ድለ

2023.09.22 Viaggio a Marsiglia - Momento di raccoglimento al Memoriale 2023.09.22 Viaggio a Marsiglia - Momento di raccoglimento al Memoriale  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. አብ ማርሴል ፦ ንስደት ብሰብአውነትን ብምንፈስ ምትሕግጋዝን ክንቅበሎ አሎና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ማርሴል ንዝኽሪ ጀጋኑን ግዳያት ባሕሪ ዝተሓንጸ ሓወልቲ ዝርከበሉ ቦታ ተረኺቦም አብ ዘቕረብዎ መደረ፣ ቅዱስነቶም ነቲ ዘሕዝን ፍጻመታትን ኣብ ብምሉኡ ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ ናይ ስደት ብድሆታት ብሰብኣዊ መገዲ ክፍታሕ ከም ዘለዎ ጸውዒቶም አቕሪቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ አብ ከተማ ማርሴል ዝገብርዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ትማሊ ዓርቢ ምሸት 22 መስከረም ዝነበሮም ካልአይ ሓፈሻዊ  መደብ ምስ ኣባላት መንፈሳውያን ማሕበራትን ምስቶም አብ ሓልዮት ንናይ ባሕሪ ገጓዓዝቲ ዝነጥፉ ተቕዋማት ናይታ ዞባዊት ቤተ-ክርስትያንን ከምኡውን ምስ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ተራኺቦም፣  ኣብቲ ኣብ ፈረንሳ ከተማ ማርሴል ዚርከብ ንዝኽሪ እቶም ሕይወቶ አብ ባሕሪ ዝሰአኑ ባሕረኛታትን ስደተኛታትን እተገብረ ሓወልቲ ዝርከበሉ ቦታ ተረኺቦም  ንዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ዘሳተፈ መደብ አስተንትኖ  አካይዶም።

ኣብ ማእከላይ ብሕሪ ዝሞቱ ስደተኛታት ቁጽሪ ጥራይ አይኮኑን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ መደብ አስተንትኖ አብ ዘቕረብዎ መደረ፣ ነቲ ንማእከላይ ባሕሪ ናብ "መቓብር" ቀይርዎ ዘሎ ዘሕዝን ፍጻመታት ብህጹጽ ክፍታህ ከም ዘለዎ ጻውዒቶም ብምቕራብ፣ እዚ ድማ ብቃላት ጥራይ ዘይኰነስ ብተግባር መልሲ ክንህበሉን ልዕሊ ዅሉ ከአ ብመንፈስ ሰብአውነትን ርሕራሐን ጭቡጥ ስጕምቲ ክውሰድ አለዎ ክብሉ አትሪሮም አመልከቱ።

ዝሓሸ መጻኢ ኺረኽቡ ክብሉ ህይወቶም ኣብ ባሕሪ ዝስእኑ ዘለዉ ስደተኛታት ቍጽሪ ጥራይ ዘይኰኑስ ገጽን ስምን ዘለዎም ሰባት ካብ ግጭትን ድኽነትን ኣከባብያዊ ዕንወትን ክሃድሙ ክብሉ ዘጓንፎም ዘሎ ምዃኑ ገለጹ ።

"ነቶም አብ ባሕሪ ዝጥሕሉ ዘለዉ ከም አርእስቲ ዜና ብምውሳድ ከም ብዝሒ ቍጽሪ ኣብ ባሕሪ ዘጋጠመ ሞት ጥራይ ጌርና አይንሕሰቦ - ኣይፋልን! ንሳቶም ስምን መለለይን ዘለዎም፣ ገጽን ታሪኽን ዘለዎም ኢዮም፣ ከምኡ ውን ንሳቶምሲ ሕይወቶም ዝተቖጽየን ሕልምታቶም ዝጸልመቶምን ሰባት ኢዮም።"

ግዴታ ሰብአውነትን ሓድነትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ኣብዚ ግዜና ንስደተኛታት ዜጋጥሞም ዘሎ ቅልውላው ጠቂሶም፣ ስደተኛታት ኣብ መንጎ ህይወትን ሞትን ኣብ ዘሎ መስቀላዊ መገዲ ኺኣትዉ ኸለዉ ከምቲ እቲ ቐንዲ ጸሓፊ ናይ’ታ "ሄርማኒቶ" ("ንእሽቶ ሓው") ዘርእስታ መጽሓፍ ዝጸሓፎ፣ አብ መወዳእታ ናይቲ ካብ ጊኒ ናብ ኤውሮጳ ዝገበሮ ሓደገኛ ጕዕዞ፣  ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ መስቀላዊ መንገዲ ስልጣነ ደው ኢለን ዘለዋ ክብል ገሊጹ።

"በቲ ሓደ ሸነኽ ንሰብኣዊ ማሕበረሰብ ብሰናይ ተግባራት ከም ዝዕምብብ ዝገብር ሕውነት ኣሎ፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ዘይምግዳስ ንማእከላይ ባሕሪ ደም ደቂ ሰባት ከም ዝሰቲ ጌርዎ አሎ።"

እቲ ጸሕፊ አትሪሩ ከም ዝገለጾ ነቶም አብ ሓደጋ ናይ ባሕሪ ዝርከቡ ዘለው ምድሓን ናይ ሰብአውነትን ስልጣኔን ግዴታ ምዃኑ ይምስክር ። ቅዱስነቶም ቀጺሎም - "ኣብ ምድርን ባሕርን ነቶም ዝደኸሙ ብኸመይ ከም እንከናኸኖም እንተድኣ ንፈልጥ ኮይና፣ ከምኡ ውን ነቲ ብናይ ጸምሪ በጃ ኢድ ንኻልኦት ንሞት ዝፈርዶም ዘሎ ናይ ፍርሕን ዘይተገዳስነትን መልመስቲ ክንሰግሮ እንተደአ ክኢልና ኣምላኽ ክባርኸና ኢዩ።" ኢሎም።

"ደቅሰባት ብዋጋ ዕዳጋ ክረአዩ ከለዉን፣ ክእሰሩ ከምኡውን ብዜስካሕክሕ መገዲ ኽሳቐዩ ኸለዉን ምርኣይና ዕሽሽ ክንብሎ አይንኽእልን ኢና፣ ነቲ ብሰንኪ ጭካነ ዝመልኦ ዘይምግዳስ ዘጋጠም ዘሎ ምጥሓል መራኽብ ርኢና ክንሓልፎ ብፍጹም ዘይከአል ኢዩ። እቶም አብ ባሕሪ አብ ሓደጋ ምጥሓል ዘለዉ ሰባት ኪድሕኑ ኣለዎም ። እዚ ግዴታ ሰብአውነትና እዩ፣ ከምኡ ውን ግዴታ ስልጣኔና እዩ!"

ኣብ መዲተራነያን ዚርከባ ሃይማኖታት ኣብነት ክኾና ጻውዒት አለወን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ቕልውላው እዚ ንምፍታሕ ተወከልቲ እተፈላለያ ሃይማኖታት ብፍላይ ከኣ እቶም ሰለስተ አብ ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ዝርከቡ አብ ህላወ ሐደ አምላኽ ዝምኑ አብርሃማውያን ሃይማኖታት፣ ንጋሻ ብስም ኣምላኽ ምቕባልን ፍቃርን ቢሎም ስለዘስተምህሩ ኣብነት ኪዀኑ ተጸዊዖም እዮም ።

ቅዱስነቶም አብ ዘቕረብዎ መደረ "ንሕና ኣመንቲ ኣብ ምሕዝነታዊ ዀነ ኣብ ሕውነታዊ ተቕባል ስደተኛታት ኣብነታውያን ክንከውን ኣሎና" ብምባል ጻውዒቶም እንከቕርቡ "ነቲ ንማሕበረሰብአዊ ህይወት ዘበላሽዎ ዘሎ ናይ ጥሩፍነት ፍልሖን ከምኡውን ነቲ ሰነሓሳባዊ ነውጺ ናይ ጽንፈይናነት ክንነቕሓሉ ይግባእ" ክብሉ ተሪር መጸዋዕታ አቕረቡ።

ማርሴል ፦ ምሳሌ ተስፋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፍላይ ነቲ ኣብ ወደባዊት ከተማ ፈረንሳ ዝኾነት ማሴል አብ መንጎ እቶም ማሕበረሰብ እና ወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ማሕበራዊ ውጥርታት ባህላውን ሃይማኖታውን ክውንነ ብምጥቃስ፣ እታ ወደባዊት ከተማ ፈረንሳ "ኣብ መስቀላዊ መገዲ ማለት ናብ ግጭት ወይ ናብ ውህደት ዘምርሕ መንገዲ ደው ኢላ" ከም ዘላ ገለጹ።

ኣብዚ መዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ እተን ንስደተኛታት ኣብ ምሕጋዝን ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ሰላማዊ ህላወ ኣብ ምድንፋዕን ዝዓያ ዘለዋ እተፈላለያ ውድባት ብፍላይ ከኣ እተን ኣብ መንጎ እተፈላለያ ሃይማኖታት ዝነጥፋ ዘለዋ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ማርሴል-ኤስፔራንስ ነኣድዎምን ኣተባብዕዎምንን።

"ንስኻትኩም ናይ መጻኢ ማርሴል ኢኹም " እንክብሉ ። "እዛ ኸተማ እዚኣ ንፈረንሳን ንኣውሮጳን ንዓለምን አብነትን ምሳሌን ተስፋ  ምእንቲ ኽትከውን ተስፋ ከይቆረጽኩም ንቕድሚት ክትግስግጹ ጸዓሩ።" ብምባል ደጊሞም አተባብዕዎም።

ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም  ንጁለስ ኣይዛክ ዝተባህለ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ርክብ ኣይሁድን ክርስትናን ንምድንፋዕ ደኺመ ኸይበለ ብዝገበሮ ጻዕሪ ኣብ መላእ ዓለም ዝፍለጥ ፈረንሳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ብምጥቃስ "ፈለምትን መሰኻኽርን ርክባትን ሓድነትን" ኩኑ ክብሉ መዓድዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ ምዝዛም መደርኦም ከምቲ ብ2022 ብሞት ዝሓለፉ ዴቪድ ሳሶሊ ናይ ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ አቦ መንበር ነበር ዝበሎ ብምጥቃስ ዞባ ማዕከላይ ባሕሪ መናድቕ እናፍረስና ድልድል ንህነጽ ክብሉ ጻዊዒቶም ብምቕራብ መደረኦም ዛዘሙ።

ር. ሊ. ጳ. አብ ማርሴል ፦ ንስደት ብሰብአውነትን ብምንፈስ ምትሕግጋዝን ክንቅበሎ አሎና
23 Sep 2023, 12:18