ ወይ ቃል ስለ ዘይተፈመን ጎዳኢ ልቀት እናወሰኸ ይኸይድ ብምህላዉ ተስፋ ይቑርጹ ምህላዎም ከይሓብኡ ተዛሪቦም እዮም፡ እቲ ዋዕላ መበል 28 ዓውደ ጉባኤ ነዚ ተስፋ ዘቑርጽ ዘሎ ኪደት ብኸመይ ክቕይሮ ይኽእል? ንመብጽዓታት ናብ ውጥን ኣንፈታት ናብ ለውጢ ስምምዓት ድማ ናብ ተግባር ምቕያር የድሊ። ስለዚ እቲ መበል 28 ዋዕላ መአረምታ ከቕርብ ተስፋ እገብር። ንኹሉ ዝኸውን ዓቢ ግን ከኣ ክብጻሕ ዝኽእል ናይ ተግባር ጻውዒት ሒዝና ነቲ ናይ ተግባር ዝክረ ነገር ድሮ ነቃልሖ ኣሎና። ቅድሚ ሕጂ ዝተኣትዉ መብጽዓታት ዘይምፍጻሙ ፍጹም ሓቂ እዩ እዚ ተስፋ ዘቑርጽ እዩ።

ኩሎም ወገናት ነቲ ዝኣተዉዎ መብጽዓታት ክፍጸሙ ይግባእ። . . . ስለዚ ነቲ ዝተኣትወ መብጽዓ ዘድሊ መሳለጢ እውን ምቕራብ . . . ምድንጓይ ዝበህል ኩሉ ክውገድ ኣለዎ!

 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኹለን ሃገራት ዘገልግላ ኣህጉራውያን ትካላት - ነተን ዓበይትን ብቑጠባ ዝማዕበላን ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ - ኣብ ውድባት ጉባኤ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝተኣትወ መብጽዓታት ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ክፍጸም ዘይምኽኣሎም ይሓዝኑ። ሓድሽ ‘ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ብዙሕነታዊ ምትእስሳር’ ክህሉ ይጽውዑ። እዚ መገዲ እዚ ክውን ንምግባር እንታይ ክግበር ኣለዎ? ግልጽነትን ተሓታትነትን ንዕዉት ስጉምት ከባቢ ኣየር ማእከላይ እዩ። . . . ኩሎም ወገናት ቅድሚ ጉባኤ ሃገራት ለውጢ ከባቢ ኣየር ብሃገራዊ ውሱን ኣበርክቶኦም ክሕድሱን ዝለዓለ ድሌት ክገብሩን ጸዊዖም። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ንኹሉ ሰብ ከነሳትፍ ይግባእ . . .

ሓባራዊ ድሌታት ከባቢ ኣየር ንምምላእ ካብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ሕብረተሰብ ስጉምቲ ዝሓትት እዩ። ኩሎም ጉጅለታት ክሳተፉ ዘኽእሉ ድንጋገታት ንገብር ኣሎና። እዚ ድማ ንኹሉ ዘጠቓልል ህዝብታት ከከም ጉጅለታቶም ግምት ዘእትው እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ‘ሰብሕዎ ለእግዚኣብሔር’ ሓዋርያው ምዕዳኖም ጽብቕ ምሕደራ ዘለዎ ስነ ምህዳር ናብ ተሓዳሲ ምንጪታት ዝግበር ምስግጋር ስራሕ ከም ዝፈጥሮ ይገልጹ። ቁጠባ ብብዝሒ ኣብ ቅሪት - ኣካላት ዝተመስረተ ሕቡራት ኢመራት ዓረብ ኣብዚ ምስግጋር ብኸመይ ክትዋፈር ዘለዋ መደብ እንታይ ይመስል? . . . ኢሚራት ዓረብ ዳርጋ ን20 ዓመታት ናብ ጸዓት ምስግጋር ትሓልፍ ዘላ ሃገር እያ። ኣመራርሓና ነቲ ናይ ጸዓት ምስግጋር ቁጠባ ጽንዓት ንምህናጽን ንኹላትና ኣብ ዝጸሉ ዓለማዊ ብድሆት ኣበርክቶ ንምግባር ዝሕግዝ ዕድል ፈጢሩ እዩ . . . ሎሚ ልዕሊ 70 ሚእታዊ ፍርያት ኤሚርት ዓረብ ካብ ኢንዳስትሪ ነዳዲ ወጻኢ ዝመጽእ ኣይኮነን፡ እዚ ድማ ዓመታዊ ክብ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ እዩ። ብኻልኦት ጽላታት ኣቢላ እውን ተሰጉሞ ኣላ። ስለዝህ ስራሕ ከም ዝፈጥር ተመክሮ ኣሎና . . .  ኢሚራት ዓረብ ኣብ ሰብዓ ሃገራት ኣብ ተሓዳሲ ጸዓት 50 ቢሊዮን ዶላር ወፍሪ ብምግባር ኣብ ዝቕጽል ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ልዕሊ 50 ቢሊዮን ዶላር ወፍሪ ክትገብር ቃል ኣትያ ኣላ። . . . ፍትሓውን ስርዓት ናብ ዘለዎን ጸዓት ምስግጋር ንምቅልጣፍን መላእ ዓለም ክቅበሎ ድማ ነተባብዕ . . . ኩሉ ግዜ ኣብ መላእ ዓለም ምስ ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም መሻርኽቲ ሓቀይና ሽርክነት ብምልምማድ ምዕባለታት ኣመዝጊባ እያ። ናይቲ መበል 28 ዓውደ ጉባኤ ከም ኣኣንጋዲት ምስግጋር ጸዓት ህጹጽ ምዃኑ ብዓቢይ ሓላፍነት እያ እትምልከቶም ብሽርክነት ንቕድሚት ንምስጓም ሓይሊ ዝህብ መድረኽ ምዃኑ ንምርግጋጽ ቆሪጽና ተላዒልና ኣሎና እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

12 Oct 2023, 15:51