ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዋዕላ ማእከላይ ባሕሪ ንክሳተፉ ማርሲሊያ ኣትዮም
ፍራንቸስኮ ኣብ መዛዘሚ ኣኼባ ማእከላይ ባሕሪ መደረ ንኸስምዑ ኣብ ወደባዊት ከተማ ማርሲሊያ ናይ ክልተ መዓልቲ ዑደቶም ዕለት 22 መስከረም ጀሚሮም። ምስ ናይ ሃገረ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ኤማኑኤል ማክሮን ክራኸቡን ዕለት 23 መስከረም ምሸት ናብ መንበሮም ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ምምላሶም ናይ ጸሎትን ንናይ ሓባር ውስጠ ሃይማኖታዊ ኣኼባ ክመርሑን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን እዮም።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 16.00 ማርሲሊያ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ በጺሖም በመል 44 ዓለም ሓቆፍ ሓዋራዊ ዑደቶም ብወግዒ ከም ዝጀመሩን ኣብቲ ብቤተ ክርስቲያን ዝምራሕ ተበግሶ በቢ ዓመቱ ኣብ ዝተፈላለያ መዲትራኒያን ሃገራት ዝካየድ፡ ናይ ሃገራት ማእከላይ ባሕሪ ጳጳሳትን መንእሰያትን ከንቲባታትን ዘራኽብ ዓውደ ኣኼባ ንብዶሆታት ናይቲ ዞባ ብሓባር ንምፍታሕ ዝዓለመ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ኣብዚ ዓውደ ኣኼባ መዛዘሚ ክሳተፉን መደረ ከምስዑን እዮም።
ኣብዚ ኣብ ማርሲሊያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ኣኼባ ማእከላይ ባሕሪ ኣስታት 70 ካቶሊካውያን ጳጳሳትን ካብ 20 ክሳብ 35 ዓመት ዝዕድመኦም 120 መንእሰያትን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕትን ናይ ሃይማኖት ምስልምና ናይ ኩለን ዝተፍላለያ ካልኦት ሃይማኖታት መራሕቲ ይሳተፉ ከምዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ኣብታ ዝተጓዑዙላ ነፋርቲ፥ ኣብ ፈረንሳ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ቸለስቲኖ ሚሊዮረን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፈረንሳ ልኡኽቲ መንግስቲ ፍሎረንቸ ማንጊን ኣቀባብላ ከም እተገበረሎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ናይ ኣቀባብላ ስነ ስርዓት
ቅዱስነቶም ኣብ ማርሲሊያ መዓርፎ ነፈርቲ ብናይ ፈረንሳ መራሒት መንግስቲ ኤሊዛቤት ቦርን ካልኦት ኣርባዕተ ሕጻናት ዕንባባን ኣብ ሻብዓይ ክፍለ ዘመን ናይ ደቡብ ፈረንሳ ኣቡን ናይ ዝነበረ ኣብቲ ከባቢ ኣዚዩ ዝኽበር ቅዱስ ኤሊጊዩስ ቅዱስ ምስሊ ገጸ በረኸት ከም ዘቕረቡሎምን ኣፍሊጡ።