ቅድሚ ሲኖዶስ ምጅማሩ ኢኲመኒካዊ መደብ ጸሎት ዋዜማ ክካየድ ኢዩ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቅድሚ እቲ ዝመጽእ ዘሎ ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ብ30 መስከረም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝካየድ ካብ እተፈላለያ ሕብረት አብያተ ክርስቲያን ዝሳተፉሉ መደብ ጸሎት ዋዜማ ክመርሐዎ ኢዮም።
እዚ መደብ ጸሎተ ዋዜማ እዚ ነቶም ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ፓትርያርክ ዝኾኑ ብጹዕ ወቅዱስ ፓትርያርክ በርተሎሜዎስ ቀዳማዊ ኣባኡ ንምስታፍን አብቲ መደብ ጸሎታት ንምክፋልን ሓንጐፋይ ኢሉ ክቕበሎ ኢዩ ፣ ከምኡ ንናይ ውህደት አንግሊካዊት ቤተክርስቲያን ቀዳሚ ናይ ካንተርበሪ ሊቀ-ጳጳሳት ጃስቲን ዌልቢን ብዙሓት ካልኦት መራሕቲ እተፈላለያ ሕብረት አብያተክርስቲያንን ከምኡውን ካብ እተፈላለያ ጕጅለታት ዝመጹ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ አሕዋትን አሓትን ዘሳትፍ መደብ ክኸውን ኢዩ።
እዚ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ዕለት 30 መስከረም ዝካየድ መደብ ጸሎት ዋዜማ፣ ነቲ ካብ ዕለት 4 ጥቅምቲ ክሳብ 29 ጥቅምቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ንዘካይዶም ስራሓት ናብ መንፈስ ቅዱስ ንምውፋይ ዝዓለመ ኢዩ፣ እዚ መደብ እዚ ድማ ቃል ኣምላኽ ምስማዕ ውዳሰን ምልምማድን መዝሙራት ማሕበረ ሰብ ታይዜ ከምኡውን ናይ ጽሞና ግዜ ዘጠቓልል መደብ ክኸውን ኢዩ።
ብቐጥታ ዚመሓላለፍ መደብ
እዚ መደብ ጸሎት ዋዜማ ብመራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ኣቢሉ ናብ ሸሞንተ እተፈላለየ ቛንቋታት ብምትርጓም ብቐጥታ ክመሓላለፍ ኢዩ።
ብዛዕባ እዚ መደብ እዚ ብዝምልከት ኣብ መድረኻት መራኸቢ ብዙሓን ሓድሽ ሓበሬታ ንምርካብ ፦ ብፌስቡክ / ብኢንስታግራም ፦ @30Sept2023 #Together2023 ፣ ከምኡውን ኣብ ኤክስ (ቀደም ትዊተር ተባሂላ እትፍለጥ ዝነበረት) - @Together2023 ምክትታል ይከአል።
ብመሰረት እቲ ትማሊ ሰኑይ ዕለት 25 መስከረም ካብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤተጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እዚ አብ ዝመጽእ ቀዳም ዝካየድ መደብ ጸሎተ ዋዜማ ካብ ሰዓት 5 ክሳዕ 6 ድሕሪ ቀትሪት ዝካየድ ምዃኑን ኣብ ኣርባዕተ ህያባት ዘተኮረ መደብ ምስጋና ከም ዝኸውን ተገሊጹ፣ ማለት ምስጋና ምእንቲ ውህበት ሓድነትን ጕዕዞ ሲኖዶስን ፣ ምእንቲ ውህበት ካልኦት አሐአትን አሓትን፣ ምእንቲ ውህበት ሰላም፣ ከምኡውን ውህበት መላእ ተፈጥሮን ዘተኮረ ክኸውን ኢዩ ።
አብዚ ኣብያተ-ክርስትያን ወቕቲ ፍጥረት አብ ዘኽብራሉ ዘለዋ መደብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በኣእዋምን ዕምባባታትን ክሽለምን፣ ከምኡውን መስቀል ቅዱስ ዶምያኖ ዘቅዱስ ፍራንቸስኮስ ብኽብሪ ማዕሪጉ ክቕመጥ ኢዩ።
መንእሰያት ዓለም ብጸሎት ክሓብሩ ኢዮም
ካብ እተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ኣብቲ ካብ 29 መስከረም ክሳዕ 1 ጥቅምቲ ኣብ ዙርያ ከተማ ሮማ ዝካየድ መደባት ትምህርትን ኣኼባታትን ክካፈሉ ኢዮም ። በዚ ኸምዚ ድማ ነዚ ናይ ዝተፈላለያ ሕብረት አብያተ ክርስቲያን ዘማእከለ መደብ ጸሎት ዋዜማ ሓደ ክፍሊ ናይ መደባቶም ክኸውን ኢዩ። አቐዲሞም ቀዳም ቅድሚ እዚ መደብ እዚ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ላተራን ተጋቢኦም መደብ ጸሎትን ውዳሴን አምልኾን ከካይዱ ኢዮም።
ገለ ኻብቲ ናይዞም መንእሰያት ዓውደ ዕዮ ዘካይዶም መደባት ካብ ስደተኛታት ምስክርነት ተመክሮኦም ምስማዕ፣ ካብ ካልኦት ሃይማኖታትን ቤተ-እምነታትን ዝመጹ ምስክርነታት፣ ንስራሓት ናይ አገልግሎት ተልእኾ ከተማ ናብቶም ዝተገለሉ ምብጻሕ፣ ከምኡ ውን አብቶም እተፈላለዩ ባህልታትን ትውፊታትን ንክርስቶስ ምልላይ፣ ዘተን ምይይጥ ከምኡውን ንተፈጥሮ ምክንኻን ዝአመሰሉ መደባት ዘጠቓለለ ክኸውን ኢዩ።
በዚ መንፈስ እዚ ድማ ብ30 መስከረም ወይ ከአ አብ ዙርያ እዚ ዕለት እዚ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 200 ዝኾኑ ናይ ሕብረት መደባት ጸሎታት ተወዲቦም ይርከቡ ፣ ካብ እተፈላለያ ኣብያተ - ክርስትያን ዝመጹ ክርስትያን አሕዋትን አሓትን ድማ ኣብዚ መደባት ተሳቲፎም ብሓባር ክጽልዩን ከስተንትኑን ምዃኖም ተፈሊጡ አሎ ።