ር. ሊ. ጳ.፡ ሕብረት አብያተክርስትያን ነቲ ዝተሰባበረ ክፍልፋላትና ናብ ሓድነት ይመልሶ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ አቦና አብ ዘቕረብዎ መደረ፣ ኣብ ታሪኽ፣ እቶም ምክፍፋላትና ጠንቂ ስቓይን ሓዘንን እንተ ደአ ኔሮም ኮይኖም፣ ሎሚ ኣብቲ ብሕብረት ብምጽላይን መጽናዕቲ ብምኽያድን ሓቢርና ብምዕያይን ዚጅምር ጕዕዞ ሓድነትን ሕውነተን ንምስጓም ነቲ መገዲ አብ ምዕራይ ክንሰርሕ ቃል ክንኣቱ ኣሎና በልዎም።
ቅዱስነቶም ነቶም አብ መበል 26 ጉባኤ ጳውሎሳዊ ዘተ ሕብረት አብያተክርስቲያን እተሳተፉ ሊቃውንትን መምህራንን ናይ ዝተፈላለዩ አብያተ ክርስትያን፣ አብ ጽርሃ ጉባኤ ካርዲናላት ረኺቦም፣ ኩሎም ክርስትያን አመንቲ ሓድነት ዘለዎም ኰይኖም ክመላለሱን ክምስክሩን አብ ገልግሎት ፍቕሪ ክዓዩን ጻውዒት አቕረቡሎም። ቅዱስነቶም አብ ዘስምዕዎ ቃል "እዚ ተበግሶ እዚ ድሕሪ ኻልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ካብ ዓሰርተታት ሃገራትን ካብ እተፈላለየ ክርስትያናዊ ትውፊታትን ዝመጹ ዝጀመርዎ ተበግሶ ኢዩ፣” በዚ ኸምዚ ድማ "ጽዑቕ መጽናዕትን ምርምርን" ከም ዝካየዱ ገበረ። አብ "መጽናዕቲ ቅዱስ መጽፍሓፍን አብ መንፈሳውነት መልእኽትታት ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስን ናብ አሕዛብ ንዝጸሓፎ አፍልጦ አብ ምዕባእይ" ኣበርክቶ ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ ዝነበረ።
ምስ ካልኦት ከራኽብ ዝኽእል ኣጋጣሚ
እዚ ሎሚ እውን እንተ ዀነ እተፈላለያ ክርስትያናዊ አብያተ እምነታት አብ ጽሑፋት ቅዱስ ጳውሎስ ፍሉይ ተመስጦ ዝገብራ፣ "አባኡ ውን ፍሉይ መጽናዕቲ ዝገብሩን ከምኡ ውን ንባህልን መበቈልን ህይወት እምነት ዝመስክሩ" ክርስቲያናዊ ማሕበር ቅዱስ ጳውሎስ ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዝገብር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ዘቕረብዎ መደረ ገሊጾም። ከመይሲ እዚ ኣጋጣሚ እዚ "ኣብ መንጎ እተፈላለዩ መበገሲ ነጥብታት ንዝግበር ዝርርብን ምርድዳእን" አፍደገ ዝኸፍት ከም ምዃኑ ገለጹ። እቶም ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ተበጊሶም ናብ ሓባራዊ ባይታ ንምብጻሕ ሃሰስ ዝብሉ፣ ከምኡውን "ኣብ ኩነት ጸሎትን መንፈሳውነትን እቲ ኣገዳሲ ባይታኡ ንኽርከብ ጽኑዕን ስነ-ፍልጠታውን ምንጽጻር" ዘዘውትሩ ኢዮም። እዚ ኸኣ "ጽባቐ መልእኽትታት ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምኡውን ንክርስትያንን አብ ህይወት እታ ማሕበር ዘለዎ ኣገዳስነትን" ንኽግለጽ ዘኽእል ተበግሶ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ቅዱስ አቦና እዚ ጳውሎሳዊ ዘተ ሕብረት አብያተክርስትያን "ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንሓድሕድና ኽንራኸብን ክንጸዋዋዕን እንከሎና ዝለዓል ዘይምትእምማን ዘምጽኦ ዕንቅፋታት ንምስጋር ትብዓት ኣለዎ ጉባኤ ኢዩ፣" ክብሉ መስከሩ።
ክሕሰብ ዘይከአል መገድታት ኣምላኽ
አብዚ ዓመት እዚ አብ ዝተገረ ጉባኤ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮማ አብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ካብ ምዕራፍ 9-11 ዘሎ ትምህርትታት ንምጽናዕ ዝዓለም ኢዩ ዝነበረ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ውን አባኡ ተመርኲሶም “ብዘዕባ እቲ መልዕልተ ባህርያዊ ዝኾነ ምስጢር ድሕነት ኢዩ ዝዛረብ፣ እዚ ድማ ብዛዕባ እቲ ንእስራኤል እተዋህበ ህያብን ጻውዒት አምላኽን እንክኸውን፣ ከምኡ ውን ብዛዕባ እቲ ተስፋ ወንጌል፣ እቲ ብመንገዲ ሓዋርያት አቢሉ ንአሕዛብ እተዋህበ ተስፋ እንክኽውን፣ ሓደ መሰረታዊ አገዳስነት ዘለዎ መልእኽቲ ኢዩ ዘመሓላልፈልና፣ ስለዚ ንመጽናዕቲ ቅዱስ መጽሓፍን ነቲ አብ ሕብረት ክርስትያን ዝግበር ዝርርባት ንምክያድን አገዳሲ ክፍሊ ኢዩ።” ክብሉ መደረኦም ቀጸሉ።
ኣምላኽ ነቲ ብዛዕባ ድሕነት ዝኣተዎ መብጽዓ አየዕብርን እዩ ፣ ብዘይተጸበኻዮን ብዜገርምን መገዲ እውን ከይተረፈ ብትዕግስቲ ንቕድሚት ይስጕም እዩ ። እንተዀነ ግን "ኣመንቲ ኣብ ምሕረት ኣምላኽን ተስፋታቱን ክውከሉ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ድኽመቶምን ንእምነቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ብዙሕ ስግኣትን እውን ከይተረፈ ብሳላ ሞት ትንሳኤን ክርስቶስ ኣብቲ ውጽኢታዊ ኪዳን ጸጋ ኣምላኽ ክተአማመኑ ይኽእሉ ኢዮም።"
"እቲ ናይ ብሓቂ ሕብረት አብያተክርስቲያን ብጕዕዞ ኢዩ ዝብጻሕ"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብቲ ጳውሎሳዊ ዘተ ሕብረት አብያተክርስቲያን ዝነበሩ ተሳተፍቲ ነቲ "ትምህርታዊ ዘተ አብ ትምህርቲ ቅዱስ መጽሓፍ፡ መንፈሳውነትን ሕውነትን" ክቕጽልዎ ኣተባብዖም "ንኹሉ እቲ ነፍሲ ወከፎም ሓላፍነት ተሰኪሞምሉ ናይ ዘልዉ ሃብቲ ኣብ ምዝርጋሕ" ነቲ "ቅዱስ መጽሓፋዊ ምርምር ብጽንዓትን ብኽእለትን" ንምቕጻል፣ ብፍላይ ድማ "በቲ ኣብ መልእኽትታት ቅዱስ ጳውሎስ ዝርከብ ማእለያ ዘይብሉ መንፈሳዊ ሃብቲ ብምድናቕ" ብትግሃት "ንማሕበረሰብ ክርስትና 'ሓድሽ መዝገበ ቃላት' ንምቕራብን ንምዝርጋሕን" ንገዛእ ርእሶም " በቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ መንፈሳዊ ሃብቲ ክግረሙ" ብተወፋይነት ክሰርሑን "ነቲ ናይ ነፍሲ ወከፎም ሓላፍነት ክዋጹ" መጸዋዕታኦም አቕረቡሎም ። ቀጺሎም ድማ እዚ ተወፋይነት እዚ ነቲ ናይ ኣቦ ምሕረትን ሕያውነትን ዝኾነ ክርስቶስ ድሕነት አብ እዋኑ ዘሐድስ ተስፋ መንፈስ ከመሓላልፍና ይኽእል ኢዩ። ስለዚ እቲ "መብዛሕትኡ ግዜ ኣድካምን ተሓቢኡን ዝነበረ ዕዮ ሊቃውንትን መምህራንን ጉባኤ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብቶም ኣመንቲ እናዓበየ ኪኸይድ ተስፋ ብምግባር፣ አብቲ ንጐይታ አብ ምድላይ ዚግበር ሓባራዊ ጕዕዞ ዚሕግዝ ናይ ምዝርራብን ናይ ምትሕብባርን መንፈስ" ኪዓቢ ይኽእል እዩ በልዎም ። ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ናይ ሕብረትን ሓድነትን ጕዕዞና ኽንቅጽል "ሓቢርና ኽንከይድ ብሓባር ክንጽሊ ብሓባር ክንዓዪ" አሎና ክብሉ ተማሕጸንዎም።
“ናይ ብሓቂ ሕብረት ዝበሃል ኣብ ጕዕዞ ኢዩ ዝፍጸም - ብእግርና ምስጓም ምስ ካልኦት ምምልላስ ከምኡውን ኣብ ካልኦት ምውካል ክንፈርህ የብልናን፣ ንድኻታት ንምግልጋል ንክርስትያናዊ ማሕበረሰባትን ንዘይክርስትያናዊ ሕብረተሰባትን ንምሕጋዝ ጕዕዞ ኣገልግሎትና ንቐጽል” ብምባል መደረኦም ዛዘሙ።