ድለ

ር.ሊ.ጳ. ሞንጎሊያ ኣብ ዓለም ሰላም ንምድንፋዕ ዘለዋ ንጡፍ ግደ ይንእዱ

ቅዱስነቶም ኣብ ኡላንባታር ናይ በርገሳውያንን ናይ መግንስትን ላዕለዎት ኣካላትን ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎሊያ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መግንስታት ኣብ ዝተረኽብሉ ዓውደ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ሞንጎሊያ ኣብ ምድንፋዕ ሰላም ኣብ ዓለም ዘለዋ ንጡፍ ግደ ንኢዶንም፥ እታ ንእሽቶ ኣብ መንጎሊያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ህንጸት ምዕባለ እታ ሃገርን ህዝብን ዘለዋ ኣበርክቶ ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንኹሎም ኣብቲ ጉባኤ ንዝተረኽቡን ናይ ሞንግሊያ ርእሰ ብሔር ንኽብሮም ስለ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ኣመስጊኖምን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ “እቲ ጸሊም ናይ ኩናት ደበና ብድሌት ኣድማሳዊ ሕውነት እዩ ዝእለይ፥ እብዚ ኸኣ ወጥሪ ብርክባትን ብዘተን ይፍታሕ፡ መሰረታዊ መሰላት ኩሉ ህዝቢ ድማ ይረጋገጽ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ንግደት ምሕዝነት

ቅዱሰንቶም ነቲ ኣብ መንጎሊያ ዘካይድዎ ዘለዎ ዑደት፥ ናይ ምሕዝነት ንግደት ብዝብል ቃል ገሊጾም፥ ስለዚ ከም ነጋዲ ምሕዝነት ንህዝቢ ሞንጎሊያ ክበጽሑ ዘሕደረሎም ሓገስ ገሊጾም፥ . . . ኣብ መንጎ ሞንጎሊያን ቅድስቲ መንበር ዘሎ እዋናዊ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ሰላሳ ዓመት ዘቕጽር ዘሎ እውን እንተኾነ፡ እቲ ናይ ፈለማ ርክብ ግን ካብ መበል 13 ክፍለ ዘመን ዝተበገሰ ምንባሩ ኣዘኻኺሮም።

ኣነ ኣብ ኣፈት ደው ዝበልኩ ነጋዳይ ምሕዝነት እየ፡ ብፍሱህ ልብን ብህላወኹምን ኣብ ሰብኣውነት ሃብታም ንኽኸውን ብዘሎኒ ድሌት ኣብ ቅድመኹም እርከብ!

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሰበኽ ሳግማዊ ባህሊ መንጎሊያ ኣብ ሓልዮት ፍጥረት ኣምላኽ ኣብነት እዩ

ቅዱሰንቶም ነቲ ናይ ሞንጎሊያ ካብ ሰበኽ ሳግማዊ ባህሊ ዝመጸ “መበቆላዊ ናይ ደቀባት ጥበብ” ሞንጎላልውያን ነቲ ክርስቲያን ከም ፍጥረት ኣምላኽ ገይሮም ዝርእይዎ ፍጥረት “ከነማስወሉን ተጠንቂቕና ከነማዕብሎን ነቲ ኣብ ሓላፍነት ዝስምዖ ስነ ምህዳራዊ መምርሕታት ተንጸባሪቑ ዘሎ ናይ ምክንኻንን ኣርሒቕካ ናይ ምርኣይን ባህሊ ወዲሰብ ዕንወት ዘምጽኦ ሳዕቤን ንምቅላስ ክሕግዘና ዝኽእል እዩ።”

ቅዱስነቶም ወሲኾም፥ እቲ ኩለንተናዊ ራእይ ናይ ሞንግሊያ ደብተራዊ ትዊፍት ምስቲ ካብ ፍልስፍና ቡድሃ ዝተወረሰ ንኹሎም ህያዋን ፍጡራት ዝወሃብ ክብሪ ተደሚሩ፡ ነዛ መሬት ንምሕላውን ንምዕቃብን ዝግበር ህጹጽ ጻዕሪ ልዑል ኣበርክቶ ክህልዎ ይኽእል እዩ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ሞንጎሊያ ኣብ ዓለም ሰላም ንምድንፋዕ ዘለዋ ንጡፍ ግደ ይንእዱ
ር.ሊ.ጳ. ሞንጎሊያ ኣብ ዓለም ሰላም ንምድንፋዕ ዘለዋ ንጡፍ ግደ ይንእዱ   (Vatican Media)

ትውፊትን ዘመናውነት

ኣተሓሒዞም፥ እቲ ኣብ ሞንጎሊያ ኣብ መንጎ ትውፊትን ዘመናውነትን ዘሎ ክቡር ምትእስሳር ንኢዶም በዚ ድማ ቀጻልነት ህዝቢ ሞንጎሊያ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ንዓበይቲ ዓለማዊ ብድሆትት ልምዓትን ደሞክራስን ርህዋት ብምዃን መበቈሎም ዓቒቦም ንቕድሚት ዝስጉሙ ምዃኖም ይምስክሩ፥

ሞንጎሊያ ንዘይምስፋሕ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ተወፋይነታ

ዘመናዊት ደሞክራሲያዊት ሞንግሊያ ንሰብኣዊ መሰላትን ሰላምን ንምድንፋዕ እተግበሮ ዘላ ጻዕሪ ብፍላይ ድማ ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ሃገር ኮይና ክትቅጽልን ምብዛሕ ኑክለስዊ ኣጽዋር ደው ክብል እተካይዶ ቀጻልን ቆራጽን ተወፋይነታ ንኢዶም፥ ለምዘበን 2023 ዓ.ም. ሞንጎሊያ መበል 860 ዓመት ልደት መስራቲኣ ቺንግስ ካን እትዝክረሉ ዓመት ምዃኑ ዘኪሮም፡ ኣብዛ ብማእለያ ዘይብሉ ግጭታት ዝዓነወት ዓለም ጸጋ ሰላም ክወርድ ተማሕጺኖም፥

ኣብዛ ብታሪኽ ኣዝያ ሃብታምን ንሰማይ ክፍትቲ ዝኾነት ሃገር፡ ካብ ሰማየ ሰማይ ጸጋ ሰላም ንለምን ብሓባር ድማ ሰላማዊ መጻኢ ንምህናጽ ንወፈይ!

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ትእምርቲ ሃይማኖታዊ ናጽነት

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥ ነቲ ናይ ሞንጎሊያ ዓሚቝ መንፈሳዊ ተሃዋስነት ኣጉሊሖም፥ እዚ ድማ “ጽሕጊ ናይ ሞንጎሊያ ባህላዊ መንነት ከም ዝኾነን ሎሚ ንሞንጎሊያ ምልክት ሃይማኖታዊ ናጽነት ክትከውን ገይርዋ ኣሎ።  ኣብ መንጎሊያ ዝርከባ ሃይማኖታት ኣብቲ መበቆላዊ መንፍሳዊ ውርሻታት መሰረት ገይረን ምስ ዝቕጽላ ብናይ ኑፋቓዊ ምዝንባላት ምስ ዘይበላሸዋ ኣመንቲ ነቲ ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወትን ፖለቲካዊ ምንባርን ንምርግጋጽ ዝጥቀምሉ ጥዑይን ምዕቡልን ሕብረትሰብ ኣብ ምህናጽ እሙናት ደገፍቲ ይኾና” እንብክብሉ ኣረጋጊጾም እዚ ድማ ኣብ ሞንጎሊያ ዘሎ ክውንነት እዩ ቢሎም፥ ኣርሒቕካ ምርኣይ ኣብ ኣገልግሎት ናይ ሓባር ረብሓ እናዓበየ ክኸይድ ዝገብር እውን ምዃኑ ኣብሪሆም፥ ማዕረ ማዕሪኡ፡ ኣንጻር እቲ ንመላእ ሃገራት ዘድክይ ማሕበራውን ሰብኣውን ረብሓን ስነ ምግባርን ዘይብሉ ኣተሓሳስባ ዝኾነ ሰላሕታ ስግኣት ብልሽውና እውን ንምክልኻል ዝድርኽ እዩ፡ ሞንጎሊያ ነቲ ናይ ሕሉፍ ዴስነታዊ ስርዓት ኣምላኽ ዘይብሉ ስነ ሓሳብ ገዲፋ ሎሚ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘለዉ ኣመንቲ ስኒት ምትሕብባር መሰረታዊ ኣገዳስነቱ ኣፍልጦ ክትህብን ከተኸብርን በጺሓ ኣላ፥ ነፍሲ ወከፎም ብናቶም ፍልዩ ኣረኣእያ ኣብ ግብረ ገባውን መንፈሳውን ምዕባለታት ኣበርክቶኡ ክህልዎ ዝገብር እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ር.ሊ.ጳ. ሞንጎሊያ ኣብ ዓለም ሰላም ንምድንፋዕ ዘለዋ ንጡፍ ግደ ይንእዱ
ር.ሊ.ጳ. ሞንጎሊያ ኣብ ዓለም ሰላም ንምድንፋዕ ዘለዋ ንጡፍ ግደ ይንእዱ   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ኣበርክቶ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ሞንጎሊያ ኣብ ሕብረተሰብ ሃገሩ

ኣብዚ ሓድሽ ኩነታት እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ንእሽቶን ጥቁብን” ናይቲ ከባቢ ካቶሊካዊ ማሕበርሰብ ኣብታ ሃገር ናይ ገዛእ ርእሱ “ሰብኣውን መንፈሳውን” ዘቕርቦ ኣበርክቶ ከሰጉም ሕጉስ ምዃኑ ኣመልኪቶም፥ ሞንጎላውያን ካቶሊካውያን፥ “ናይ ምትሕግጋዝን ኣድማሳዊ ምክብባርን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘተን ብምስፋሕ ከምኡ እውን ንፍትሕን ሰላምን ማሕበራዊ ስኒትን ብምግልግል” ነታ ሃገር ከም ዝሕግዙ ገሊጾም። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መንጎ ሞንጎሊያን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ክሌኣዊ ስምምዕ ምቛም፥ “እቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እትዋፈረሉ ተራ ጥንፈታት ንምስዓብ ኣገደስቲ ዝኾኑ ኩነታት ንምዕዋት” ኣገዳሲ መገዲ ክውክል እዩ።”

“ብሓባር ንምትስፋው”

እምበኣር ቅዱስነቶም ነቲ ናይዚ ናይ ሞንጎሊያ ሓዋርያዊ ዑደቶም መርሕ ቃል ንኽኸውን ብሓባር ንምትስፋው  ዝብል ዝመረጽዎ ሓሳብ ብምዝካር ሓዋርያዊ ዑደቶም ነቲ ኣብ መንጎ ቤተ ክርስቲያንን መንጎሊያን ኣብ ድልያ ሓባራዊ ረብሓ ዘሎ ምትሕብባርን ሕድሕዳዊ ምክብባር ዝዓሰሎ ዘተን ከዕምቖ ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጾም፥ “ካቶሊካውያን ሞንጎሊያ ምስ ኩሎም ካልኦት ኣብዛ ብሰማይ ዝተኣመሀት ዓባይ መሬት ብዘተን ምትሕብባርን ኣብ ህንጸት ምዕባለን ውሑስን ሕብረተሰብ ግብኡ ኣበርክቶኦም በቐሊሉ ከቕርብ ምዃኖርም ርግጸይና እየ ቢሎም፥

እቶም ኣብዚ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕብረተሰብ ሞንጎሊያ ውክልና ዘለዎም ጽባቐን ውርዝይናን ናይዚ ፍሉይ ህዝቢ ንዓለም ዘቕርቡ ይኹኑ!

እንክብሉ መደረኦም ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ሞንጎሊያ ኣብ ዓለም ሰላም ንምድንፋዕ ዘለዋ ንጡፍ ግደ ይንእዱ
02 Sep 2023, 16:16