ር. ሊ. ጳ. ኣብ ሞንጎልያ ፦ ክርስትያናዊ እምነት ነቲ ንፍቕሪ ዘሎና ጽምኢ መልሲ እዩ
አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብቲ ትማሊ ሰንበት ዕለት 3 መስከረም አብ ከተማ ኡላምባታር አብ ዝርከብ ደረቕ ምደረ-በዳ ዝኾነ ጐልጎል አብ ዘዕረግዎ መሰዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘስምዕዎ ቃል አምላኽ ብዛዕባ እቲ “ኣብ ውሽጢ ነፍስወከፍና ዘሎ ጽምኢ” ከምኡውን ብዛዕባ “እቲ ነዚ ጽምእና ዘርውዮ ክርስቲያናዊ ፍቕሪ” አብ ናይ ዕለቱ ጸሎተ ሰዓታት እተጠቕሰ መዝሙረ ዳዊት ብምምርኳስ “ኦ አምላኽ. . . አነ ናትካ ጽምኢ አሎኒ። ከምቲ ደረቕን ንቑጽን ምድሪ ማይ ዝጸምእ፣ አነ ንአኻ ሃረር እብለካ አሎኹ።” (መዝ 63፡1) እንክብሉ ቃል አምላኽ አስሚዖም።
ንጽምኢና ከርዊ ዚኽእል ክርስቶስ ጥራይ እዩ
ቅድሚ ኹሉ እዛ ጥቕሲ እዚአ “ነቲ አብ ውሽጥና ዘሎ ጽምኢ ክንፈልጦን ክንቅበሎን” ትዕድመና ጥቕሲ ኢያ። ናይ እቲ ዘማሪ ቃላት “አብ ከም መንጎልያ ዝአመሰለት ሃገር፣ ምስቲ ባህላዊ ፍሉይ ናይ ሰበኽ ሳግማዊ ልምድታታ ፍሉይ ትርጉም ኢዩ ዘለዎ።” ምስ በሉ አስዕብ አቢሎም “ንሕና ኩልና ‘ስበኽ ሳግም ናይ አምላኽ’ ኢና፣ ሓጐስ ሃሰስ ዝብሉ ነጋድያን፣ ፍቕሪ ዝደልዩ ገያሾን ኢና።” ክብሉ አስተንትኖኦም ቀጸሉ።
“ፍቁራት አሕዋትን አሓትን እዚ ልቢ ክርስትያናዊ እምነት እዩ፦ “ክርስቲያናዊ እምነት መልሲ ናይዚ ጽምኢ እዚ ኢዩ፣ አብዚ ጽምኢ እዚ እቲ ዓቢይ ምስጢር ሰብአውነትና ይግለጽ፣ ንልብና ናብቲ ህያው ዝኾነ አምላኽ፡ ናብቲ ፍቕሪ ዝኾነ አምላኽ አቢልና ክንከፍቶ ይገብረና፣ ናብቲ ክረኽበና ዝመጽእ እሞ ውሉዱ ዝገብረናን አብ ነንሕድሕድና ሕውነታዊ ዝምድና ክንፈጥር ዝገብረናን አምላኽ ዘቕርበና ኢዩ።” ክብሉ ብዕምቈት ገለጹ።
ቅዱስ አቦና ቀጺሎም “እዚ ኢዩ ማእከል ክርስቲያናዊ እምነትና፣ አምላኽ በቲ ፍቕሪ ዝኾነ ወዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ አቢሉ ቀረባና ክኸውን መሪጹ፣ አብ ህይወትና፡ ስራሕና፡ ሕልምታትና፡ አብቲ ንሓጐስ ዘሎና ጽምእን ክካፈል ደልዩ።” ክብሉ አስተምሃሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንቅዱስ አጐስጢኖስ ብምጥቃስ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ህይወትና "ነቲ ምድረ በዳ ዝመስል ጽምዋን፡ ተነጽሎን፡ ድኻምን ባዶነትን ንምዀረ ኢና" ኣምላኽ ግና በቲ "ህያው ዝኾነ ቃል፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ አቢሉ ኣብቲ ምድረ በዳ ዓቢይ ጽርግያ ኸፊቱልና ኣሎ" ክብሉ መስከሩ። ኣምላኽ ነቶም ሰበኽቲ እቲ ቃሉ ዝኾኑ መንፈስ ቅዱስ ብምምላእ ብኣኣቶም አቢሉ አብቲ ናይ ምድረ በዳ ህይወትና የጸናንዓና እዩ።
ልቢ እምነትና
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አስዒቦም ከምዚ በሉ "ወትሩ ናብቲ ልቢ እምነትና እዩ ዚመልሰና ፣ እዚ ኸኣ ብኣምላኽ ክንፍቀር ፍቓደኛታት ክንከውንን ንሕናውን ብግዴና ንህይወትና መስዋእቲ ፍቕሪ ጌርና ንምቅራብ ይዕድመና ። ፍቕሪ ድማ ኢያ ብሓቂ ንጽምእና እተርውዩ።"
ቅዱስነቶም ናብቲ ጴጥሮስ ንሕማማትን መስቀልን ኢየሱስ ኪቕበሎ ኸም ዘይደለየ ዚገልጽ ክፍሊ ወንጌል ምልስ ባምባል እቲ ጴጥሮስ ዘርኣዮ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ "ናብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ኸም ዘየብጽሓናን፣ እኳ ደአ ካብቲ ዝቐደመ ዝገደደ ጽምኢ ከም ዝስምዓና ዝገብር ምዃኑ" ክብሉ ገለጹ። ብአጻሩ እኳ ደአ ከምቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ገዛእ ርእስና ብምኽሓድን መስቀልና አልዒልና ብምኽታሉን ጥራይ ኢና ነቲ አብ ህይወትና ዘሎ ጽምኢ ከነርውዮ እንኽእል ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ በሉ ፦ "ኢየሱስ ክንረኽቦ ዚደልየና ሓቂ ፍቕሪ እዩ ፣ ነዚ ሓቂ እዚ ንኹልናን ነዛ ሃገረ ሞንጎልያን ክገልጸልና ይደሊ አሎ ፦ ሕጉስ ንምዃን ህቡብ፡ ሃብታም ወይ ሓያል ክትከውን ኣየድልየካን ኢዩ ። እዛ ፍቕሪ ጥራይ እያ ጽምኢ ልብና ከተርውየልና እትኽእል፣ እዛ ፍቕሪ ጥራይ ኢያ ድማ ነቝሳልና እተሕዊ፣ ከምኡ ውን እዛ ፍቕሪ እዚአ ጥራይ እያ ናይ ሓቂ ሓጐስ እተምጽኣልና።"
አብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱስ ጴጥሮስ ዝበሎ ቃላት ኣብ ልብና ከነስተውዕሎ እሞ ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንከውን መታን ኣሰር አሰሩ ክንስዕብ ውን ካብቲ ዓለማዊ ዝኾነ አተሓሳስባ ክንርሕቕ ምሕጸንታኦም አቕረቡ ።
ስለዚ ቅዱስ አቦና አስዕብ አቢሎም "ከምዚ እንተ ደአ ጌርና ብጸጋ ክርስቶስን ብመንፈስ ቅዱስን ኣቢልና ብመገዲ ፍቕሪ ኽንጐዓዝ ንኽእል ኢና ... ምእንቲ ወንጌል ኢልና ንህይወትና አሕሊፍና ምስ እንህብ ድማ ጐይታ ብዘልዓለማዊ ፍቕርን ሓጐስን መሊኡ ናባኡ ክመልሰና ኢዩ።" ቢሎም ስብከቶም ዛዘሙ።