ር. ሊ. ጳ. ምስ ቤተክህነት ማርሴል ፦ ቆላሕታ ኢየሱስ ናብ ካልኦት ንምምላስ
ኣባ ተወልደ መብራቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ማርሴል ፈረንሳ አብ ዝገብርዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እቲ ናይ መጀመርያ ዕዮኦም ትማሊ ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ አብቲ ማርያማዊ አገልግሎት ጸሎት አብ ዝተገብረ መደብ ምስ ቤተክህነት ሰበኻ ማርሴል አብ ባዚሊካ ኖትረዳም ደ ላ ጋርድ ተራኺቦም።
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ማርያማዊ መደብ ጸሎት አብ ዘቕረብዎ አስተንትኖ ቃል አምላኽ እታ ተጋቢኦምላ ዘለዉ ቤተ-ክርስትያን ብተኣምር ወይ ብመገዲ ግልጸት ዘይኰነስ እተረኽበት፣ እቶም ኣብ ማርሴል ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ “በዕይንቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም አቢሎም አማናዊ ህላዌ ጐይታና ከስተማቕሩ. . . ስለዝደለዩ አብዚ መስረትዋ" ክብሉ አስተንትኖኦም ጀመሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ አስተንትኖኦም አብቲ ናይ አገልግሎት ክህነት “ማርያማዊ መልክዕ” አተኵሮ ብምግባር አብቲ ድንግል ማርያም ናብ ደቅሰብት ዘምጽኣቶ "መስቀላዊ ጠመተ" ማለት እቲ ኢየሱስ ንህዝቡ ዘለዎ ቆላሕታን ከምኡውን እቶም ህዝቢ አምላኽ ናብ ጐይታ ዝገብረዎ ጠመተን ብምስትንታን ሰቢኾም።
ናይ ኢየሱስ ለዋህ ጠመተ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ኢየሱስ ንዅሎም ሰብኡትን ኣንስትን ብለውሃት ጠመቶም ደአ እምበር አይፈረዶምን፣ እኳ ደአ ነቶም ትሑታት ልዕል ከብሎም ኢዩ ዝተረኽበ። ኣገልገልቲ ቤተ-ክርስትያን ውን ነዚ ተመኪሮምዎ ክንድ ዝኾኑ፣ ኸም ኡውን ብግዲኦም ብርሕራሔ ዚድንግጹ ሰብኡትን ኣንስትን ኪዀኑ ከም ዘለዎም ብምዝኽኻር ነዚ ኣረኣእያ እዚ ኼንጸባርቑ ኸም እተጸውዑ ገለጹ።
"ንገጽ ጐይታ ብትሕትናናን ብሕያውነትናን ብተቕባልን ምእንቲ ኸነርኢ አፍደገ ኣብያተ-ክርስትያንናን ቤተ-መቅደሳትን ጥራይ ዘይኰነስ ብፍላይ ከኣ ማዕጾ ልብና ንኽፈት" ብምባል ኣተባብዖም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካህናት ወትሩ መስኖ ይቕሬታን ምሕረትን አምላኽ ምእንቲ ክኾኑን ከምኡውን "ብቅዱሳንት ምስጢራት ኣቢሎም ህይወት ደቅሰባት ብምብራህ ዝርከብ ሓጐስ" ብዝበለጸ ምእንትን ከስተማቕሩ ኣተባብዕዎም። ምስ ኵሉ ሰብ ብፍላይ ከኣ ነቶም ድኻታትን ዘይተዓደሉን ክቐርብዎምን ክረኽብዎምን ድማ ኣተባብዖም ።
ምእንቲ እቶም ናብ ኢየሱስ ዚምለሱ ምልምማድ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቲ ካልአይ ክፋል ጠመተ አገልገልቲ ቤተክርስቲያን ብምትኳር "አብቶም ናብ ኢየሱስ ዚምለሱ ሰብኡትን ኣንስትን" ቆላሕታ ክገብሩን ከም መማለድቲ መጠን ዘለዎም ግደ ገሊጾም።
ልክዕ ከም ድንግል ማርያም ኣብቲ መርዓ ናይ ቃና "ንኻልኦት ናይ ምልምማድ ድምጺ ክኾኑ ጽዉዓት" ኢዮም፣ ክጽልዩ ኸለዉ ድማ ነቲ ዅሉ ሓልዮት አምላኽ ዝልግሰሎም ነገራት ኣብቲ መንገዲ መልሶም ከምጽኡሎም ይኽእሉ ኢዮም ክብሉ አተባብዕዎም።
ቅዱስ አቦና ኣብቲ ባዚሊካ ኖተረዳም ደ ላ ጋርድ ንዝርከቡ ሰለስተ አሳእል እኖና ድንግል ማርያም ብምጥቃስ ሓጺር አስተንትኖ ብምግባር ቀጸሉ።
እቲ "ኣብ ርእሲ እዚ ባዚሊካ" ዘሎ ዓብዪ ሓወልቲ ማርያም ንካህናት "በረኸትን ሰላምን ኢየሱስ ኣብ ኵሉ ንኸብጽሑ" እዩ ዜዘኻኽሮም። ድንግል ማርያም አብ ሕቑፋ ሒዛቶ ዘላ ምስሊ ሕጻን ኢየሱስን ሕቝፊ ዕምባባታትን ከአ ብኸመይ ማርያም ንኢየሱስ ከም ዘቕረበትልናን ከምኡውን ንዓና ከመይ ቢላ ከም ሕቝፊ ዕምባባታት ናብ ኢየሱስ ከም እተቕርበና ዘርኢ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ እቲ ኣብ መንበረ ታቦት ዘሎ ምስሊ ድንግል ማርያም ንክርስትያን ምእመናን መልእኽቲ ኢየሱስ ንኻልኦት ብምብሳር 'ህያው ወንጌል ክዀኑ' ዝዕድም ምዃኑ ገለጹ።