ር.ሊ.ጳ. ኣብ ማርሲሊያ፥ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዓለም ናይ ሰላም ቤተ ሙከራ ምግባር
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስደት ህጹጽ ኩነታት ዘይኮነስ ጥበባዊ ኣርሒቕካ ምርኣይ ዝሓትት ናይ ዘመንና ክውንነት እዩ ብምባል፡ መራሕቲ ሃይማኖትን በርገሳውያን ሰበስልጣንን ኣብ ዓለም “መሰረት ሰላም” ኽኾኑ ኣበርክቶ ክግበሩ ብምትብባዕ እቲ ኣብ ማርሲሊያ ዝተኻየደ ናይ ማእከላይ ባሕሪ ዓውደ ኣኼባ ይዛዝሙ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ማእከላይ ባሕሪ “መስትያት ዓለምን ኣብ ውሽጢ ዓለማን ጸዋዕታ ሕውነት ዝሓዘ ኮይኑ፡ እቲ እንኮ ጎንጺ ንምክልኻል ንምብዳህ ዝሕግዝ መገዲ እዩ” ነዚ ዝበሉ ዕለት 23 መስከረም ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ማርሴ ኣብ ዝርከብ ሕንጻ ዱ ፋሮ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ ስሙን ዋዕላ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ መዛዘሚ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንከሎ፥ ኣብዚ ዓውደ ኣኼባ እዚ እውን ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ማክሮን ሓደ ካብቶም መደረ ዘስምዑ ከም ዝኾኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ንሓሙሽተ መዓልቲ 120 ወከልቲ ኣቢያተ ክርስቲያናን ካብ ሓሙሽተ ገማግም ባሕሪ መዲትራኒያን ሃገራት ዝተዋጽኡ ከንቲባታትን ህልው ፖለቲካዊ ቁጠባዊ ከባብያው ብድሆታት ናይቲ ዞባ፡ ከምኡ እውን ንመጻኢ ዘለዎ ተስፋታት ኣማእኪሎም ሓሳብ ንሓሳብ ከም እተለዋወጡን ተመኮሮታቶም ተኻፊሎምን ፍሉይ ኣተኮሮ ኣብ ህልው ቅልውላው ዋሕዚ ስደተይናታት ከም ዝገበሩ የመላኽት።
ቅዱስነቶም ንማርሲሊያ፥ “ቅንስላዊት ተስፋ፥ ምስቲ ዓቢ ሕብረ ብሔራውን ሕብረ ባህላውን ትዊፍት ኣትራኸብ” እንክብሉ ገሊጾም፡ “ንብዙሕ ስልጣነታት ማከላይ ባሕሪ እተንጸባርቕ እያ፥
ማእከላይ ባሕሪ መጀመርታን መሰረትን ሰላም እዩ
እቲ ሮማውያን ኣብ ጥንቲ “mare nostrum - ባሕርና” እንክብሉ ዝጽውዕዎ ዝነበረ ንኣሽሓት ዓመታት “ናይ መራኸቢ ቦታ” ከም ዝነበረ ክንርስዕ የብልናን፡ ኣብ መንጎ ኣብርሃማውያን ሃይማኖታት ኣብ መንጎ ኣተሓሳስባ ግሪኽ ላቲን ዓረብ ኣብ መንጎ ስነ ፍልጠት፡ ፍልስፍና፡ ሕግን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ብዙሕ ካልእ ክውንነታት” መራኽቦ ዝነበረ እዩ።
ኣስዒቦም እውን ነዚ ናይ ማእከላይ ባሕሪ ዓውደ ኣኼባ ካብ ዘነቓቕሑ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ናይ ከተማ ፊረንዘ ከንቲባ ነፍሰ ሄር ጆርጆ ላ ፒራ ዘኪሮም፥ “ማእከላይ ባሕሪ መጀመርታን መሰረትን ሰላም ኣብ መንጎ ህዝብታት ዓለም፡ ናይ ሰባትን እምነታትን ትውፊትን ምስቲ ኢየሱስ ብጽዕና ዝኣወጀሉ ባሕሪ ገሊላ ዝመሳሰል እዩ።” እዚ “መስቀላዊ መገዲ ሰሜንን ደቡብን፡ ምብራቕን ምዕራብን ንግርጭታትን ምግምማዕን ብሓባራዊ ምንባር ክንቃወሞ ይላበወና፡” ብተመሳሳሊ ድማ “ብድሆታት መላእ ዓለም፡ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ሓዊሱ ኣብ ሓደ ዘምጽእ እዩ፡ . . . እዚ ሎሚ ናይ ጎንጺ ባሕሪ ዝመስል ዘሎ ማእከላይ ባሕሪ፡ ኣብ ጸዋዕታኡ ናይ ሰላም ቤተ ሙክራ እዩ፡ ምኽንያቱ ዝተፈላለያ ሃገራትን ክውንነታትን ዝራኸበሉ ቦታ ብምዃኑ፡ ብድሆታት እንገጥሞ መሰረቱ ኩላትና እንካፈሎ ሰብኣውነት እምበር ኣብ ተነጻጻሪ ስነ ሓሳባት መሰረት ከም ዘይኮነ ዘዘኻኽረና ስፍራ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣውያት ድኻታት ምስማዕ
ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ናይ ዓለም ናይ ሎሚ ናይ ግጭትን ብሔርተይናነትን ባሕሪ፥ ከምቲ ኢየሱስ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዝገበሮ ናይ ድኻታት ኣውያት ዝስምዓሉን መልሲ ዝወሃበሉን መታን ክኸውን ናብቲ ናይ ሰላም ቤተ ሙከራ ናይ ምዃን ጸዋዕታኡ ይመለስ፥
ኣብ ማሕበረሰብና ዘድሊ ለውጢ ኣንፈት - ንድኻታት - ከም ታሪኾም እንፈልጦም ኣሕዋትን ኣሓኣትን እምበር ከም ሽግርን ጸገምን ኣብ ዘይምሕሳብ ። ኣብ ምቕባል እምበር ኣብ ምሕባኦም ኣይኮነን፡ ኣብ ምውህሃዶም እምበር ኣብ ምንጻል ኣይኮነን፥ . . . ክብሪ ኣብ ምሃብ እዩ!
Mare nostrum - ባሕርና፥ መቓብር ስደተይናታት ኮይኑ ኣሎ
“ባሕሪ ሰብኣዊ ሓባራዊ ናብራ ብዘይ ምርግጋእ ዝተበከለ ኮይኑ ኣሎ” ኣብ ከም በዓል ማርሲሊያ ዝኣመሰላ ከተማታት ኤውሮጳ ከይተረፈ፡ ማሕበራዊ ወጥርን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ገበንን ዘጋጥመን ምዃነን ብምግንዛብ፡ ሕጂ እውን ሕጊ ኣልቦነት ንምክልኻል እንተኾነ ዝያዳ ህጹጽ ምትሕግጋዝ ከም ዘድሊ ኣጽኒዖም ብምዝኽኻር፥ ”ብሓቂ - እቲ ሓቀይና ጸገም ማሕበራዊ ክፍኣት ክሳብ ክንድዚ ምውሳኹ ዘይኮነስ፡ ምንካይ ክንክንን ሓልዮትን እዩ፡ ነቶም ኣዚዮም ተቓላዕቲ፡ ናይ ገበን ግዳያት ዝኾኑ መንእሰያት፡ ኣብ ፍርሒ ዘለዉ ኣባይቲ ስድራ ኣረጋውያን ዘይተወልዱ ህጻናት ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዓመጽን በደልም ዝጻወሩ ሰባት እንኮላይ፡ ካብ ኣሳዶ ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ዝስደዱ ክርስቲያን ከምኡ እውን ነቲ mare nostrum - ባሕርና ናብ ናይ ሞት ባሕሪ’ መቓብር ናይቶም ገዛእ ርእሶም ንኸድሕኑ ዝስደዱ ህይወቶምን ክብረቶምን ናብ ዝስኑሉ ባሕሪ ተቐይሩ ኣሎ።
ስደት ህጹጽ ኩነታት ዘይኮነስ ናይ ዘመንና ክውንነት እዩ
ንባሕሪ ርህውቲ ዝኾነት ዓባይ ወደባዊት ከተማ ማርሲሊያ ስደትን ታሪኽ ስደትን ፍልሰትን ዝገልጻ ካልኣይ ባህሪ ብምስትንታን፥ ካልኦት ሓያሎ ከተማታት ማእከላይ ባሕሪ ወደባተን ነቲ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት “ወራር” ዝበሃል ስግኣት መጋበርያ ዝጥቀማ ነቒፎም፥ እንተኾነ ግን እቶም ኣብ ባሕሪ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ወራር ኣይኮኑን፥ ሰብኣዊ ኣቀባብላ እዮም ዝደልዩ” እንክብሉ ኣስተብሂሎም። . . . ተርእዮ ስደት ናይ ሓጺር ግዜ ህጹጽነት ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ናይ ዘመንና ክውንነት እዩ። ስለዚ ህጹጽ ኩውንነት ገርካ ናይ ምቕራብ ደዓያት ኣይሃሉ፥ . . . ብጥበብን ኣርሒቕካ ብምርኣይን ክመሓደር ኣለዎ፥ እተን ድኻታት ሃገራት ክፍሊ ዓለም ደቡብ ብዘይምርግጋእ ስርዓታት ውግእን ምድረበዳነትን ዝተሃስያ ናብቲ ‘ዝሃብተመ’ ሰሜን ክፍሊ ዓለም ከም ዝጥምታ ኣስተብሂሎም፡ ሕጂ እውን ከምቲ ቤተ ክርስቲያን ንዓሰርተታት ዓመታት ክትብሎ ዝጸንሐት ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዘይምስምማዕ ሓድሽ ኣይኮነን፥ እንክብሉ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብታ “ህዝባዊ ምዕባለት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ዝበልዎ ሓሳብ ብምጥቓስ ኣመላኺቶም።
ምክልኻል ምሕላው ምውህሃድን ምድንፋዕ
ቅዱስነቶም ብርግጽ ንዘይተጸበኻዮ ሰብ ምክልኻል ምሕላውን ምውህሃድን ምድንፋዕ ዘጋጥም ጸገም ከም ዘሎ ኣሚኖም፥ ይኹን እምበር እቲ ቀንዲ መዐቀኒ፡ ምዕቃብ ጣዕሚ ሕይወትካ ዘይኮነስ ኣብ ክንድኡ ምሕላው ክብሪ ደቂ ሰባት እዩ ክኸውን ዘለዎ፥ . . . ኣብ ቅድሚ መዓት ምዝመዛ ደቂ ሰባት “እቲ መፍትሒ ምንጻግ ዘይኮነስ፡ ምስተን ስደተይናታት ዝመጹለን ሃገርት ከከም ተኽእሎታት ነፍሲ ወከፍ እኹል ቁጽሪ ሕጋውን ስሩዕን መእተዊ” ብምትሕብባር ምርግጋጽ ምዃኑ ደጊሞም ኣጽንዒዖም ብምዝኽካር፥ ብተወሳኺ ኣብተን ዘአንግዳ ሃገራት ምውህሃድ ወሳኒ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኣስሚሮም፥ እዚ ድማ ነቲ ዝእንገድ በቲ ዘአንግድ ይወሓጥ ማለት ኣይኮነን፡ እንክብሉ ኣጠንቂቖም፥ “ፍልልያት ኣብ ግምት ዘየእትውን ኣብ ናይ ገዛእ ራእሱ ረባሕታታት ዕጹፍ ምዃን፡ ክውንነት ዘየኽብርን ንመጻኢ ኣብ ሓደጋ ዘእትው ባዶ ዝገብር ርሕቐት የወስኽን ምንጻል የለዓዕልን እዚ ድማ ብግዲኡ ጽልእን ዘይምጽውዋርን የበግስ።”
ምስክርነት ናይ ወንጌል ፍቕርን ሕውነትን
ወደብ ማርሲሊያ “ኣፍደገ እምነት” ምዃኑ ብምዝካር ክርስቲያን ነቲ ንድኻታት ሓለፋ ዝብል ናይ ፍቕርን ሕውነትን ዝኽነ ናይ ጎይታ ወንጌል ምምስካር ግዴታ ከም ዘለዎም ገሊጾም፥ ንወንግኔል ብቓላት ክንሕንኩል ዘይኮነስ ስጋ ከነልብሶን በዚ ኣገባብ እዚ ክንምስክሮን ኢና ተጸዊዕና” እንክብሉ ኣብነት ቅዱስ ቻርለስ ደ ፎኮልድ “ኣድማሳዊ ሓው” ናይቶም ኣብ ኣልጀሪያ ዝነበሩ ሸውዓተ ሰማእታት ቲብሂሪነ ብምጥቓስ . . . ከምኡ እውን ናይ ኩሎም እቶም ኣብ ዘመንና ዝነብሩ መጋበርያ ግብረ ሰናይ ይጠቕሱ። . . . እቲ ዝልውጥ ንኣምላኽ ኣምልኽ ንብጻይካ ድማ ምግልጋል እዩ” . . . ኣብያተ ክርስቲያን ማእከላይ ባሕሪ ንብድሆታት እቲ ዞባ ንምፍታሕ “ንቕድሚት ዝኸይድ ናይ ምትሕብባር መገድታት” ክረኽባ ከም ዘድሊ ኣስሚሮም፥ ኣተሃሒዞም. . . “ንዞባዊ ዘተን ውክልናን ዝዓበየ ተኽእሎታት ከቕርብ ዝኽእል” ናይ ማእከላይ ባሕሪ ጳጳሳት ጉባኤ፥ “ንፍሉይ ጉስነታዊ ውጥን ንምስራሕ” ኣብ ጉዳይ ስደት ምቹእ ምዃኑ እውን ኣብ ግምት ብምእታው፡ እተን ሃገረ ስብከታት ናይቲ ዞባ ንዝበዝሑ ተቓላዕትን ንዝተጸገሙ ስደተይናታት ዝበለጸ መንፈሳውን ሰብኣውን ሓገዝ ክህባ ይኽእሉ።”
መንእሰያት፥ ንመጻኢ መገዲ ዘመልክት ብርሃን
ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥ ተራ መንእሰያት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ “ንመጻኢ መገዲ ዘመልክት ብርሃን” ምዃኑ እዩ ቢሎም፥ . . . ትምህርትን ህንጸትን ንዘጋጥሙ ዕንቅፋታትን ጽልእን ንምስጋር ኣገዳሲ ምዃኑ ብምዝኽካር፥ ብፍላይ ኣብ መናብርተ ጥበብ “ከም ቤተ ሙክራ ሕልሚ” ከምኡ እውን ብዛዕባ እዚ መንእሰያት ንሓድሕዶም ብምርኻብ ብምፍላጥ ኣብ ቀረባን ዝተፈላለየን ባህልታትን ኩነታትን ብምርካብ መጻኢኡ ዝሃንጸሉ ክኸውን ዝብል ሓሳብ ኣስተብሂሎም፥ “በዚ መገዲ እዚ ጽልኢ ይዓኑ ቁስሊ ይፍወስን ጸንፈይናዊ ጎስዓ ልብታት ይነጽግን” ቢሎም፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ቤተ ክርስቲያን ትምህርታዊ መርበባዊ ብምትብባዕን ብምቕራብን “ሕውነታዊ መሃዝነት ብምትብባዕ ብርግጽ ኣብዚ ኣበርክቶ ክትግበር ከምእትኽል ገሊጾም፥
ሃይማኖት ብዘይግቡእ ምጥቃም ዝከላኸል ቲዮሎግያ ማእከላይ ባሕሪ
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ “ሓቀይና ህይወት - ኣብ ክውንነት ዝተመርኮዘ ኣተሓሳስባታት ከማዕብል ዝኽእል “ናይ ማእከላይ ባሕሪ ቲዮሎጊያ” ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ . . . ንኹሉ ሰብ ድማ “ናይ ምዝካር ክእለትን መጻእን ብምትእስሳር ንውሉድ ወለዶ ሓድነት ክህልዎ ከምኡ እውን ነቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ዝኣመተ ጉዕዞ ነቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣመንቲ ናይ ሓባር ዘተ ክተባባዕ ተማሕጺኖም፥ ንርእሰ ብሔር ማክሮን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ “ብናይ ምርኻብ ባህሊ ነቲ ጸላም ዓዘቕቲ ዓመጽን ውግእን ክውገድ መታን ናይ ሰናይ ባሕሪ ኩኑ፥ ናይ ሎሚ ድኽነት ብሓድነት ምትሕብባርን ምግጣን” የድሊ ቢሎም፡” ንኹሎም ዝሓሸ መጻኢ ዝደልዩ ንምሕቋፍ ተቐባሊ ወድብ ኩኑ መብራህቲ ሰላም ኩኑ፡ እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።