ድለ

2023.10.11 Briefing-XVI Assemblea Generale Ordinaria del Sinodo dei Vescovi 2023.10.11 Briefing-XVI Assemblea Generale Ordinaria del Sinodo dei Vescovi 

ሓጺር ጸብጻብ ሲኖዶስ 6ይ ውዕሎ ፦ ጸሎት ምእንቲ ግዳያት ውግእን፣ ድምጺ እቶም ሕይወት አድሕንን

ትማሊ ረቡዕ ብዛዕባ ጉባኤ ሲኖዶስ ዘቕረበ ሓጺር ጸብጻብ፣ ካናዳዊ ካርዲናል ላክሮይስን፡ ካብ ፓፕዋ ኒው-ጊኒ ዝመጸት ግሬስ ራክያን፣ ኢጣልያዊ ተጣባቒ ስደተኛታት ሉካ ካሳሪኒን አብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ትማሊ ረቡዕ አብ ዝነበሮም ዋዕላ ብዛዕባ ድኽነት፡ ስደት፡ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ከምኡውን ብዛዕባ ጾታዊ መንነት ዝተኻየደ ዘተ ንጋዜጠኛታት መግለጺ ተዋሂቡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ትማሊ ረቡዕ ዕለት 11 ጥቅምቲ አብ ሃገረ ቫቲካን እተኻየደ ሻድሸይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ፣ በቲ ብፁዕ ካርዲናል ኣርተር ሮቸ  ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ቐረባ መዓልታት፣ በቲ ኣብ ጋዛን እስራኤልን ዝፍጸም ዘሎ ዓመጻ አመልኪቶም "ሓደጋ ደማዊ ውግእ" ብዝብል አርእስቲ ብዘቕረብዎ አስተንትኖ ጀሚሩ።

ኣቦ መንበር ሽማግለ ሓበሬታ ጉባኤ ሲኖዶስን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳያት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ፣  ከምኡ ውን ጸሓፊት ሽማግለ ሓበሬታ ጉባኤ ሲኖዶስ ሸይላ ፒረስ ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ፣ ብዛዕባ እቲ ካብ ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ትማሊ ሮቡዕ ንግሆን ጉባኤ ሲኖዶስ ብዛዕባ እቶም አብ ዓለም ዝካየዱ ዘለዉ ግጭታትን፣ ድኽነትን፣ ዓመጽን፣ ከምኡ ውን ጾታዊ መንነትን ብዝብሉ አርእስትታት ዘተ ከም ዘካየደ ጋዜጣዊ መግለጺ አቕሪቦም።  

ካብ ዕዱማት ኣጋይሽ ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ዠራልድ ሲፕሪን ላክሮይስ ሊቀ ጳጳሳት ኲበክ (ካናዳ) እዮም ነይሮም ፣ ብፁዕነቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ናይ ጉባኤ አዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ተመክሮ ምስክርነቶም አቕሪቦም ፣ ግሬስ ራክያ ከአ እታ ድምጺ እቶም "ንእሽቶ" ማሕበረሰብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ከም ዝስማዕ ዝገበረት፣ ብዛዕባ እቲ አብ ሃገራት ኦቻይና እተገብረ መስርሕ ሲኖዶስ መስኪራ፣  ከምኡ ውን ናይታ ብ2018 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ምስ ሞቱ ብ "ቝጥዓ" እተበገሰት ዘይመንግስታዊት ማህበር “ሕይወት አድሕን አብ ማዕከላይ ባሕሪ” መስራትን ተጣባቂ መሰላት ስደተኛታትን ዝኾነ ኢጣልያዊ  ሉካ ካሳሪኒ ምስክርነቱ አስሚዑ ።

አብ ሲኖዶስ ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ ፍሉያት ዕዱማት ሓደ አቶ ካዛሪኒ ብዛዕባ እቲ አብ ማእከላይ ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ ስርሓት ሓያል ምስክርነት ንጉባኤ ሲኖዶስ አካፊሉ።  ነቲ አብዚ ኩነት እዚ ዘሕልፎ ዘሎ ተመክሮ ኣብ መንጎ ኽልተ ድኽነታት ዘጋትም ዘሎ "ምርኻብ" ክብል ጸውዖ፣ እዚ ኸኣ ንዋታዊ ድኽነት ናይቶም እታ "ዘላቶም እንኮ ሃብቲ" ማለት መሬቶም ክገድፉ እተገደዱ ሰባትን ፣ ከምኡ ውን መንፈሳዊ ድኽነት ናይቶም ነዚ "ራዕዲ" እዚ ድንጋጼ ዝሰአኑን ዝነጽግዎን ዘለዉ ምዕራባውያን ኢዩ ክብል መስኪሩ።

ኣብ ሳንታ ማርታ እተገብረ ንእሽቶ 'ጕጅለ ስራሕ'

ዶክረት ሩፊኒ እቶም ናይ መጀመርያ ምስክርነት ዘቕረቡ ኢዮም ዝነበሩ፣ ብዛዕባ እቲ አብ ቤተ አጋይሽ ቅድስቲ ማርታ ዝተኻይደ ናይ ሓንቲ “ንኡስ ጉጅለ” ዕዮ ጸብጻብ አቕሪቡ። ገለ ካብ ድኻታት ከተማ ሮማ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ፍራንቸስኮን ከምኡ ውን ምስ ካርዲናል ኮንርድ ክራዮቪስኪ ገበዝ ጳጳሳዊ ቤተ-ጽዋትን ንምሳሕ ተዓዲሞም። እቶም አብቲ  ምሳሕ ዝተሳተፉ እውን ካብ ቤተክርስቲያን እንታይ ትጽበዩ ተባሂሎም ምስ ተሓቱ፣ “ፍቕሪ፣ ፍቕሪ ጥራይ ኢና እንጽበ!” ክብሉ ከም ዝመለሱ ዶክተር ሩፊኒ ንሓፈሻዊ ጉባኤ መኪሮም።

አብ ዝኽሪ ምኽፋት ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን

339 ኣባላት አብቲ ሰሉስ እተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ተጋቢኦ፣ 345 አባላት ከኣ አብቲ ረቡዕ ንግሆ እተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ተሳቲፎም ።

እቶም ናይ ኢጣልያ ብፁዓን ጳጳስት ቤት ምኽሪ አቦ መንበር (አብቲ ዕለት እቲ ዕለተ ልደቶም ዝኽብሩ ዝነበሩ) ብፁዕ ካርዲናል ማትዮ ጹፒ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር መሪሖም ። ብፁዕነቶም አብቲ ዕለት እቲ ዝወዓለ ዝኽሪ ምኽፋት  ኻልኣይ ጉባኤ ቫቲካን  ከምኡ ውን ዕለት 11 ጥቅምቲ ሊጡርጊያዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ብምዃኑን አማልድነቶም ብምሕታት ጸሎት አዕሪጎም ።

ካርዲናል ላክሮአ አብቲ ዘስምዕዎ መደረ ነቲ ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን እትዝክሮ ዘላ ታሪኻዊ ህሞት ዘኪሮም ። እዞም ካናዳዊ ካርዲናል "እዚ ሕጂ እንነብሮ ዘሎና መቐጸልታ ናይቲ ኹሉ ሽዑ ዝተኻየደ ኢዩ!” ክብሉ መስከሩ ። ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 "ነቢይ" ኢዮም ዝነበሩ ድሕሪ ምባል ወሲኾም - ብዕድመ ዝደፍኡን ጥዕና ዘይነብሮምን እኳ እንተ ነበሩ፣ በዓል ጥዑም ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ መበል 23 ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም "ንካልአይ ጉባኤ ቫቲካን አዊጆም" አገዳስነቱ ውን ገሊጾም ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ከይዛዘምዎ ናብ ዘልዓለማዊ ሕይወት ተሳጊሮም።

ካርዲናል ላክሮአ ነቲ ር. ሊ. ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ኣብ መኽፈቲ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ዝስምዕዎ መደረ ኣንበቡ፣ እዚ ከአ ኣብዚ ቤተ-ክርስትያን ካብ ጥቅምቲ 2021 ኣትሒዛ እተካይዶ ዘላ ጕዕዞ ሲኖዳውነት ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣርእስቲ ኢዩ ክብሉ ገሊጾም። "እቲ እንጥቀመሉ ሜላ ንጐይታና አብ ቓሉ ክንሰምዖ፣ አብ ንነፍሲ ወከፍ እተጠምቀ ሰብ ከአ ህላወኡ ከነስተማቕር፣ ንምስማዕ ጽን አብ ምባል  ዘተኰረ ኢዩ፣ እዚ ድማ ነቲ ሓደን ንኻልኦትን ክፉታት ንኽንከውን የኽእለና።"

ጽን ኢልካ ምስማዕን ኣተሓሳስባና ምቕያርን

ንቃል ኣምላኽን ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ብምስማዕ "ደቀቕቲ ዝኾኑ ፍልልያትን መለሳታትን ዝኾኑ ነገራት ክንረክብን ኣተሓሳስባና ኽንቅይር ንኽእል ኢና፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ኢና ኣምላኽ ይዓዪ ኸም ዘሎን ኣብ ኵሎም ሰባት ይዓዪ ኸም ዘሎን እንርዳእ" በሉ፣ እቶም ካናዳዊ ካርዲናል ወሲኾም ድማ ነዚ ነገራት እዚ አብ ደረጃ ግላውን ነፍስ ወከፍ ኩነትን ብምግዳፈይ፣ “ንኣተሓሳስባይ ቍሩብ ክቕይር ጌይርኒ እዩ!" በሉ።

ድምጺ ናይተን 'ንእሽቶ' ደሴታት ኦቻይና

በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ እዚ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዘውጽኦ ሓሳባት "በቲ ካብ ካልኦት ዝመጽእ ርኢቶታት ብናጻ ንገዛእ ርእስኻ ክትብድሆ ምኽኣል ኢዩ" ከምኡውን ነቶም ክሳዕ ሕጂ ኣብ ድሕረ-ባይታ ዝተረፉ ሰባት ድምጺ ምዃን ኢዩ።

ግሬስ ራክያ ኣብዚ መዳይ እዚ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ካብ ደሴታት ሰሎሞንን ፓፕዋ ኒው-ጊኒን ተወከልቲ ናብ ሲኖዶስ ብምዕዳሞም ምስጋናኣ ገሊጻትሎም ።

"ንሓያሎ ዓመታት ጽን ኢልና ክንሰምዕ ጸኒሕና ኣሎና፣ ሕጂ ኸኣ ክንዛረብ ንደሊ ኢና፣ ነዚ ድማ ንስኹም ክትሰምዑና ንደሊ አሎና። ንዓለም ክንህባ እንደልዮ ነገር ኣሎና ። እቲ እንህባ ድማ ካብ ልብና ኢና እንህባ፣ ማለት እቲ አገባብ አነባብራናን፣ ሓባራዊ መነባብሮምናን፣ ብሓድነት ምንባርናን ከምኡ ከአ እንሃንጾ ዘሎና ዝምድናታትን ኢዩ።”

ተሪር መጸዋዕታ ንሰላም

ዶክተር ራፊኒ ነቲ እተን ንኣሽቱ ጕጅለታት ዕማም ኰኑ እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዘቕረብዎም አርእስትታት ድሕሪ ምዝርዛር፣ መብዛሕትኡ አርእስትታት ብዛዕባ ሰላምን ብዛዕባ እቶም ብውግእ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባትን ከም ዝተንክፉ ገሊጹ ።

"ክርስትያን ኣብዛ ብውግእን ዓመጻን እትዓኑ ዘላ ዓለም ከመይ ቢሎም ምልክት ሰላምን ዕርቅን ክዀኑ ከም ዝኽእሉ አመልኪቶም ይዛረቡ።" በለ።

ወሲኹ ድማ "ተሪር መጸዋዕታ" ነተን ብውግእ ዝሳቐያ ዘለዋ ሃገራት ከምኡውን ነተን "ኣብ ገሊኡ ክፋላት ምብራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያን ዘሕለፍኦ ዘለዋ ስቓይ" አመልኪቱ ዝቐረበ መጸዋዕታ ኢዩ ።

ንድኻታት ትሕት እትብል ቤተ-ክርስትያን

ካልእ አብ ዘተ ዝቐረበ ፍረ ነገር ከኣ "ንድኻታት እትጣበቕ፣ ገዛእ ርእሳ ምእንቲ ድኻታት እተትሕት ከምኡውን ምስ ድኻታት እትኸይድ ቤተ-ክርስትያን ንምዃን ዘሎ ባህጊ" ምዃኑ ሺላ ፓይረስ ገሊጻ።

እቶም "ብዙሕ ገጻት ዘለዎም" ድኻታት - እቶም እተገለሉ፡ ስደተኛታት፡ ግዳያት ለውጢ ዅነታት ኣየር ዝዀኑ፡ አረ ኣብ ገሊኡ ኽፍልታት ዓለም ዝርከቡ አዴታትን ኣሓትን እውን ከይተረፉ "ከም ካልኣይ ደረጃ ዜጋታት ኢዮም ዝቑጸሩ፣ ስለዚ ካብ ዓመጻ ድማ ዕቝባ ክወሃቦም ኣለዎ" ብምባል ገለጸት።

ብዛዕባ ዓመጻን ጾታዊ መንነትን

ካልእ ኣብቲ አስተንትኖታት ዝነበረ ማእከላይ ፍረ ነገር ከኣ ብዛዕባ ዓመጻ እዩ ነይሩ ። ዶክተር ሩፊኒ አብ መግለጺኦም - "እቲ ዘሎና ተኣማንነት፣ ብኸም ጾታዊ ዓመጽ አብ ዝርርብ ምውራዱን፣ ከምኡውን ንዅሉ ጾታውን፡ ስልጣናውን ከምኡ ውን መንፈሳውን ዓመጻት ንምጥፋእን  ናብቶም ግዳያት ንምቕራብን ንምሕጋዝን ኵሉ ዝከአል ዘበለ ንምግባር።” ዝብሉ ዛዕባታት ከም ዝነበሩ ገሊጾም።

ድሕርዚ ኣብቲ ዘተ ጕጅለታት ኰነ አብ መደረታት ብዛዕባ ጾታዊ መንነት ዝምልከት ዓርእስቲ ተላዒሉ ተዘርበሉ ። "ንወንጌልን ንትምህርትታት ቤተ-ክርስትያንን እሙን ኰይኑ ክቕጽልን፣ እዚ ጉዳይ እዚ ብሓላፍነትን ምርዳእን" ክተሓዝ አለዎ ብምባል ከም ዝቐረበ ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝከታተል ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ህየንተ ገሊጹ።

ገለ ካብ ተጋባእቲ ድማ "ብዛዕባ እቲ ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ ጾታዊ መንነት እትምህሮ ትምህርቲ ዝያዳ ሜመያ" ክግበረሉ  ጻውዒት ኣቕረቡ፣ ንኻልኦት ግን "ተወሳኺ ምስትውዓልን ሜመያን ኣየድልዮን እዩ።" ዝብል ርኢቶታት ነይሩ። በቲ ጋዜጠኛታት ዝሓተትዎ ሕቶታት መሰረት ዶክተር ሩፊኒ ኣስዕብ ኣቢሉ "ኣብ ሓደ ቅድመ ኩነታዊ ፍርዲ ዘለዎ አተሓሳስባን ውልትውናን ክኣቱ ዝኽእል ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን። አብዚ ኩነት እዚ ንኻልኦት ናይ ምክፋል ተመክሮ እዩ ዝነበረ" ክብል ገሊጹ።

እቶም ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ንገዛእ ርእሶም ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም ከም ዝሓተቱ ገለጸ - "ንትምህርትታት ቤተ-ክርስትያን እሙናት ብምዃን ኣብ መንጎ እቶም መውስቦ ሓደአዊ ጾታ ዘለዎም ሰባትን፣ ቃልኪዳን ዘፍረሱን ከመይ ዝበለ ጉስነታዊ ሓልዮትን ፍቕርን ኢዩ ክገበረሎም ይከአል?" ዝብል ከም ዝነበረ አመልኪቱ።

ዶክተር ሩፊኒ አብ መግለጺኦም እተወሰኑ ኣባላት "ብዛዕባ እዚ ጕዳያት እዚ እተዛረቡ ሰባት ንዅሉ ዓይነት ጽልኢ ሓደአዊ ጾታ ዘለዎም ሰባት ክንነጽጎ ኸም ዘሎና ገሊጾም ኢዮም " ብምባል ገለ ኣባላት ድማ "ናይ ውልቀ - ሰባት ኩነታትን ብሕታዊ ጕዕዞ ህይወትን ብዘይምፍላጥ ብዙሕ ጸገማት ከም ዝለዓል" ገለጹ ።

ጕዳይ ስደተኛታት

ብዛዕባ ጕዳይ ስደተኛታት ከኣ ገለ ኣቡናት — ኣብቲ ጸብጻባቶም ከም ዝገለጽዎ  — ብዓይኒ ምውህሓድ ስደተኛታት ኰነ ተቐባልነት ክርአ ኸሎ ኣብ ዝሓሸ ዅነታት ካብ ዝርከቡ "ካብ ካልኦት ጉባኤ ጳጳሳት ሓገዝ  ከም ዝሓተቱ ተገሊጹ። "

እዚ ኸኣ እቶም ተቐባልነት ዝረኸቡ ሰባት ምስ ሕብረተሰብ ምእንቲ ኽሓብሩ ካብቲ ዝማዕበለ ስልጣኔ "ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ" መገዲ ምዃኑ ገለጹ። "ስደተኛታትን ተመዛበልትን ንሕግታት እተን ይነብሩለን ዘለዉ ሃገራት ከኽብሩ ኣድላዪ ኢዩ" ብምባል እውን ተማሕጺኖም ።

አብ መወዳእታ ድማ ብዛዕባ ምስክርነት ሉካ ካሳሪኒ ዘቕረቦ ብዛዕባ ስደተኛት ብዝምልከት እቲ ጉባኤ ከም ዝተዛምዘመ እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ የመላኽት።

12 Oct 2023, 16:47