ድለ

2023.09.08 ባሲሎስ ማርታማ ማቴዎስ ሳልሳይ ናይ ሶሪያ - ማላንካርያዊት ኦርቶዶክሳዊt ቤተ ክርስቲያን ኵላዊ ፓትሪያርክ 2023.09.08 ባሲሎስ ማርታማ ማቴዎስ ሳልሳይ ናይ ሶሪያ - ማላንካርያዊት ኦርቶዶክሳዊt ቤተ ክርስቲያን ኵላዊ ፓትሪያርክ   (Philipp.ninan)

ናይ ሶሪያ - ማላንካርያዊት ኦርቶዶክሳዊt ቤተ ክርስቲያን ኵላዊ ፓትሪያርክ ናብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ንፈለማ ግዜ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ከካይዱን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክራኸቡ

ባዚሊዮስ ማርቶማ ማቴዎስ ሳልሳይ ንፈለማ እዋን ድሕሪ ኣብ 2021 ዓ.ም. ምሕራዮም ናብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወግዓዊ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም። ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቃቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምብጻሕ ከካይዱን ምስ  ወከልቲ እቲ ቤት ጽሕፈት ቅድቲ መንበር ክራኸቡን ዕለት 10 መስከረም ኣብ ፎሪ ለሙራ ክፍለ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሮማ ዝቕመጡ ናይታ ናይ ሶርያ ማላንካራዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበርሰብ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 11 መስከረም 2023 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ባሲሊዮስ ማርቶማ ማቴዎስ ሳልሳይ ናይ ሶሪያ ማላንካራዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክስዊት ቤተ ክርስቲያን ሜጥሮፖሊታን ናይ ምብራቕ ኩላዊ ፓትሪያርክ ኣብ 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ምሕራዮም ንፈለማ ግዜ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ከካይዱን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክራኸቡ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ ከመላኽት እንከሎ፥ ድሕሪ ምስ ቅዱስነቶም ዘካይድዎ ናይ ብሕቲ ርክብ፥ ናብቲ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምብጻሕ ከካይዱን ኣብ ሮማ ምስ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ምእመናን ናይ ሶርያ ማላንካራዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፎሪ ለ ሙራ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

08 Sep 2023, 16:23