ድለ

2023.09.30 Concistoro Ordinario 2023.09.30 Concistoro Ordinario  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ፦ 'ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንውሁድ ቅኒት ሲኖዶሳዊት ቤተ-ክርስትያን' ክትሰርሑ ጸዓሩ

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ 21 ሓደስቲ ካርዲናላት ንምሻም እተገብረ ሓፈሻዊ ጉቡኤ ካርዲናላት ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ ሓድነትን ብዙሕነትን አመልኪቶም አብ ዘቕረብዎ ቃለ ምዕዳን፣ አገዳስነት ሲኖዶሳውነት ማለት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይቲ "ብሓባር ናይ ምጕዓዝ ጐይታ" ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ምርካብ ከም ዝኾነ አስፊሖም ገሊጾም

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ቀዳም ዕለት 30 መስከረም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ 21 ካርዲናላት ንምሻም አብ እተገብረ ጉባኤ አብ ዘስምዕዎ ቃል አምላኽ፦ "ጉባኤ ካርዲናላት ንናይ ቤተ-ክርስትያን ውሁድ ቅኒትን ስኒትን ብምግላጽ ንውህደትን ሲኖዶሳውነትን ከመልክት እትተጸውዐ ኢዩ።" በሉ።

ብዙሕነት ኣብ ሓንቲ ካቶሊካዊት ቤተ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ንጉባኤ ካርዲናላትን ሓደስቲ ኣባላቶምን (19 ሊቀ ጳጳሳትን ጳጳስትን ክልተ ኻህናትን ወሲኽካ) አብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን እንካብ ግብሪ ሓዋርያት አብቲ ብዛዕባ ዕለተ ጰራቕሊጦስ ዘዘንቱ ክፍሊ (ግብሪ ሃዋርያት 2፡ 1-11) ተመርኲሶም ከመይ ቢሎም ሓዋርያት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኦም ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ አይሁዳውያንን ነቶም ካብ እተፈላለተ ሃገራት ዝመጹን ወንጌል ከም ዝሰበኹሎም ሰፊሕ አስተንትኖ አቕረቡ።

ኣብ መንጎ እቶም ሓዋርያት ክሰብኩ ከለው ዝሰምዑ ዝነበሩ ካብ እተፈላለየ ከባቢታት ዝመጹ እተፈላለየ ቋንቋ ዝዛረቡ ከም ዝነበሩን ከምኡ ውን ኣይሁድ ከም ዝነበሩ ብምጥቃስ ኣብ መንጎ እዞም ኣብዚ ዝሽየሙ ዘለዉ ካርዲናላት ውን "ካብ ኵሉ ኽፍልታት ዓለም ካብ እተፈላለዩ ሃገራት" አብዚ ደረጃ ክድይቡ ከለዉ ተመሳሳሊ ምዃኑ ገለጹ።

ቅዱስ ኣቦና ከም ዝገለጽዎ እዚ ኣረኣእያ እዚ ኻብቲ ጓሶት ቤተ ክርስትያን ከም ሓዋርያት ዚልለዩሉ ልሙድ ኣረኣእያ እተፈልየ ከም ምዃኑ ብምጥቃስ፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቶም ብስራት ወንጌል እተቐበሉ ህዝቢ የሩሳሌም ብዛዕባ ምስጢር ድሕነት ዝተገልጸ ኣዋጅ ሓንጐፋይ ኢሎም ኪቕበልዎ ኸለዉ (...) እቶም ኵሎም እተፈላለየ ቛንቋታት ዝዛረቡ ዝነበሩ ሕዝብታት ክፍሊ ቤተ-ክርስትያን ኮኑ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ቤተክርስቲያን ሓንትን አድማሳዊትን ምዃና ተገሊጹ"።

ብስራት ወንጌል በብቋንቋና ናይ ምስማዕ ውህበት

ቅዱስነቶም ከም ዝጠቐስዎ ቅድሚ “ሓዋርያት” ምዃኖም፣ ማለት ካህናት፡ ጳጳስት፡ ካርዲናላት ጓሶት ቅድሚ ምዃኖም ክዝክርዎ ዘለዎም "ሰብ ጴርቴን፡ ሰብ ሜድን፡ ሰብ ኢላምና. . .ወዘተ" ከም ዝነበሩ ኢዩ፣ ልክዕ ከምቶም አብ ኢየሩሳሌም ወንጌል እተቐበሉ አይሁዳውያ "ጸጋ ወንጌል ብኣባሓጎታቶምን ወለዶምን ብካህናቶምን ብመምህራን ትምህርተ ክርስቶስን ብቋንቋኦም ስለ እተቐበልዎ" ኬማስዉሉ ኸም ዘለዎም አመልከቱሎም።

ቅዱስ አቦና ቀጺሎም - "እወ ወንጌላውያን ሰበኽቲ ከም ምዃንና መጠን ነቲ ኣብ ልባትና ዘስተማቐርናዮ ዘደቕ ብስራት ስለ ዝተበሰርና ከነመስግን ይግብአና፣ ከመይሲ እዚ ወትሩ ውህበት ከም ምዃኑ መጠን ኣብ ተዘክሮታትናን እምነትናን ብቐጻሊ ክሕደስ ኣለዎ ። " ኢሎም።

"መንፈስ ቅዱስ በቲ 'ስጋ' ህዝብና ገይሩ ንምስጢር ናይቲ ዝሞተን ዝተንስእን ኢየሱስ ክርስቶስ ናባና ንምምሕልላፍ ዜደንቕ ዕዮ ዓዪዩ እዩ። እዚ ኸኣ 'ብቛንቋና' በቲ እንሰምዖ ገይሩ (...) መጸና። እታ እምነት ከአ 'ብላህጃ' ናይ ኣዴታትናን ዓባያትናን ተመሓላሊፋትልና።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ጰራቅሊጦስ ዝሓለፈ ታሪኽ ኣይኰነን የግዳስ ኣምላኽ ብቐጻሊ ዘሐድሶ ናይ ምፍጣር ተግባራቱ ኢዩ" ከምኡውን "ቤተ-ክርስትያንን ነፍሲ ወከፍ እተጠምቀ ኣባልን ብተግባር መንፈስ ቅዱስ ገይሮም ሎሚ ውን እንተኾነ ነቲ ናይ ኣምላኽ ህይወት የስተማቕርዎ" ብምባል ነቶም ናይ ዕለቱ ስዩማን ካርዲናላት እቲ ሓድሽ ተልእኾኦምን ነቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያንን  ንቤተ-ክርስትያንን ዘለዎም ሓድሽ ግደ አጸቢቑ ከም ዘሐድሶ ኣዘኻኸርዎም።

ብዝያዳ ንውሁድ ቅኒት ሲኖዶሳውነት ቤተ-ክርስትያን ንምዕያይ

ነዚ ተልእኾ እዚ ድማ ቅዱስነቶም ከም ዘመልከትዎ ንምሳሌ ናይ ሓደ ውሁድ ቅኒት ዘለዎ ሙዚቃ ብምጥቃስ "ንስኒትን ውህደትን ቤተ-ክርስትያን ዘመልክት" ሓድነትን ሲኖዶሳውነትን ዘንጸባርቕ ውሁድ ቅኒት ከም ምኹኑ ገለጹ።

"ብዙሕነት አገዳሲ ኢዩ፣ ናይ ግድን ከአ ኣድላዪ ኢዩ ። በዚ ኸምዚ እምበራ ናይ ነፍሲ ወከፍ ድምጺ ነቲ ሓባራዊ ንድፊ ኣበርክቶ ኽገብር ኣለዎ ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ሓባራዊ ምስማዕ ኣድላዪ ዝዀነ" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገሊጾም፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ እቲ መራሒ ናይቲ ውህደት ዘለዎ ቅኒት መንፈስ ቅዱስ ንሓገዝ  "ነፍሲ ወከፍ ሰብን፣ ንብምሉኡ ነቲ ጉባኤን እቲ ዝዓበየ ናይ ምፍጣር ተኣማንነት ንኸማዕብሉ" ክሕግዝ ከም እተጸውዐ ገለጹ።

ስለዚ ንጉባኤ ካርዲናላት "ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ውሁድ ቅኒት ሲኖዶሳውነት ቤተክርስትያን" ካብ መንፈስ ቅዱስ ብምክፋል "ብዙሕነትን ሓድነትን ብምጥማር ከምኡውን "ስኒት ዘለዋ ቤተክርስቲያን" ንምግልጋል ኢኹም ተጸዊዕኩም ክብሉ ምሕጽንታኦም አቕረቡሎም።

አብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ናብቲ ሕያውነትን ጽኑዕን ምርሒት መንፈ ቅዱስ ገዛእ ርእስና ንወፊ፣ ንባቲ ጸጋና ዝኾነጠበቓነት ድንግል ማርያም ውን ንወፈ" ክብሉ ቃለም ምዕዳኖም ዛዘሙ።

ሓፈሻዊ ጉባኤ ካርዲናላት 2023 - ቃል ማዕዳን ቅዱስ አቦና
ሓፈሻዊ ጉባኤ ካርዲናላት 2023
30 Sep 2023, 16:18