ር. ሊ. ጳ. ንሰራሕተኛት ቤት መድሓኒት ቫቲካን፦ 'ዕዮኹም ፍቕሪ ክውሰኾ ይሓትት እዩ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ አብ ዝመጽእ ዓመት 2024 ዝኽሪ ምስረታኡ ኢዮቤል መበል 150 ዓመት ንምኽባር አብ ምስንዳው አብ ዝለዉሉ ትማሊ ሰኑይ ዕለት 18 መስከረም፣ ምስ 150 ዝዀኑ ሰብ ውፉይ ሕይወትን ዓለማውያን ምእመናን ምስ ዝኾኑ ሰራሕተይናታት ቤተ መድሓኒት ሃገር ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ዓውደ አኼባ ስለቲ "ሞያኦምን ተወፋይነቶምን" ከምኡውን ስለቲ ተልእኾኦም ዝፍጽሙሉ "ሃንጐፋይ ኢልካ ናይ ምቕባል መንፈሶምን ስለ ዘለዎም ቅሩብነትን" ኣመስገንዎም።
አገልግሎት 150 ዓመታት ሓዋርያዊ ቤት ምሕደራ ኩላዊት ቤተክርስቲያን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ጽርሃ ጉባኤ ቅሌምንጦስ አብ ዘካፈልዎ ቃለ ማዕዳን፣ ብዛዕባ ታሪኽ ናይቲ ብ1874 ንኣገልግሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ንካርዲናላትን ብምባል ንሕልማን ራእይውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ግሪጎሪ መበል 16 አብ ተግባር ንምፍጻም ብብጹእ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒየስ ታሽዓይ ከም እተመስረተ ብምዝካር ሓጺር ታሪኽ ናይቲ ቤተ መድሓኒት አቕሪቦም ።
እዚ ኽፍሊ ኣገልግሎት እዚ ነቶም ንልዕሊ ኣርባዕተ ዘመን ኣብ መላእ ዓለም እተፈላለየ ናይ ጥዕናን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ንጥፈታት ክፍጽሙ ዝጸንሑ ማሕበር አሓው ሓካይም ቅዱስ ዮሓንስ ዘአምላክ ሕድሪ ተዋሒቡ ጸኒሑ ኢዩ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፍላይ ነቲ እዚ ቤተ መሓኒት ቫቲካን ከምኡውን ማሕበር አሓው ሓካይም ቅዱስ ዮሓንስ ዘአምላክ ነቶም ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ አበው ጳጳሳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝገበርዎ ኽቡር ደገፍን አገልግሎትን ገሊጾም ።
ድሕሪ ግዜ እዚ ቤተ መድሓኒት ንሰራሕተኛታት ቫቲካንን ንተቐማጦ ኸተማ ቫቲካንን ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ኣብ ካልእ ቦታ ኺርከቡ ዘይክእሉ ፍሉይ መድሃኒት ዜድልዮም ሰባት እውን ኣገልግሎቱ ኣስፍሐ። ሎሚ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ካብቶም ኣገልግሎት ናይዚ ቤተ መድሓኒት እዚ ዝጥቀሙ ሰባት ካብ ከተማ ቫቲካን ወጻኢ ዝመጹ ኢዮም ።
ነቶም ኣዝዮም ነቀፍቲ ዝኾኑ "ናይ ፍቕሪ ረድኤት" ምሃብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አባላት ማሕበር አሓው ሓካይም ቅዱስ ዮሓንስ ዘአምላኽን ንዅሎም ሰራሕተኛታት እዚ ቤተ መሓኒኒትን ስለቲ ዝገብርዎ ዘልዉ ኣገልግሎት ፍቕሪ ኣመስገንዎም።
እዚ ኣገልግሎቶም ከአ ካብቲ ኻልኦት ቤተ መድሓኒታት ዝህብዎ ኣገልግሎት እተፈልየ ምዃኑ ገለጹ፣ እዚ ኸኣ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ንኣባላት ቤተ ምሕደራ ናይ ኵልአዊት ቤተክርስትያን ማለት ኩርያ ሮማና ስለ ዜገልግል ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ተነቀፍትን መሳኪን ሕሙማትን "ናይ ፍቓሪ ረድኤት" ዝህብ ከም ምዃኑ ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝተዓዘብዎ አብ መንጎ እቶም ዘገልግውዎም ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ "መድሃኒት ጥራይ ዘይኰነስ ቈላሕታ ፍሽኽታ ምጽንናዕ" ዘድልዮም ብዙሓት ኣረጋውያን ስለ ዘለዉ፣ ትዕግስቲ ከምኡውን ከም መጠን ዕቤት ዕዮኦም ከምኡ ውን ከም "ምስክር ወንጌል ትብዓትን ቅሩብነትን" ከርእዩ ከም ዘለዎ አመልከቱሎም ።
"እዚ ተራ ስራሕ ዘይኮነስ ተልእኾ ኢዩ " ከአ በልዎም ።
"ነዚ ኣይትረስዑ። ምስማዕን ጽንምባልን .... ሓድሓደ ግዜ ዜሰልኪ እኳ እንተ ዀነ እቲ ዝዛረበኩም ዘሎን ጸገሙ ዝገልጽ ዘሎን ሰብ ግና ብኣኻ ኣቢሉ ኻብ ኣምላኽ ሓልዮት ይቕበል እዩ" ክብሉ አተባብዕዎም።
ንዝሓመሙ ምግልጋል ንኣምላኽ ምግልጋል ኢዩ
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ሰራሕተኛታት ቤተ መድሓኒት ቫቲካን አብ ዕዮኦም ኩሉ ኣዒንቶም ናብ መስቀል ገጾም ከልዕሉን "ናብቲ ዝቘሰለ ኣምላኽ ክጥምቱን" ተማሕጸንዎም።
"ንሕሙማት እትገብርዎ ኣገልግሎት ንአምላኽ ምግልጋል እዩ" ብምባል ድማ ኣዘኻኸርዎም።
"ካብቲ ሰማያዊ ሓኪም ዝኾነ ክርስቶስ ትዕግስትን ሕያውነትን ከምኡውን ከይደኸምካ ምፍቃርን ብርታዐን ምርካብ ባህ ዘብል ኢዩ። ንስኻትኩም እውን ካብቲ ቤት ትምህርቱ ካብ ሰደቓ መስቀል ኣትሒዝኩም ኽሳዕ ባንኮ ቤተ መድሓኒት መዓልታዊ ግብሪ ምሕረት ክትገብሩ ኢኹም ተጸዊዕኩም ዘሎኹም። " ብምባል ቃለ ምዕዳሞም ዛዘሙ።