ር.ሊ.ጳ. ንኣባላት ማሕበር ‘ተስፋ ስድራ ቤት’ ናይ ተስፋ ጸዋዕታኹም ኣይትዘንግዑ!
ዕለት 29 መስከረም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ብራዚል ብዝተፈላለየ ወልፍታትን ንዝሳቐዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝኣልዩን ካብቲ ዝወደቕሉ ሰብኣው ክብሪ ዝሓክኽ ጸገም ክላቐቑ ዝዓዪ ብራዚሊያዊ ማሕበር ‘ተስፋ ስድራ ቤት’ ኣባላት ተቐቢሎም፥ እቲ ኣብነት ሕያዋይ ሳምራዊ ብምስዓብ፥ ተኣፋፍያን ናብ ዝኾኑ ሰባት ተስፋ ንምብጻሕ ኣብ ዝገብርዎ ኣገልግሎት ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ዓርቢ ዕለት 29 መስከረም ምስ ኣባላት “ተስፋ ስድራ ቤት” ዝተሰምየ ኣብ ብራዚል ዝመድብሩ ብዓለማውያን ምእመናን ኣባይቲ ስድራ ዝቖመ ብናይ ቅድስቲ መንበር ስድራ ቤትን ዓለማውያን ምእመናንን ህይወት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ይኹንታ ዝተወሃቦ ኣህጉራው ማሕበር ምእመናን ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ወልፍታት ንዝወደቑ ሰባት ዝሓልይን ካብቲ ዝወደቕሉ ወልፊ ንኽናገፉ ዝኣልይ ኣባላት ተቐቢሎም፥ ተቓላዕቲ ትሕቲ ዕድመ ሕማም ኤይድስ ዘለዎም ብዝተፈላለየ ወልፍታት ዝተጠቕዑ ጽጉማትን ዝኣልይ ብፍራንቸስካዊ ካህን ኣባ ሃንስ ስታፐል ኣብ 1983 ዓ.ም. ዝቖመ፡ ነቶም ብወልፊ ዕጸ ፋርስ ንዝሳቐዩ መሕወዪ ማእከል ኣብ ግዝኣት ሳው ፓውሎ ብምቛም ዘበገስዎ ኣገልግሎት ከም ዝኾነ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን፥ እዚ ማሕበር እዚ ኪኖ ብራዚል እውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ዝተዋፈረ ምዃኑ ገሊጹ፥ ኣብ ምድሓን ኣሕዋትን ኣሓትን ዘሳልጥዎ ኣገልግሎት ከም ዘተባብዑ የመላኽት።
ነቲ ናይ ተስፋ ጸዋዕታኹም ከይተጥፍኡ
ቅዱሰንቶ፥ ነቶም ኣስታት 1200 ኣባላት ማሕበር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ መረባ ቅዱስ ዳማሶ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ስለ ዕዮኦምን ምስክርነቶምን” ኣመስጊኖም፥ ነቲ “ጽዋዕታ ተስፋ” ክዕቅቡ ድማ ሓደራ ቢሎም፥ “እግዚኣብሔር ዘቕርበልኩም ጸዋዕታ ነቶም ምናልባት ድሕሪ ሕጂ ኣብ ህይወቶም ትርጉም ዘይርእዩ ትርጉም ዝሰኣኑ ተስፋ ንምምጻእ ኣብቶም ኣብ ማሕበራዊ ተቓላዕነት ዝርከቡ ሰባት ብዘይ ቅድመ ኩነት ከተፍቅርዎም ዝሓትት ጸዋዕታ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ መዓት ዘይምግዳስ - ሸለትነት
“ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ጸገማት ናይ እዋንና ዘይምጋድስ - ሸለልትነት እዩ” ቢሎም፥ ስድራ ቤት ተስፋ ብዛዕባ ቃንዛ፥ “ብዙሓት መንእሰያት ብዓቢ ህላወኣዊ ስቓይ ዝሳቐዩ ብፍላይ ድማ እቶም ብዕጸ ፋርስን ካልእ ወፍልታትን ህይወቶን ዝዓወነ” ብምፍዋስ ክብረቶም ዳግማይ ንኽረኽቡ ዘቕርብዎ ሓገዝ ኣብነት ሕያዋይ ሳምራዊ ዝስዕብ እዩ፥”
ነቶም ካብ ፈቐዶ ጎደናታት ንእተልዕልዎም ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቀረባ ወይ ብዝያዳ ሓውን ሓብትን ኴይንኩም ኣብነት ሕያዋይ ሳምራዊ ብምስዓብ ክትሕክሙን ክትፍውሱን ክብረቶም ዳግማይ ንኽረኽቡ ዝወሰንኩም - ዝተጸዋዕኩም ኢኹም
ሰብኣውን መንፈሳውን ደገፍ ንተቓላዕቲ
“ይኹን እምበር - ይብሉ ቅዱሰንቶም ኣስዒቦም፥ “ተስፋ ምምጻእ ማለት ንርኽሰት ምስዓር ንስንባደ ምብዳህ ሓደ ሰብ ኣብ ስድራ ቤትን ኣብ ሕበረተሰብን ቦታ ንኽረክብ ምግባር ጥራሕ ማለት ከም ዘይኮነ” ገሊጾም፥ እቲ ብስድራ ቤት ተስፋ ዝካየድ ዕዮ መንፈሳዊ ሸነኽ እውን ዘለዎ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ከምቲ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ጓራቲንጐታ ኣብ ዝርከብ ናይቲ ናይ ስድራ ቤት ተስፋ ማእከል በጺሖም፥ ኣገልግሎት እቲ ማሕበር፥ “ንዳግማይ ርኽበት ኣምላኽን ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ንጡፍ ተሳትፎን” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዘኪሮም፥
እቲ ናይ ተስፋ ስድራ ቤት ዝብል መንፈሳዊ ጸጋ እቲ ማሕበር መንፈስ ቅዱስ ኣብ መንጎኹም ዘለዓዓሎ ህያብ፡ ንሰባት ንዋታውን መንፈሳውን ውህደት ዘለዎ እተቕርብዎ ሓልዮት ስጋን ነብስን ንምክንኻን እዩ!
ምስ በሉ ኣስዒቦም፥ እቲ ማሕበር ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ኣብ ዘብዕለሉ ዘሎ እዋን፥ ኩሎም ኣባላት እቲ ማሕበር “ብትሕትናን ብሕብረትን መንፈሳዊ ህያብ መስራቲኦም ከማዕብሉ ሓደራ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ንቤተ ክርስቲያን ኣድላዪ ዝኾነ ሰናይ ስራሕ
ኣብ መደምደምታ ንኣባላት እቲ ማሕበር፥ ብዕዮኦም ንዝህብዎ ምስክርነት ከምኡ እውን ንካህናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ሰኣልያንን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ንገለ ቅዱሳን ሰባት ዝጸሉ ብድሆታትን ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገማትን ንኽሰግሩ ዝሕግዙ ብምዃኖም ድማ ኣመስጊኖም፥ “እዚ ንቤተ ክርስቲያን ኣዚዩ ኣድላዪ ሰናይ ዕዮ ቀጽልዎ” ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከም እተፋነዉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።