ር. ሊ. ጳ. አብ ሞንጎልያ ፦ ቤተ ክርስትያን ንኢየሱስ ብቐጻሊ ክትሰብኽ ኣለዋ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ኣባላት ናይታ ኣብ ሞንጎልያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንመጀመርታ ግዜ ኣብ እተራኸቡሉ እዋን ንቤተ ክህነትን አገልገልቲ ልኡካነ ወንጌልን "ጐይታ ሰናይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን!" ብምባል ሓጐስ ጐይታን ሕያውነት ጐይታን ምሳና ኸም ዘሎን ብምዝኽካር፣ እዚ ድማ ንነገራት ብሓድሽ መገዲ ንኽንርእዮም ከም ዘኽእለና ኣዘኻኸርዎም።
ነቶም ኣቡናትን ካህናትን ልኡካነ ወንጌል ሰብ-ውፉይ ሕይወት አሕዋትን አሓትን ከምኡውን ነቶም ኣብ ካቴድራል ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ተረኺቦም ዝነበሩ ቤተክህነት ህይወቶም ምእንቲ ወንጌል ንኸወፍዩ ጻውዒቶም አቕረቡሎም፣ እዚ ኸኣ ብፍላይ ነታ ኣብ ሞንጎልያ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን "ነቶም ልኡካነ ወንጌል ዝኽኑ ሞያኦም እትገልጸሉ ሰናይ ዝኾነት መገዲ" ቢሎም ጸውዕዎም።
ህይወትና ንወንጌል ምውፋይ
ቅዱስ አቦና ንታሪኽ ናይታ አብ መንጐልያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ብምዝካር፣ ናብቲ ዘሎ ህልው ኩንታት ውን ምልስ ኢሎም "ዝዀነ ይኹን ሰብ ስለምንታይ ኢዩ ህይወቱ ምእንቲ ወንጌል ኬሕልፎ ዘለዎ ?" ክብሉ ሕቶ አቕረቡሎም ።
መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ "ኣምላኽ ገዛእ ርእሱ ብምግላጽ ብኢየሱስ ክርስቶስ አቢሉ ክትንክፈናን ኪራኸበናን ድልው" ብምዃኑ ኢዩ ክብሉ ገለጹ።
ጐታናን መሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "እቲ ቤተ-ክርስትያን ወትሩ ክትሰብኮን ኣብ ህይወታ ኸተንጸባርቖን ከምኡውን አብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብን ባህልታትን 'ሕሹኽ' ክትብሎ ዘለዋ ንዅሎም ህዝብታት እተዳለወ ሰናይ ብስራት ኢዩ" ብምባል ብኣጽንዖት አመላኺቶም።
እታ ኣብ ሞንጎልያ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ንካቶሊካውያን ከም "ናይ መለለይ ወረቐት" ኰይናቶም ዘላ ከምኡውን ካብ ደቂ ዓዶም ኣኽብሮትን ዝናን ንኽረኽቡ ዝገበሮም ናይ ግብረ-ሰናይ ተበግሶታቶም ጠቐሱ። ብዘይካዚ "ኣብዛ ንፍቁር ህዝቢ ሞንጎልያ ብዙሕ ፍረ እተፍርን ጠቓሚትን ዝዀነት መገዲ ፍቕሪ ንኺመላለሱ " ኣተባብዕዎም ።
ንኢየሱስ ኣብቶም እነገልግሎም ሰባት ምርኣይ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ሞንጎልያ ዘገልግሉ ዘለዉ ቤተ ክህነት ወትሩ ናብ ኢየሱስ ኪምለሱ ብምዝኽኻር ምንጪ ኣገልግሎት ቤተ ክርስትያን ንሱ ምዃኑ ጠቐሱ ። ናብ ጐይታ ኩሉ ግዜ ቀረባ ብምዃና "ኣብ ገጽ እቶም እነገልግሎም ሰባት ክንርእዮ ንኽል ኢና" ክብሉ አስተምሃሩ።
ኣስዕብ ኣቢሎም ኸኣ ኣብዛ ሰባት ብዛዕባ ቅዱስ ነገራት ርዱአት ዝኾኑላን፣ ሓቀይና ምስክርነት ዘናድዩላን ዘለዉ ሞንጎልያ እዚ ኣገልግሎት እዚ አጸቢቑ ኸም ዜድሊ ገለጹ ። ክርስቲያን ምእመናን ፖለቲካዊ ጽንሰ-ሓሳብ ንኼስፋሕፍሑ ዘይኰነስ "ብዛዕባ ኢየሱስ ምስቲ ሕጂ 'ኣቦና' ዝዀነ ኣቦኡ ዘለዎም ሓድሽን ህያውን ርክብ" ንምምስካር ከም እተላእኩ አመልከቱ።
ሕብረት ኣብ ቤተ-ክርስትያን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ባህርያት ቤተ-ክርስትያን እንከስተንትኑ፣ ቤተ-ክርስትያን ብእምነትን ብሓይልን ናይቲ ዝተንስአ ጐይታ ጥራይ እትነብር ኮይና ብዓለማዊ ነገራትን አተሓሳአስባታትንን ድኻ ብምዃናን ከምኡውን "ንረብሓ ኩሉ ዝኸውን መልእኽቲ ምሕረትን ሓቅን" ከተብጽሕ ከም እተጸውዐት ገለጹ።
ካህናት ንህዝቢ ኣብ ምምራሕን ኣብታ ምስጢራዊት ኣካል ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስቲያን ሕውነት ኣብ ምህናጽን ዘለዎም ግደ ብምጕላሕ ኣብ ትሕቲ እቲ ርእሲ ቤተክርስቲያን ዝኾነ ክርስቶስ ብምርካብ ክህልዎም ዘለዎም ስኒትን ሓድነትን ኣትሪሮም ገለጹ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ቅዱስ አቦና ንሞንጎልያውያን ናብ ልቦም ማለት "ናብ ልቢ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ" ቀረባ ከም ዝኾኑ ኣዘኻኸርዎም፣ ከምኡ ውን ብተዛማዲ መንገዲ እታ አድማሳዊት ዝኾነት ቤተ-ክርስትያን እውን ብግዲኣ ንሞንጎልያ ቀረባአ ከም ምዃና "ኣዝዩ ዜደንቕ ሕብረት" ከም ዘለወን ድማ ኣዘኻኸርዎም ።
ኣብዚ መዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ጳጳሳት ዘለዎ ግደ ብአጽንዖት እንክገልጹ - "ኵሎም ናይ ቤተክርስቲያን ባእታታት ኣብ ዙርያ ነቲ ህያው ዝኾነ ንክርስቶስ ወኪሉ ኣብ ማእከል ህዝቡ ዝርከብ ጳጳስ ጽኑዕ ሓድነትን ውህደትን ከም ዘለዎን ከምኡውን ነቲ እንሰብኮን አብ ባህልታት ደቂሰብት ክሰርጽ ዘለዎ እምነትን ንምስራስ ኣጸቢቑ ዝሕግዝ ሲኖዶሳዊ ሕብረት ክሃንጹ አገዳሲ ኢዩ።" ክብሉ ምሕጽንታኦም አቕረቡሎም ።
ኣብ ሞንጎልያ ንኢየሱስ ምምስካር
ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣገልገልቲ ቤተ-ክርስትያንን ንዅሎም ኣብ ሞንጎልያ ዝርከቡ ክርስትያን ምእመናንን "ውህበት ከም ምዃኖም" ክዝክሩን፣ ከምኡውን ንሃገረ መንጎልያ ናይ ፍቕሩ መሰኻኽር ንክኾኑ ዝጸውዖም ንክርስቶስ ገዛእ ርእስኻ ምውፋይ ክሳብ ክንደይ ሰናይ ምዃኑን ንኽዝክሩ አተባብዕዎም። ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ ነዚ አብ ግብሪ ከውዕልዎ ዝኽእሉ ሓድነት ብምፍጣርን ገርሀይና ህይወት ብምንባርን ምስቶም ዘገልግልዎም ሰባት ብምቅርራብን ከምኡ ውን ክንኻንን ሓልዮትን ብምሃብን በቲ ኣብነታዊ ዝኾነ ህይወቶም ንኢየሱስ ናብቶም ህዝቢ ምስ ዘብጽሕዎን ኢዩ ።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ሃገረ ሞንጎልያ ዝነበሩ ካቶሊካውያን ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብሕድሪ ንኽውፈዩ ኣተባብዕዎም፣ "ንወንጌል ደኺመ ኸይበሉ ብሓጐስ ዝምስክሩን ሓድሽ ቅንኣትን ሓያል ፍቕርን ንክረኽቡ ድማ ክጽልዩ፣" አተባብዕዎም።
ቀጺሎም ድማ "ንቕድሚት ገጽኩም ገስግሱ" ብምባል፣ "ኣምላኽ የፍቅረኩም ኢዩ፣ ዝሓረየኩም ድማ ስለ ዝአምነትኩም ኢዩ" በልዎም። አብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ስለቲ ምስክርነቶምን ስለቲ ምእንቲ ወንጌል ዘሕለፍዎ ዘለዉ ህይወትን "አብ ጐንኹም አሎኹ፣ ኣዝየ ድማ አመስግነኩም!" በልዎም።
ኣብ መወዳእታ ድማ "ጸኒዕኩም ክትጽመሙ ብጸሎትን ብፍጥረትን ብልግሲ ጽኑዓት ብሓድነት ጽኑዓት ብዅሉን ምስ ኵሉን ሕጉሳትን ትሑታትን ኩኑ" ኢሉ ኣተባብዖም።